ብንጉስ ልዮፖልድ ዳግማዊ ዝተፈጸመ ገበናት ዘንጸላልዋ ሃገረ በልጁዩም

ሓወልቲ ልዮፖልድ ዳግማዊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣረሚናዊ ንጉስ ልዮፖልድ ካልኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ናይዚ ሎሚ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝበሃል ዘሎ ዞባ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዘካሕክሕ ግፍዒ ከምዝፈጸመ ይግለጽ።

ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ በልጅም ግን፡ ነቲ ንጉስ ልዮፖልድ ካልኣይ ኣብ ኮንጎ ዝተጻወቶ ተራ ይከላኸሉ ኣለው።

ንጉስ ላውረንት ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኮንጎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ድሕሪ ምእማን፡ እቲ ግህሰት ግን ብኣቦሓጉ ከምዘይተፈጸመ ገሊጹ።

እቲ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ግዝኣት በልጁም ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለው።

እቲ ንጉስ፡ ብሽም ‘ስልጣነ’ ኣብ 1885 ንደቀባት ኣፍሪቃውያን መነባባሮ ከም ዘመሓይሽን፡ ነቲ ከባቢ ከም ዘልምዖን ኣብ ዋዕላ በርሊን ተሰማሚዑ። እንተኾነ፡ ንዝኣተዎ ቃል ብምግዳፍ፡ ኣብ ምዝመዛን ቕትለትን ተጸሚዱ።

ኣብቲ ግዜ ኣብ ኤውሮጳ ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ፕላስቲክን ጎማን እናማዕበላ ብምምጽኣን፡ እቶም ኣፍሪቃውያን ደቂባት፡ ንመስርሒ ፕላስቲክ ዝኸውን ካብ ጫካታት ኮንጎ ብኣስገዳድ ጸባ (ኣግራብ) ክእክቡ ይውሰዱ ነበሩ።

እቶም ደቂባት ካብቲ ዝተዋህቦም ስራሕ ገለ እንተኣጉዲሎም ድማ፡ ኣንስትን ቆልዑትን ጅሆ ይተሓዙ ከምዝነበሩን፡ ከምኡ’ውን ብጭካነ ይቘራርጽዎምን ይቐትልዎምን ከምዝነበሩ ታሪኽ የዘንቱ።

ወላ እኳ እቲ ንጉስ ኣብ ኣፍሪቃ እግሩ እንተዘይኣንቢሩ፡ ብጉልበት ሚልዮናት ኣፍሪቃውያን ዝተኣከበ ገንዘብ ዓበይቲ ህንጻታትን ቤተ-መዘክራትን ይውንን ከምዝነበረ ይግለጽ።

ንሱ፡ ኣብ በልጅም፡ ኣፍሪቃዊ ቤተ-መዘክር ብምስራሕ፡ 267 ደቂ-ኮንጎ ኣብቲ ቤተ-መዘክር ከም ምርኢት የቕርቦም ነይሩ።

ኮንጎ፡ ኣብ 1908 ካብ ጉልቲ ንጉስ ልዮፖልድ ተሰጋጊራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ በልጅዩም ኣትያ። እቲ ከባቢ ከኣ ‘በልጂያን ኮንጎ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ።

ኣብ እዋን ንግስነት ንጉስ ልዮፖልድ ካልኣይ፡ ኣብ ኮንጎ፡ 10–15 ሚልዮን ንጹሃት ኣፍሪቃውያን ብኣዝዩ ዘስካሕክሕን ጭካነ ዝመልኦን ግፍዒ ከምዝጸነቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብሰንኪ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተበገሰ ናዕቢ፡ ኣብ ሃገረ በልጁም’ውን ሓያል ህዝባዊ ተቃውሞ ኣበጊሱ’ዩ።

ሓወልቲ ንጉስ ልዮፖልድ ካልኣይ ድማ ካብቲ ጎደና ተኣልዩ።