ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኢራን ኣብ ኲናት 'ክትድምሰሲ ኢኺ' ኢሉዋ

ኢራን ብሓሙስ ኣብ ክልል ኣየር ክትንቀሳቐስ ረኺበያ ዝበለታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሃሪማ'ያ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኲናት ኣይደልን ብምባል፡ ጎንጺ እንተድኣ ተላዒሉ ግን ኢራን 'ክትድምሰስ'ያ' ክብል ኣጠንቂቑ።

ትማሊ ንኤንቢሲ ኣብ ዝተዛረቦ፡ ኣሜሪካ ንዝርርብ ቅሩብቲ እኳ እንተኾነት፡ ኢራን ኣጽዋር ኒኩለር ክተማዕብል ግን ኣይትፈቅድን ኢሉ።

ኣብዚ ሰሙን ብኢራን ተወቒዓ ናይ ዝወደቐት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ምላሽ ዝህብ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ዘልዓሎ ሓሳብ ድማ፡ 150 ኢራናውያን ክሞቱ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ'ውን ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ድሉው ኾይኑ "ናተይ ፍቓድ'ዮም ዝጽበዩ ነይሮም" ክብል ነቲ ማዕኸን ሓበሬታ ተዛሪቡ።

"ኣይፈተኹዎን፤ ተመጣጣኒ'ዩ ኢለ ኣይሓስብን"።

ኢራን እታ ብሓሙስ ንጉሆ ወቒዓ ዘውደቐታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ክልል ኣየር ጥሒሳ'ያ እንትብል፡ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ዓለምለኻዊ ክልል ኣየር'ያ ትንቀሳቐስ ነይራ ኣብ ዝብል ጸኒዓ ትርከብ።

ኢራን ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ሃሪማ'ያ ብዝብል ክሲ፡ ወጥሪ ክልቲኤን ሃገራት ተበኣኢሱ'ዩ ዝርከብ።

ኣብ 2015 ኢራን ስምምዕ ምቁራጽ ምምዕባል ኒኩለር ምስ ሓያላት ሃገራት'ኳ እንተፈጸመት፡ ኣሜሪካ ግን ካብቲ ስምምዕ ኢዳ ስሒባ'ያ።

ሕዚ ድማ ኣሜሪካ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰኑይ ኣብ ጉዳይ ኢራን ክዝቲ ጸዊዓ ኣላ።

ቴሌቪዥን ኢራን፡ ስብርባር እታ ተወቒዓ ዝወደቐት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኢሉ ዝዘርግሖ ምስሊታት

ምንጪ ስእሊ, IRIBNEWS