ትራምፕ፡ "አመሪካ መዓስከር ስደተኛታት ኣይትኸውንን'ያ"

ምንጪ ስእሊ, US Customs and Border Protection
ፕረዚደንት አመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ስደተኛታት ብዝምልከት ዝሓዙዎ ፖሊሲ ልክዕ ከምዝኾነ እንትረድኡ፡ አመሪካ መዓስከር ስደተኛታት ክትከውን ከምዘይፈቕዱ ተዛሪቦም።
"አመሪካ መዓስከር ስደተኛታት ወይ ድማ መዕርፎ ስደተኛታት ኣይትኸውንን" ምባሎም ተፀብፂቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት መንንቶም ዘይተገልፀ ህፃናት ቴክሳስ ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት ሓፁር ክዘሉ ተታሒዞም።
ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ እቲ ፖሊሲ ስሑትን ዘይግቡእን ኢሉዎ።
ይኹን'ምበር ፕረዚደንት ትራምፕ ፡ "ኣብ ኣውሮፓ ዝኸውን ዘሎ ሪእኻዮ ኢኻ ። ኣብ ካሊእ ከባብታት'ውን ከምኡ" ዝብል ምላሽ ሂቦም።

ምንጪ ስእሊ, Administration for Children and Families at HHS
"ኣነ ኣብ ስልጣን ከለኹ፡ እዚ ኣብ አመሪካ ክኽሰት ኣይፈቅድን" ኢሎም።
ቅድም ክብል'ውን ትራምፕ፡ አውሮፓውያን ሚልዮናት ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከውሕዙ ምፍቃዶም ዓብይ ጌጋ እዩ ነይሩ ዝብል ርእይቶ ከምዝሃቡ ተፀብፂቡ እዩ።
ብፍላይ ድማ መራሒተ መንግስቲ ኣንገላ ማርከል፡ በዚ ዝትልዓለ ህዝቢ ጀርመን ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ተቓውሞ የስምዑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







