ስምምዕ ኒኩለር ኢራን፡ ሃገራት ኣዉሮጳ እቲ ዉዕሊ ክጸንሕ ድሌት ኣለና ኢለን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካ ትማሊ ካብ'ቲ ብእዋን መሪሕነት ባራክ ኦባማ ዝተፈረመ ስምምዕ ኒኩለር ኢራን ከምእትወጽእ ድሕሪ ምግላጻ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ንተግባራዉነት እቲ ምስ ኢራን ዝተበጽሐ ዉዕሊ ከምዝሕግዙ ኣፍሊጦም።
ብሪጣኒያ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ኣሜሪካ ካብቲ ዉዕሊ ክወጽእ'የ'ዉን እንተበለት፡ ንሳተን ግና ኣካል እቲ ስምምዕ ኾይነን ክቕጽላ ድሌት ከምዘለወን ገሊጸን።
ካልኦት ነቲ ስምምዕ ኣብ 2015 ዝፈረማ ሩሲያን ቻይናን ቐጻሊ ሓገዘን ከምዘይቋረጽ ኣፍሊጠን።
ኢራን ብወገና እቲ ዉዕሊ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ንምትግባር ትሰርሕ ምህላዋ ትገልጽ።
"መንግስታትና እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ክኸዉን ምስ ኩለን ነቲ ስምምዕ ዝፈረማ ኣባል ሃገራት ክሰርሑ ድሉዋት'ዮም" ኢለን ሃገራት ብሪጣኒያ፣ ጀርመንን ፈረንሳን ብሓባር ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ካብቲ ብምምሕዳር ባራክ ኦባማ ምስ ኢራን ተበጺሑ ዝጸንሐ ናይ ኑክሌር ውዕል ከምእትስሕብ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ንሱ: ነቲ ስምምዕ 'ዝመሽመሸን ዝቦኽቦኸን' 'ዘሐንኽን' ክብል ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ብመሰረት እቲ ውዕል ተላዒሉ ዝነበረ እገዳ ደጊሙ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከምዘንብር ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣሜሪካ ካብቲ ዉዕሊ ምንታይ ስሒባ?
መራሕቲ ኣውሮጳ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ወሳነ ከይወስድ ክምሕጸንዎ ጸኒሖም'ዮም። ኢራን ብወገና፡ ንግብረመልሲ ዉሳነ ትራምፕ፡ መስርሕ ምምዕባል ዩራንዮም መስርሕ ከምእትጅምሮ ኣፍሊጣ'ያ።
ዓዉዲ ነዳዲ፣ ኣቑሑ ነፈርትን ክቡራት ሓጺንን ጛዊሱ ኣብ ልዕሊ ኢራን ብቐጥታ ማዕቐብ ቑተባ ክቕመጥ'ዩ ክትብል ኣሜሪካ ገሊጻ'ያ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕንነት ኣሜሪካ ጆን ቦልቶን ምስ ኢራን ዝሰርሑ ዘለዉ ዓበይቲ ኩባኒያታት ኣዉሮጳ ኣብ ዉሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ዘለዎም ስራሕ ጠጠዉ ከብሉ፡ እንተዘይኾይኑ ግና ማዕቐብ ኣሜሪካ ክጽበዮም'ዩ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግብረ መልሲ ዓለም
ሚኒስርት ጉዳያት ወጻኢ ሩሲያ "ዘሕርቕ ዉሳነ" ትራምፕ እንትብል፤ ጃፓን ብወገና ምዉጻእ ኣሜሪካ ካብቲ ስምምዕ ብቐረባ ክቆጻጸሮ'የ ኢላ።
ሓላፊት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ፈደሪካ ሞግሀረኒ፡ እቲ ሕብረት ነቲ ውዕል "ጸኒዑ ከምዝዕቅቦ" ገሊጻ።
እቲ ውዕል ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከይትሰርሕ ዝእግድን፡ ምምዕባል ጸዓታዊ ኑክሌር ንምቁጽጻርን ኣብ መንጎ ኢራንን ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ከምኡውን ሩስያን ቻይናን ዝተበጽሐ ስምምዕ'ዩ።
ምስቲ ናይ ኢራን ናይ ኑክሌር ፕሮግራም ዝተኣሳሰረ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣንቢረንኦ ዝነበራ ማዕቀባት ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ኣልዒለነኦ'የን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







