ንዝመረጽዎ ክምርዓው ዘይኽእሉ ወለዶ ናይጄሪያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክሳብ ሞት ዝበጽሐን ሞቶም ክልተ ብሕዱር ጽልኢ ኣብ ደምነት ዝነበረ ክልተ ስድራ ዝጸንበረን ፍቕሪ ሮምዮን ጄልየትን መን ዘየውግዐሉ?
ኢንግሊዛዊ ደራሲ፣ ገጣምን ተዋሳእን ዊልያም ሼክስፒር ብምናቡ ዝደረሶም ምናባዊ ፍቕረኛታት እንተኾኑ'ውን ተምሳሌት ምድራዊ ጽኑዕን ሓያልን ፍቕርን ኮይኖም'ዮም።
ጌታ ሞንታግን ጌታ ካፑሌ ዝተባህሉ ኣብ ጥልያን ከተማ ቬሮና ዝነብሩ ዝነበሩ ክልተ ፍሉጣትን ዓበይትን ሃፋትምን ስድራቤት'ኳ እንተነበሮም፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ግን ንዘመናት ዝጸንሐ ቂምታ ነይሩ።
እዚ ክሳብ ሓሻኽሮም ወሪዱ ሓድሕዶም ብደም ክደላለዩ ዝገብር ዝነበረ ጽልኢ እምብኣር፡ ብፍቕሪ ዊልያም ሼክስፒር ፍረ ኣብራኾም ገይሩ ዝቐረጾም ሮምዮን ጄልየትን ተሰይሩ።
እዚ፡ ዛንታ ኣብ ናይጄሪያ ዝርከቡ ዘይትዓደሉ መጻምዲ ንምክፋል ኢና ኣልዒልናዮ።
ክልቲኦም፡ ፍቕሮም 'ተምሳሌት ሮምዮን ጁሌትን' ተባሂሎም ነናሻዕ እንተተወደሰ'ውን ዝቕበሎ ግን ኣይነበረን።
ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም ተወለድቲ ባራዩ ዝነበሩ ብምዃኖም ስድርኦም ክመርዓው ኣየፍቀዱን።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ክልቲኦም ፍቕረኛታት ንነብሶም ኣጥፊኦም። ምናባዊ ዘይኮነ ክሳብ እዚ ወርሒ ዝዘለቐ ውሁብ ህይወት ክልተ መናእሰይ'ዩ።
እዞም ፍቕረኛታት ወለዶም ስለ ዘይኣፍቀዱ ተፈላሊና እዛ ዓለም ኣይንነብረላን ብምባል ክሞቱ ከለው፡ ሓንቲ ወረቐት ገዲፎም።
"ብምኽንያት ጥንታዊ እምነት . . . ክትመርዓው ኣይትኽእሉን ይብሉና ኣለው" ከኣ ትብል።
እዞም ኣብ መበል 30ታት ዕድሚኦም ዝነበሩ ፍቕረኛታት ኣናምበራ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ግዝኣት ደቡብ ምብራቕ ናይጄሪያ'ዮም ዝነብሩ ነይሮም።
ኣብዚ ከባቢ ጊልያነት ኣብ መጀመርታ 1900ታት ብወግዒ ክጠፍእ እንከሎ፡ ዝተረፈ ክፋል ናይጄሪያ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣኒያ ነይሩ።
ግን ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ብሄረሰብ ኢግቦ ዝነብሩ ካብ ጊልያነት ናጻ ዝወጽኡ ባራዩ ዝነበሩ ስድራቤታት ካብ ወለዶም ዝወረሱዎ ውርሻ ሒዞም'ዮም ዝነብሩ።
ብመሰረት ባህላዊ እምነት እቲ ሕብረሰተብ ድማ፡ ዝኾነ ሰብ ጊልያ ካብ ዝነበሩ ምስ ዝተወለዱ ቖልዑ ክምርዓው ኣይፍቀድን።
በዚ ምኽንያት'ዮም እቶም መጻምዲ ዓርሶም ብምጥፋእ ነቲ ዝተረፈ ስድራቤቶም ኣብ ቑራጽ ወረቐት መልእኽቲ ገዲፎም ዝኸዱ።
"ፈጣሪ ንኹሉ ማዕረ ገይሩ ፈጢሩዎ እናሃለወ፡ ስለ ምንታይ'ዩ ብምኽንያት ድንቁርና ኣባሓጎታትና ሰባት ኣድልዎ ዝበጽሖም?" ኢሎም ነቲ ድሑር እምነት ነቒፎምዎ።
ብዙሓት መጻምዲ ኢግቦ ተመሳሳሊ ዕጫ'ዩ ዘለዎም፤ ግዳይ ዘይተጸበዩዎን ዘይውዓሉዎን ተነጽሎ'ዮም።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ጓል 35 ዓመት ፋቮር፡ ወለዲ ንሓሙሽተ ዓመታት ብዕርክነት ሓቢሩዋ ዝጸንሐ ፍቕረኝኣ ውላድ ባራዩ ዝነበሩ ስድራ ምዃና ምስ ፈለጡ መርዓ ተኸልኪላ'ያ።
"ምሳይ ዝኾነ ዓይነት ዝምድና ክህልዎም ከም ዘይደልዩ'ዮም ነጊሮምዎ" ትብል። ግን ክልቲኦም ካብ ብሄረሰብ ኢግቦ ዝፈረዩ'ዮም።
ኣብ መጀመርታ እቲ ሕጹያ ንውሳነ ስድርኡ ተቓዊሙ'ኳ እንተነበረ፡ ጸቕጢ ምስ በዝሖ ግን ርክቦም ክብተኽ ገይሩ።
"ሕማቕ ተሰሚዑኒ፤ ተጎዲአ . . . ተሳቕየ" ትብል ፋቮር።
ሃፋትም ግን ድማ 'ንዑቓት'
እቶም ካብ ባራዩ ዝነበሩ ዝተወለዱ ሓደሽቲ ወለዶ ዝምንድና ንክምስርቱ ማሕለኻ ዝኾኖም መርዓ ጥራሕ ኣይኮነን።
ካብ ሓላፍነት ባህላዊ ምምሕዳራትን ጉጅለታት ሙሁራትን ዝተኣገዱ ኮይኖም፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሹመት ክወዳደሩ ኾነ ኣብ ባይቶ ንሕብረሰተቦም ክውክሉ ኣይኽእሉን።

ምንጪ ስእሊ, Adaobi Tricia Nwaubani
እንተኾነ፡ ንምምሃርን ቑጠባዊ ዓቕሞም ንምዕባይን ማሕለኻ ዝኾኖም ነገር የለን። ስለ ዝኾነ ድማ ሙሁራትን ሰብ ጸጋን'ዮም።
እቲ ካብ ደገ ዝመጽአ ሃይማኖትን ስሩዕ ትምህርቲ ሚስዮን ክቕበሉ ዝደፍኦም ዝነበረ ዝንባልኦም ሕጂ ንወጻእተኛታት ብዓይኒ ጥርጣረ ክርእዩ ገይሩዎም ኣሎ።
ገለ ዘርኢ ባርያ ዝኾኑ ሓደሽቲ ወለዶ ኣብ ውሽጢ'ቲ ሕብረተሰብ ሃፋትም'ኳ እንተኾኑ፡ ክሳብ ክንደይ ዕውታት'ዮም ብዘየገድስ ከም ንዑቓት'ዮም ዝቑጽሩ።
ብ2017፡ ጓል 44 ዓመት ኦጌ ማዱግው ኣብቲ ሕብረሰተብ ዘሎ ባህላዊ ተነጽሎ ንምውጋድ ዝሰርሕ ተበግሶ ወሲዳ።
ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ሓሙሽቲአን ዞባታት ደቡብ ምብራቕ ናይጀሪያ ብምኻድ ንማዕርነታዊ መሰል ዘርኢ ባርያ ዝኾኑ ተወለድቲ ክትቃለስ ጸኒሓ።
"ኣብዚ ዘለው ዘርኢ ጊላ እቲ ጸለምቲ ኣብ ኣመሪካ ዝገጥሞም ዘሎ ስቓይ'ዩ ዝበጽሖም" ትብል።
ኦጌ፡ ዋላ'ውን ጓል ባራዩ ዝነበሩ ኣይትኹን፡ ኣብ ግዝኣት ኢሞ ዘሎ ዘይማዕርነታዊ ኣመለኻኽታ ግን ዝዓበየትሉ ዝንቡዕ ሕብረተሰባዊ ኣረኣእያ ስለ ዝኾነ ክትቃለሶ መሪጻ።
ዞጌ፡ ናይ ቀረባ መሓዝኣ ዘርኢ ባራዩ ዝነበሩ ዝኾነ ፍቕረኝኣ ከይትምርዖ ምስ ተኸልከለት ብወግዒ ናብዚ ቃልሲ ኣትያ።
ነዚ ዝምልከት ኣብ ዝገበረቶም ጉዕዞታት ምስ ዝተፈላለዩ ጽልዋ ዝፈጥሩ ባህላዊ መራሕትን ውሉድ ባራዩ ዝነበሩን ተራኺባ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ናይ ዝርርብ መድረኻት ክካየዱ ገይራ'ያ።
"ደቂ ተባዕትዮ ኾፍ ኢሎም ነዞም ሕግታት ኣውጺኦም'ዮም፤ ንሕና ድማ ኮፍ ኢልና እቶም ሕግታት ከነሐድሶም ንኽእል ኢና" ኢላ።
እቶም ብሄረሰብ ኢግቦ ዝርከቡ ካብ ባራዩ ዝነበሩ ዝተወለዱ ኣብ ክልተ ይምቀሉ፤ ኦሁን ኦሱን ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ።
ኦሁ ሰባት ዝውንኑዎም ጊልያ ኮይኖም ኦሱ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ንኣማልኽቲ ዘወፍዮም ናይ ኣማልኽቲ ጊልያ ዝነበሩ'ዮም።
ፕሮፌሰር መጽናዕታት ኣፍሪቃ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ኡጎ ንዎኬጂ "ኦሱ ካብ ንግዲ ባርያ ዝኸፍአ'ዩ" ይብል።
ኦሱ፡ ሚሶናውያን ብጌጋ ባሮት ገይሮም ከም ዝተረድኡዎም እዩ ዝዛረብ።
"ባሮት ካብ ባርነት ሓሊፎም ጎተት ጊልያ ይኾኑ'ዮም፤ ኦሱ ግን ናብ ከምኡ ደረጃ ክበጽሑ ኣይክእሉን" ይብል።
ኣብ ልዕሊ ኦሱ ዝበጽሕ ተነጽሎ ድማ እቲ ዝኸፍአ'ዩ።
ኦሱ፡ መበቆል ዘይብሎም ወይ'ውን ምስቲ መሬት ዝኾነ ዓይነት ምትእስሳር ዘይብሎም ተገይሮም ከም ባዕዲ ተቖጺሮም ተነጽሎ ይበጽሖም።
ስለዚ ዝኾነ ሰብ ማሕበራዊ ተነጽሎ ከይገጥሞ ጥራሕ ዘይኮነ በቶም ዝውንኑዎም ኣማልኽቲ ከይቕጻዕ ስለ ዝፈርሕ ኦሱ ምስ ዝኾነ ሰብ ዝነበሮ ርክብ ከቋርጽ ይግደድ።
ሕጹይ ፋቮር ኦሱ ስለ ዝኾነት፡ ንዓኣ እንተተመርዒው ዕድሚኡ ከም ዝሓጽር'ዩ ብወላዲኡ ተነጊሩዎ።
"ክፈርሕ ገይሮምዎ፤ ድሓር ንሱ 'ክመውት ትደልዪ ዲኺ' ኢሉ ሃቲቱኒ" ትብል ፋቮር።
ከምዚኦም ዝበሉ ስግኣታት፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ ናይጄሪያ ይኹን ብፍሉይ ኣብ ልዕሊ ኦሁን ኦሱን ዝበጽሕ ተነጽሎ ደው ንምባል ብሓገግቲ ሕጊ ኢግቦ ዝወጽአ ሕጊ ኢግቦ ዝወጽኡ መምርሒታት ተግባራዊ ንከይኾኑ ዓንቀጽቲ ኮይኖም'ዮም።
"ዝጸንሑ ልማዳዊ ኣተሓሳስባታት ብሕጊ ጥራሕ ክተጥፍኦም ዝከኣል ኣይኮነን" ዝብል ጳጳስ ካቶሊክ ኣንቶኒ ኦቢና ከምዚኦም ዝበሉ ድሕረታት ጠጠው ክብሉ ይጉስጉስ።
ኣብ ደቡብ ምብራቕ ናይጄሪያ ክንደይ ዝኣኽሉ ዘርኢ ጊልያ ከም ዘለው ብወግዒ ኣይፍለጥን።
ብዙሓት መንነቶም ዝሓብኡ'ኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ገሊኡ ኦሁ፤ ኣብ ገሊኡ ድማ ኦሱ፤ ካብኡ ሓሊፉ ክልቲኦም ጥራሕ ዝርከቡሎም ስለ ዝኾኑ ኣጸጋሚ'ዩ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኦሁን ኦሱን በዚ ተነጽሎ እናተቖጥዑ ብምምጽኦም ኣብ ሞንጎ ብዙሓት ሕብረሰተብ ናዕብን ግጭትን ክፍጠር ጀሚሩ'ዩ።
እቶም ካብ ባራዩ ዝነበሩ ዝተወለዱ ድማ ናይ ባዕሎም ምምሕዳርን ጉጅለ ሙሁራትን ክፈጥሩ ጀሚሮም።

ቅድሚ ኣስታት 13 ዓመታት፡ ኣብ ዞባ ኢሞ ዝርከቡ ኦሱ 'ነጂ' ማለት'ውን 'ካብ ሓደ ማህጸን' ዝተሰመየ ጉጅለ ፈጢሮም።
በዚ ኣቢሎም፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ ክምርዓው የመቻችኡ።
"ሰባት ካባኻ ዝኾነ ነገር ክደልዩ ከለው መጺኦም ይሓቱኻ። ጓልካ ወይ ወድኻ ንውላዶም ክምርዐው ክሕተቱ ከለው ግን ኦሱ ኢኻ ኢሎም ይኸልኡኻ" ትብል ካብ ስድራ ሃፋትም ኦሱ ዝኾነት ኦጋዲንማ።

ምንጪ ስእሊ, Oge Maduagwu
ኦጋዲንማ፡ ቅድሚ 10 ዓመት ንፖለቲካዊ ስልጣን ክትወዳደር እንከላ ሓያል ተነጽሎ ከም ዝበጽሓ ትዛረብ።
ነዚ ኣይትምጥንን ዝበሉዋ ሰባት ዘተኣኻኸቡዎ ፌርማ ብዙሕ ስለ ዝነበረ፡ ኣመራርሓ እቲ ኣባል ዝነበረትሉ ሰልፊ [ካብ ብሄረሰብ ዮርባ'ዩ] ንክድግፋ ኣጸጋሚ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ዕድል ከም ዘይብላ ነጊሩዋ።
"ህዝቢ ኢግቦ ብዛዕባ ዝብሎ ነገር ስለ ዘሎ፡ ኣይመርጹኽን ኢሉኒ" ትብል።
ኣብቶም ክልተ ዓበይቲ ብሄራት ናይጄሪያ ዝኾኑ ዮርባን ሃውሳን ዘርኢ ጊልያ ብምዃንካ ዝበጽሕ ተነጽሎ የለን።
ኣብ ገለ ብሄራት ከም ማሊን ሰኔጋልን ዝበላ ካልኦአት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ግን ከም ዘሎ ይግለጽ።
እዚ ባህላዊ እምነት ፍሉጥ ናይጄሪያዊ ጸሓፊ ቺንዋ ኣቸቤ 'ረሞቕታ ነገራት' [ቲንግስ ፎል ኣፓርት] ኣብ ዝብል መጽሓፉ ኣዘንቲውዎ'ዩ።
"ንኣማልኽቲ ዝተወፈየ ሰብ ነይሩ፤ ዘልኣለማዊ ነውሪ . . . ደቁ'ውን ዝተርፍ። ክምርዖ ወይ'ውን ብድሕሪኡ ዝተወለዱ ክምርዐውዎ ኣይኽእሉን። ኦሱ ዝኾነ ኣብ ምትእኽኻባት ሓራ ዝወጽኡ ክርከብ ኮነ ኣብ ገዝኡ ከዕቑቡ ኣይክእሉን። ክመውት ከሎ ድማ ከምኡ ብዝበሉ ኣብ ዱር እከይ ይቕበር" ብምባል ገሊጹዎ'ዩ።
ኦጋዲንማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ነዚ መጽሓፍ ዘንብቡ ናይጄሪያውያን ተመሃሮ ብዛዕባ ኦሱ እቲ ባህላዊ ኣተሓሳስባ'ዮም ዘማዕብሉ ዘለው ትብል።
"ኩሉ ናይጄሪያዊ ነዚ ዘንብብ እንተኾይኑ፡ ኣተሓሳስብኡ ክጽሎ'ዩ ኢልኪም'ዶ ኣይትሓስቡን?" ትብል።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







