ንደቂ ኣንስትዮን ንደቂ ተባዕትዮን ማዕረ ቁጠባዊ መሰል ዝህባ ሃገራት መነመን እየን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክሳብ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ ቁጠባዊ መሰል ዝህባ ሃገራት ዓለም፡ 6 ጥራሕ እየን።
ዓለማዊ ባንኪ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ካብ 187 ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተበዓትዮን ምሉእ ቁጠባዊ ውሕስነት ዘረጋግጻ ሃገራት፡ 6 ጥራሕ ምኻነን ይሕብር።
እዚ ኣብ ዋሺንግተን ዝመደበሩ ማእከል ምርምር፡ ናይ ዓሰርተ ዓመት ኣሃዛትን ሓበሬታታትን ብምምርማር እዩ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታ ክበጽሕ ዝኽኣለ።
እቲ ማእከል ምርምር፡ ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣተኩሩ'ዩ መጽናዕትታት ኣካይዱ፡ ገንዘባውን ሕጋውን ማዕርነት፡ ናጽነት ምንቅስቃስ፡ ናይ ወሊድ እዋን፡ ዘቤታዊ ጎንጺ፡ ከምኡ'ውን መሰል ምምሕዳር ንብረት እዮም።
ብመሰረት ዓለማዊ ባንኪ፡ እተን ምሉእ ማዕርነት ከረጋግጻ ዝኸኣላ ሃገራት፡ በልጁም፡ ደንማርክ፡ ፈረንሳ፡ ላትቪያ፡ ላክስንበርግ፡ ከምኡ ድማ ሽወደን እየን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣበየናይ ክፍሊ ዓለም'ዩ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተበዓትዮን ማዕረ ቁጠባዊ መሰል ዘለዎም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዞባዊ ፍልልያት
እቲ ማእከላይ ውጽኢት፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ዞባታት ዓለምና ዓቢይ ፍልልይ ኣለዎ። ንኣብነት ዞባ ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ውጽኢት 84.7% ይበጽሕ።
ብኣንጻሩ ኣብ ዞባታት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን እቲ ውጽኢት ናብ 47.3% ይወርድ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዋላ'ውን 83.75% ውጽኢት ተመዝግብ እምበር፡ ምስ ሓምሳ ላዕለዎት ሃገራት ግን ክትኣቱ ኣይክኣለትን።
ስዑዲ ዓረብ ካብተን ብምግሃስ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ኮይና፡ 25.6% ውጽኢት ብምርካብ ኣብ መወዳእታ ተርታ ተሰሪዓ ትርከብ።
ክሪሰታሊና ጆርጂቫ ግዝያዊት ፕረዚደንት ዓለማዊ ባንኪ፡ ብዛዕባ'ዚ መጽናዕቲ መግለጺ ኣብ ዝሃበትሉ ከምዚ ብምባል ትገልጾ።
"እቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ጉዕዞ ሂወት ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ስራሕ ምጅማር ኣትሒዛ ክሳብ ጥሮታ እትወጸኣሉ ግዜ፡ ንዘጋጥማ ብድሆታትን፡ ምሕደራ ሓዳር፡ ገዛን ስራሕን፡ ከምኡ'ዉን እትወስዶም ውሳነታት ማዕረ ክንደይ ብሕግታት ናይ ሃገራት ይጽሎን ዘጠቓለለ እዩ" ትብል።
ክሪሰታሊና ጆርጂቫ ብምቅጻል ከምዚ ትብል።
"ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን፡ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ከይሕዛ ዝዕንቅጽ ብዙሕ ሕግታት ኣሎ። ስራሕ ወይ ድማ ናተን ትካላት ከይከፍታ ዝዕንቅፍ ሕግታት ውን ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕግታት ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ ከይሳተፋ ይኽልክለን'' ትብል።
እቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ ብዝተፈላለያ ሃገራት ዝተወሰደ ኣወንታዊ ስጉምትታት'ዉን ይገልጽ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ዓለማዊ ባንክ፡ ኣብ ዝሓልፋ ዓሰርተ ዓመታት፡ 131 ሃገራት ኣብ ሕገን ለውጥን ምምሕያሻትን ከምዝገበራ ይሕብር። እዚ ማለት ከኣ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣሳታፊ ዝኾነ ሕግታት ደንጊገን ማለት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምሕላውመሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ
ኣብቲ ዝተገብረ ለውጢን ምምሕያሻት ናይ ሕግታትን ብዝምልከት፡ 35 ሃገራት፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ ጾታዊ ገበናት ዝከላኸል ሕግታት ብምውጽአን፡ ኣብዚ እዋን እዚ 2 ቢልዮን ዝኣኽላ ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ናይዚ ለውጢ ኮይነን ኣልዋ ይብል እቲ ጸብጻብ።
ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት፡ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ምውሓስ መሰል ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዝበዝሐ ምምሕያሻትን ለውጥን ዝተራእየሉ ከባቢ እዩ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ 33 ሃገራት ናይ ኣቦነት ዕረፍቲ ኣታኣታትየን፡ ካልኦት 47 ሃገራት ድማ ናይ ዘበታዊ ጎንጺ ዝምልከት ሕጊ ኣጽዲቀን።
ኣብ መወዳእታ ክሪሰታሊና ጆርጂቫ "ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንምውሓስ ሕጊ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን።
ሕግታት ብግቡእ ኣብ ባይታ ክትግበሩ ኣለዎም። እዚ ንክኸውን ድማ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል፡ ግቡኡ ክፍጽም ኣለዎ። ሓያል መሪሕነትን ፖሎቲካዊ ድልየትን ክህሉ ኣለዎ።
ከምኡ ድማ ኣረኣእያ ሕብረተሰብ ንምቐቕያር ሓያል ስራሕ የድሊ" ብምባል ትድምድም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



