ወጥሪ ኢራን፡ ኣሜሪካ 1000 ወተሃደራት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክትልእኽ'ያ

ምንጪ ስእሊ, US Department of Defense
መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ምቅጻል ክልተ መራኽብ ነዳዲ ተኸቲሉ፡ ተወሰኽቲ 1000 ወተሃደራት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝሰድድ ኣፍሊጡ።
ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ፓትሪከ ሻናሃን፡ ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ምንቅስቃስ ናይ ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ከባቢ ብሰራዊት ኢራን ተፈጢሩ ዘሎ 'ተጻባኢ ባህሪ' ግብረ መልሲ ንምሃብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ'ውን ነተን መራኽብ ነዳዲ፡ ኢራን ወይ ምስ ኢራን ርክብ ዘለዎም ከም ዝሃረሙወን ዘረጋግጽ'ዩ ዝበሎ ኣሳእል ፈንዩ ኣሎ።
ኢራን ብወገና፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣብ ናይ ኒዩክለር ህቀናታታ ብውዕል 2015 ከም ዘይትምእዘዝን እቲ ውዕል ከም ዘይገትኣን ኣፍሊጣ'ላ።
ብዛዕባ እዞም ወተሃደራት እንታይ ዝተፈለጠ ነገር ኣሎ?
1000 ተወሳኽቲ ወተሃደራት ኣሜሪካ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝልኣኹ ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ፓትሪከ ሻናሃን ብሰኑይ ሓቢሩ።
ንሱ ኣብ ሓበሬትኡ "ኣሜሪካ ምስ ኢራን ዝኾነ ግጭት ኣይትደልን'ያ፡ እንተኾነ ናይቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝሰርሑ ዘለዉ ወተሃደራትና ድሕነቶም ናይ ምሕላውን ንሃገራዊ ረብሓና ናይ ምክልኻልን ሓላፍነት ኣለና" ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ እዞም ወተሃደራት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ኣብ ምቁጽጻር ከም ዝነጥፉ ብምሕባር፡ እዞም ተወሰኽቲ ወተሃደራት ኪኖ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ምባሉ ናብ ኣየናይ ቦታ፡ናብ ኣየነይቲ ሃገር ከም ዝተላኣኹ ኣየነጸረን።
እዞም 1000 ወተሃደራት፡ ተወሳኺ እቶም እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ማእከላይ ምብራቕ 1500 ወተሃደራት ከም ዝለኣኹ ዝሓበሮ እዩ ዝኸውን ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







