ትራምፕ፡ "አመሪካ መዓስከር ስደተኛታት ኣይትኸውንን'ያ"

ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ማክኣለን ኣብ ዝተብሃለ ማእከል ስደተኛታት መስርዕ ሐዞም

ምንጪ ስእሊ, US Customs and Border Protection

መግለጺ ስእሊ, ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ማክኣለን ኣብ ዝተብሃለ ማእከል ስደተኛታት መስርዕ ሐዞም

ፕረዚደንት አመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ስደተኛታት ብዝምልከት ዝሓዙዎ ፖሊሲ ልክዕ ከምዝኾነ እንትረድኡ፡ አመሪካ መዓስከር ስደተኛታት ክትከውን ከምዘይፈቕዱ ተዛሪቦም።

"አመሪካ መዓስከር ስደተኛታት ወይ ድማ መዕርፎ ስደተኛታት ኣይትኸውንን" ምባሎም ተፀብፂቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት መንንቶም ዘይተገልፀ ህፃናት ቴክሳስ ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት ሓፁር ክዘሉ ተታሒዞም።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ እቲ ፖሊሲ ስሑትን ዘይግቡእን ኢሉዎ።

ይኹን'ምበር ፕረዚደንት ትራምፕ ፡ "ኣብ ኣውሮፓ ዝኸውን ዘሎ ሪእኻዮ ኢኻ ። ኣብ ካሊእ ከባብታት'ውን ከምኡ" ዝብል ምላሽ ሂቦም።

ኣብ ግዝኣት ቴክሳስ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛ ህፃናት

ምንጪ ስእሊ, Administration for Children and Families at HHS

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ግዝኣት ቴክሳስ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛ ህፃናት

"ኣነ ኣብ ስልጣን ከለኹ፡ እዚ ኣብ አመሪካ ክኽሰት ኣይፈቅድን" ኢሎም።

ቅድም ክብል'ውን ትራምፕ፡ አውሮፓውያን ሚልዮናት ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከውሕዙ ምፍቃዶም ዓብይ ጌጋ እዩ ነይሩ ዝብል ርእይቶ ከምዝሃቡ ተፀብፂቡ እዩ።

ብፍላይ ድማ መራሒተ መንግስቲ ኣንገላ ማርከል፡ በዚ ዝትልዓለ ህዝቢ ጀርመን ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ተቓውሞ የስምዑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።