'ንኮሮናቫይረስ ተበሊጽኩም ወጻኢታት ቆጢብኩም ዝበሉና ነይሮም'

መርዑት ሃብቶም ሃይላይን ሜላት ገብረመስቀልን
መግለጺ ስእሊ, መርዑት ሃብቶም ሃይላይን ሜላት ገብረመስቀልን

ኣብ ህይወት ደቂ-ሰብ ከም ሓደ ዓብዪ ምዕራፍ ህይወት ይቑጸር . . .ሓደር። ብጉዕዞ ፍቕሪ ዝተጀመረ ሰረት ሓዳር ብቃልኪዳን ቀለበት ጸኒዑ ይነብር። ሰባት ቅድሚ ናብራ ሓዳር ምጅማሮም ከኣ ንሓደ ስነ-ስርዓት ፍሉይ ቦታን ክብርን ይህቡ፤ . . . ንመርዓ።

እንዳርኹባት መዓልቲ መርዕኦም ንብዙሓት ዘሕጎሰ ጥራይ ዘይኮነስ ዘዘራረበ ኮይኑ ክሓልፈሎም ሃብቶም ከፍስሱ ንዕዘብ። ብርግጽ ኩሉ ዘለዎ ኣይኮነን “ልዕሊ ዓቀን” ዝበሃል ወጻኢታት ገይሩ መርዕኡ ዘድምቕ። ቆጢቡን ተጠንቂቐዑን ነታ መዓልቲ ብምሕላፍ ንጽባሕ ዝብል ኣይሰኣንን።

እቶም ድሩት ገንዘባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ከኣ በታ ዓቕሞም “ጽብቕቲ” ዝበልዋ መርዓ ኣሕሊፎም ብኣካል ክልተ ብመንፈስ ግን ሓደ ክኾኑ ይመርጹ። ዘይብሉ ግን ከኣ ተለቒሑን ተመርቂሑን 'ረኣዩለይ' ኢሉ ንናይ ጽባሕ ጉዕዞ ሓዳሩ ሽግራት ዘጽንሕስ ሰብ ኣይሰኣንን።

ሎሚ ኣይከምቀደምን፤ ዘለዎን ዘይብሉን ናብ ሓደ ዝመጽኣሉ ኩነታት ዝተፈጠረ ይመስል። ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ሰባት ተኣኻኺቦም ዘድምቕዎስ መርዓ ይትረፍ . . . ተኣኻኺቦም ሓዘኖም ዝገልጹሉ ዕድል'ውን ኣይተረኽበን።

“ወለድና ሕጉሳት’ዮም”

መርዑት ሃብቶም ሃይላይን ሜላት ገብረመስቀልን ይበሃሉ። ኣብ ከተማ መቐለ እዮም ዝነብሩ። ሃብቶም በዓልሞያ ሕጊ ክኸውን ከሎ ሜላት ድማ ኣብ ንግዲ ተዋፊራ ትሰርሕ ነይራ። ቀደሙ’ውን ወጻኢታት ዝበዝሖ መርዓ ከሕልፉ ባህጊ ከምዘይነበሮም ክልቲኦም ይዛረቡ።

ኣብ ፍቕሪ ንኣዋርሕ ዘሕለፍዎ ግዜ “በዚ መዓልቲ ኣብቂዑ ኣብዚ መዓልቲ ከኣ መርዓ ጌርና ናብ ሓዳርና ክንኣትው” ብዝብል ዝሓዝዎ መደብ ኣይነበሮምን።

መርዓዊ ሃብቶም “ሕዚ ብዘሎ ዓለማዊ ለበዳ ኮቪድ-19 ምኽንያት ምስታ መጻምደይ ክልተኣዊ ምርድዳእ ጌርና። ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ኳ እንተዘይኮነ ግን ከኣ መርዓና ኣብዚ እዋን ክኸውን ተዘራሪብና ኣብ ውሳነ በጺሕና” ይብል።

መርዓት ሜላት ብወገና “ኣብ ክልትኤና ዝጸንሐ ሓሳብ እዩ ነይሩ። ንእስ ዝበለት ስነስርዓት ቀለበት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ክንፍጽም ኢና ተረዳዲእና” ክትብል ንሐሳብ በዓል ቤታ ተጠናኽር።

ኣብታ መዓልቲ መርዕኦም ብዘይ ዓጀብቲ ኣዕሩኽ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ተረኺቦም። ሃይማኖታዊ ስርዓት ከኣ ተፈጺሙ። ወለዲ ሃብቶምን ሜላትን ኣብቲ ቤተክርስትያን ንመርዑት ደቆም ይጽበዩ ስለዝነበሩ ብርሃን ደቆም ብፍልይ ብዝበለ ስርዓት እናረኣዩ ናብ ገዛ ኸዱ።

“ወለደይ ብዙሕ ቅርታ ኣይነበሮምን። ምኽንያቱ ካብ ቀደም እውን ወጻእታት ዝበዝሖ መርዓ ዝብህጉን ዝድግፉን ኣይነበሩን” ትብል ሜላት ካብ ቤተሰብ ዝገጠማ ዝኾነ ዓይነት ተቓውሞ ከምዘይነበረ ክትገልጽ ከላ።

ሃብቶም እውን “ብርግጽ እቲ ዋና ናይ ክልተኣዊ ፍቓድ እዩ ዝውስኖ። ግን ከኣ ካብ ቤተሰብ’ውን ዝተቓወሞ የለን። ብጣዕሚ ሕጉሳት’ዮም ኮይኖም። ምስቲ ዘሎ ኩነታት ኮሮናቫይረስ ብምግንዛብ ዝተቓወሞ የለን” ክብል ኣብ ሓሳብ በዓልቲ ገዝኡ ወሲኹ።

መርዑት ሃብቶም ሃይላይን ሜላት ገብረመስቀልን
መግለጺ ስእሊ, መርዑት ሃብቶም ሃይላይን ሜላት ገብረመስቀልን

“መርዓና ፍለጡልና”

መርዓውን መርዓትን ዝፈጸምዎ ስነስርዓት መርዓ ቤተሰቦም ጥራሕ ስለዝተዓደሙሉ ንኻልኦት ፈተውቶም፣ መሓዙቶምን መሳርሕቶምን ብሓደ መገዲ ከፍልጥዎም ወሲኖም።

ኣቐዲሞም ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ከይዶም ዝተሰኣልዎም ስእልታት ስለዝነበርዎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብምጥቃዕ “ፍለጡልና” ክብሉ ሓሰቡ።

“መርዓና ብኦንላይን ንግበሮ ኣብ ዝብል ምርድዳእ በጺሕና ስለዝነርና፤ ሓዳር ከምዝገበርና ንኽፈልጡልና ነቶም ስእልታትና ኣብ ፌስቡክ ዘርጉሕናዮም” ዝብል ሃብቶም ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ነዚ ከምዝፈጸሙ ከምዝገለጹ ተዛሪቡ።

ሜላት ዕዱም ኣብ ዝተኣከበሉ ዳስ መርዓኣ ዘይምፍጻሙ ዘሕደረላ ኣሉታዊ ስምዒት ከምዘየለ’ያ ትገልጽ። እኳ ደኣስ ብውሳነኣን ብዘሕለፍዎ መርዓን ሕጉስቲ ከምዝኾነት ድማ ትሕብር።

“ሰብ ዓዲምካ ‘ክረአ’ ዝብል ነገር ኣይፈትውን ነይረ። ዋላ ንኢሽተይ ድግስ ዝበለካያ ብዙሕ ወጻእታት ምሕታታ ኣይተርፍን። ንሓገዝን ንስራሕን ቤተሰብ ተጸግም ኢኻ። ናተይ እትብሎ ወዲእኻስ ንኻልእ ሰብ ኢኻ ትልክም” ክትብል ተረድእ።

እታ ኣብ ካልእ እዋን ብንኢሽተይ ወጻኢ ክገብርዋ ዝሓሰቡ “ሓጻር ድግስ” እውን ምስ ሰብ ክተቀያይሞም ከምእትኽእል ዝሓበረት ሜላት፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተነበሩ ገደባት ሰባት ክተኣኻኸቡ ስለዘየፍቅዱ ንሓሳቦም ከምጽቡቕ ኣጋጣሚ ትገልጾ።

መርዑት ሃብቶም ሃይላይን ሜላት ገብረመስቀልን
መግለጺ ስእሊ, መርዑት ሃብቶም ሃይላይን ሜላት ገብረመስቀልን

“ንኮሮናቫይረስ ተበሊጽኩምሉ. . .”

ሃብቶም “መብዛሕቲኡ ሰብ ነቲ ብፌስቡክ ‘ፍለጡልና’ ኢልና ዝጠቃዕናዮ ምስረኣየ ድንገት እዩ ኮይንዎ። መብዛሕቲኡ መርዓን ድግስን ይጽበይ እዩ። መርዓና በዚ መገዲ ከምዝተፈጸመ ምስፈለጡ ግን መብዛሕቲኦም ሕጉሳት ከምዝኾኑ እዮም ርእይቶታት ሂቦምና” ክብል ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነበረ ግብረመልሲ ይገልጾ።

ሜላት ብወገና ሰባት ሰናይ ትምኒቶም ከምዝገለጹሎም’ያ ትዛረብ። “ዝበጽሓኒ ጽቡቕ ዘይኮነ ርእይቶ የለን” ትብል።

ገለ ናይ ቀረባ መሓዙት “ዘይዓደምኩምና ደኣ?” ዝብል ሓውሲ ቅርታ ርእይትኦም ብኣካል ዝገለጹ ግን ኣይተስኣኑን።

ገለገሊኦም ድማ “ንኮሮናቫይረስ ተበሊጽኩም ገንዘብኩም ኣድሒንኩም” ዝብል ርእይቶ ከምዝሃብዎ ይዝክር። ብርግጽ’ውን ነዚ ኣጋጣሚ ክጥቀሙሉ ከምዝሓሰቡ’ዮም እቶም መርዑት ዝገልጹ።

“ብድግስ ዝተዓጀበ መርዓ እንተንገብር ክሳብ ክንደይ ወጻኢ መውጻእና ዝብል ጉዳይ ጊዜ ሂብና ዝሓሰብናሉ ኣይነበረን። ግምታት’ውን ኣየቐመጥናን” ዝብል ሃብቶም፡ ንሰባት ሓቲቶም ከምዝፈለጥዎ ግን ንቪድዮን ፎቶን ጥራይ ክሳብ 50 ሽሕ ብር ከውጽኡ ምንባሮም ይዛረብ።

ብሓፈሻ ከኣ እንተወሓደ ክሳብ 150 ሽሕ ብር ወጻኢ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ብሰባት ከምዝተሓበሮም ዝገልጽ ሃብቶም “እቲ ወጻኢ ዝነበረ ገንዘብ ምሉእ ናውቲ ገዛ ገዚእና ኢና። ዝጸንሐና ዕዳ የለን” ኢሉ።

ኮሮና