ፈረንሳይ፡ ኣንጻር ንግዲ ባርያ ንዝተቓለሰት ውልቀሰብ ሓወልቲ ክስረሓላ እዩ

ከንቲባ ከተማ ፈረንሳይ ኣን ሂዳልጎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረንሳይ ኣብ ዝነበረት ጉዋድሎፕ ዝተበሃለት ደሴት፤ ኣብ 1802 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ንንግዲ ባርያ ብምቅዋምን ዓመጽ ብምውላዕን ንእትፍለጥ ጸላም ተቓላሲት፡ ኣብ ፓሪስ ሓወልቲ ከምዝትከለላ ተፈሊጡ።

እታ ጸላም ተቓላሲት 'ሶሊቲዩድ' ብዝብል ስም እትፍለጥ ኮይና ኣብቲ ሽዑ እዋን ተታሒዛ ከምዝተቐተለት ይእመን።

ብስም እዛ ተቓላሲት ዝተሰመየ ህዝባዊ መዘናግዒ፡ ትማሊ ቀዳም ብከንቲባ ከተማ ፓሪስ ኣን ሂዳልጎ ተመሪቑ ተኸፊቱ'ሎ።

ብድሕሪ'ቲ ኣብ ኣሜሪካ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ብዝብል ዝተጀመረ ምንቅስቓስ መሰላት ጸለምቲ፤ ኣብ ፈረንሳይ'ውን ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ምስ ዝነበራ ታሪኽ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብዝተሓሓዝ፡ ብዙሓት ሕቶታት ክለዓሉ ጀሚሮም'ዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ንመስርሕ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረንሳይ ዘርቀቐን ንምስፍሕፋሕ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብዙሕ ስራሕ ከምዝሰርሐ ዝዝረበሉን ዦን ባፕቲስት፡ 'ስለምንታይ ኣብ ኣፍደገ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ባይቶ እታ ሃገር ሓወልቲ ተሰሪሑሉ?' ብዝብል ተቓውሞ ተላዒሉ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ግን፡ ሓወልትታት ክፈርሱ ግቡእ ኣይኮነን ብዝብል ተቓዊሙ እዩ።

ንሱ፡ ንኸም ዦን ባፕቲስት ዝበሉ ኣብ መበል 17 ክፍለዘመን ንንግዲ ባርያ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰባት ሓወልትን መዘከርታን ክህልዉ ምኽኣሎም "ንሕሉፍ ታሪኽ ኣጸቢቕና ንኽንፈልጥን ንኽንመሃረሉን ዝሕግዝ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

መረዳእታታት ከምዘመልክትዎ 'ሶሊቲዩድ' ዝተሓዋወሰ ዓሌት ዝነበራ ኮይና፤ ንንግዲ ባርያ ብምቅዋም ደባይ ውግእ እናካየዱ እንከለዉ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝወዓሉ ተቓለስቲ ሓንቲ እያ።

ምስተትሓዘት ድማ ብሞት ክትቕጻዕ ተገይሩ። ዝተጸሓፈ ታሪኻ ከምዘዘንትዎ እንተኾይኑ፡ ቅድሚ ዝተፈረዳ መቕጻዕቲ ግብራዊ ምዃኑ ቆልዓ ክትወልድ ተፈቒዱላ ነይሩ።

ኣብ ደሴት ጉዋድሎፕ ብስማ ሓወልቲ ካብ ዝትከለላ ጸኒሑ እዩ፤ ሕዚ ድማ ኣብ ዋና ከተማ ፈረንሳይ ፓሪስ ሓወልቲ ከምዝትከለላ ተፈሊጡ'ሎ።

ዋላ'ኳ ኣብ ፈረንሳ ንጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ሓወልቲ ምስራሕ ዝተለመደ ኣይኹን፡ ንሶሊቲዩድ ግን ሓወልቲ እንተዝትከል ብዙሓት ሕጉሳት ከምዝኾኑ ይገልጹ።