ኣሜሪካ፡ ምውቃዕ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪትና 'ሃንደበታዊ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, US Navy/Kelly Schindler
ኢራን፡ ወታሃደራዊት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ ወቒዓ ምውዳቓ "ከቢድ ጌጋ" እዩ ክብል ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።
ይኹን'ምበር፡ ሰባት ዝፈጠሩዎ ስሕተት ክኸውን ይኽእል'ዩ ብምባል፡ "ኾነ ተባሂሉ ዝተገበረ'ዩ ኢለ ክኣምን ዘጸግም ኾይኑ'ዩ ረኺበዮ' ኢሉ።
ኢራን፡ እታ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ክልል ኣየረይ ዝጠሓሰት'ያ ትብል፤ ኣሜሪካ ድማ ነዚ ትነጽጎ። እዚ ኽስተት፡ ወጥሪ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝተኻረረሉ እዋን ምኻኑ'ዩ ዝንገር።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ ኢራን፡ ኣሜሪካ "ኣብ ክልል ኣየርና ኣትያ" ዝብል ቅሬታ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክተቕርብ ምኻና ገሊጹ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኢራን ማጂድ ራቫንቺ፡ እታ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ዓለምለኻዊ ሕጊ ጥሒሳ ናይ ስለላ ስራሕቲ እያ ትሰርሕ ነይራ ኢሉ።
ናብ ባይቶ ጸጥታን ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብን ኣብ ዝተጽሓፈ ደብዳበ ድማ፡ ኢራን ኲናት'ኳ እንተዘይደለየት፡ ክልላ ካብ ጥቕዓት ጸላኢ ናይ ምክልኻል ሙሉእ መሰል ግን ኣለዋ ኢሉ ጠቒሱ።
ፕሬዝደንት ትራምፕ ግን፡ እታ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ክልል ኣየር ኢራን ዘይኮነ ኣብ ክሊ ዓላማዊ ማያት ትዘውር ምንባራ ዝሕብር "ስኑድ" መረዳእታ ኣሎ እዩ ዝብል።
"ኢራን ዝተጋገየት ይመስለኒ፤ ሃንደበታዊ ወይ'ውን ሓደ ሰብ ብዝፈጠሮ ስሕተት እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ተሃሪማ ወዲቓ ኣላ ኢለ ክሓስብ ይደሊ"ኢሉ።
እንታይ ተባሂሉ?
ፕሬዝደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ኲናት "ዘይተገመቱ ሳዕቤናት ዘምጽእ ሓደጋ'ዩ" ክኸውን ዝኽእል ዝብል ርኢይቶ ሂቡ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ብወገኑ፡ ክልቲኤን ሃገራት ህድእ ኢለን ክሓስባ መልእኽቱ ኣሕሊፉ።
ኣፈ ጉባኤ ዲሞክራትስ ናንሲ ፔሎሲ ድማ፡ 'ኣሜሪካ ንኲናት ዘለዋ ሸውሃት ነክዩ'ዩ' ብምባል፤ ሕጹይ ተወዳዳሪ ቐጻሊ መረጻ ዝኾነ ጆ-ባይደን'ውን ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ውጽኢት 'ግብዝነት' ትራምፕ እዩ ኢሉ ነቒፉ።
ንኣሜሪካ ዘዳለወት እትመስል ስዑዲ ዓረብ ድማ፡ 'ተግባር ኢራን ቕቡል ኣይኮነን' ትብል።
ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ብዘሎ ውጥጥ፡ ዋጋ ነዳዲ ብ5 ሚኢታዊት ምንሃሩ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







