ትራምፕ፡ ኣብ ትውልዲ ዓዲ በዓልቲ ቤቱ ሓወልቲ ቖይሙሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካብ ዕንጸይቲ ተጸሪቡ ዝተሰርሐ ምስሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተቐረጾ ኣብ ትውልዲ ዓዲ በዓልቲ ቤቱ፤ ኣብ ሃገረ ስሎቪንያ እዩ ቆይሙ ዘሎ።
እቲ ሓወልቲ 8 ሜትሮ ዝኸውን ቁመት ዘለዎ ኾይኑ፡ ኣብ ናይ በዓልቲ ቤቱ ቁሸት ዝተሰርሕ እንትኸውን እቲ ፕረዚደንት ኢዱ ጨቢጡ ናብ ላዕሊ ዊጥ ኣቢሉ ይረአ።
ነቲ ሓወልቲ ዝቐረጸ በዓል ሞያ በዓል-ጥበብ ቶማስ ስክሌግል፡ ንኤኤፍፒ ከምዝተዛረቦ፡ እቲ ስራሕ ኣብ 'ፖለቲካ ብሄራዊ ኣኽራሪነት' [ርካሽ ተፈታውነት] ከም ሓደ ቀዋሚ መዘራረቢ ክኸውን ስለዝደሊ እየ ሰሪሐዮ ኢሉ።
"ድሕሪ ካልአይ ኲናት ዓለም፡ ንመጀመርታ ግዘ እዩ ሎሚ እዚ ብሄራዊ ኣኸራሪነት ዝብሕት ዘሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር እንግሊዝ ቦሪስ ጆንሰን ተመልከት፡ ትራምፐ ተመልከት ቀዳማይ ሚኒስትር ሃነጋሪ ተመልከት፤ እዛ ዓለም ናበይ እያ ተምርሕ ዘላ?" ይሓትት።
ቀጺሉ ድማ ቶማስ ከምዚ ዝብል ርእይቶ ሂቡ። "ዲሞክራሲ ማለት እንታይ ማለት ከምዝኾነ ሰባት ዓይኖም ከፊቶም ቁሊሕ ክብሉ ክነገብር ኣላና"።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ድማ ኣብታ ሃገር፡ ናይ ትራምፕ ባዓልቲ ቤት ሚላንያ፡ መንከሳ ተደጊፋ ዘርኢ ሓወልቲ ምስርሑ ስዒቡ እዩ ዝስራሕ ዘሎ።
እቲ ሓወልቲ፡ ሚላንያ፡ ሰማያዊ ክዳን ተኸዲና ዘርኢ እንትኸውን፡ "ናብ መሸታ ቤት ትኸይድ'ምበር ቀዳመይቲ እመቤት ኣይትመስልን" ክብሉ ብዙሓት ኣባጭዮምላ እዮም።
እዚ ንትራምፕ ክውክል ተባሂሉ ዝተቐርጸ ሰብ ድማ፡ ሙሉእ ሰማያዊ ሱፍ ገይሩ፡ ኣብ ጻዕዳ ሕብሪ ዝወዓለ ቀይሕ ካራባት ገይሩ እዩ ዝረአ።
ነቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ሓወልቲ ናጽነት ድማ ንክመስል ተፈቲኑ።
ኣብቲ ውሽጢ እቲ ዕንጸይቲ ዝተቐብረ መብራህቲ፡ እቲ ምስሊ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ፈቃርን ተፈታውን ገጽ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ድማ ጨምዳድ ገጽ ኮይኑ፡ ዝተፈላለየ ገጽታ ክህልዎ እዩ ተገይሩ።
ርካሽ ተፈታውነትን ዝናን ዘማዕብሉ መራሕቲ፡ ከመይ ዘይተሓዝን ዘይጭበጥን ተቐያኣሪ ሰብእና ከምዘለዎም ንምርኣይ ደልዩ እዩ፤ ደራሲ እቲ ሓሳብ ከምኡ ክኸውን ዝገበሮ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እንተኾነ ዝተፈላለዩ ተጻባእቲ ርእይቶታት እናዘነብሉ እዩ ዝርከብ።
ንኣብነት፡ ጽባሕ ቀዳም ክምረቕ ነቲ ጽምብል ምስንዳእ ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ሓደ ነባሪ ሓራሲት ትራክተሩ ሒዙ ናብቲ ቐጽሪ እቲ ሓወልቲ ጠጠው ዝበለሉ ክጽጋዕ ኤኤፍፒ ተዓዚቡ።
ካልኦት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ሰባት ድማ 'ኪሳራ ዕንጸይቲ' ክብሉ ኣናኢሶምዎ። ክቐውም ከምዘይነበሮ ብምውቃስ።
ኣብዚ ዓዲ በዓልቲ ገዛ ትራምፕ ዝኾነት ሃገረ ስሎቫንያ፡ ትራምፕ ኣብ 2016 ፕረዚደንት ኾይኑ ካብ ዝምረጽ ጀሚሩ ኣዘራረቢ እዩ።
ነበርቲ እታ ዓዲ ሜላንያ፡ ከመ ብዝተፈላሌዩ ፋሽን ጫማታት፣ ኬክን በርገርን ብዝኣመሰሉ ነገራት እዮም ዝዝክሩዋ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሕዚ ግን ብፍላይ ሓወልቲ እታ ቀዳመይቲ እመቤት ኣብታ ዓዲ ምስቆመ፡ እቲ አዘራረቢ ኮይኑ ዘሎ ኣብ ኣመሪካ ዝኣክል ዓዲ ናይቲ ፕረዚደንት በዓልቲ እንዳ ምዃና እዩ።
ገሊኦም ክኾርዑላ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ይነቕፉዋ። እቲ ኣመለኻኽታ ዝተመቓቐለ እዩ።
ኻታሪና ዝተብሃሉ ወዲ 66 ዓመት ነባሪ እታ ቑሰት፡ ንኤኤፍፒ ከምዚ ክብሉ ተዛሪቦም።
"ሜላንያ ናይ ስሎቭንያ ጅግና እያ። ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝዓበየ ቦታ በጺሓ"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







