ስምምዕ ኒኩሉየር ኢራን፡ ኣሜሪካ ኣብ 2015 ዝፈፀመቶ ውዕሊ ክትትግብር ተሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኣማኑኤል ማክሮን፡ ንመዘንኦም ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ውዕሊ ኒኩዩለር ኢራን ካብ ምዝታይ ወፃኢ ካልእ መማረፂ ክህልዎም ከምዘይግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ማክሮን ነዚ ዝበሉ፡ ካብ ሎሚ ሰነይ ጀሚሮም ናብ ኣሜሪካ ንሰለስተ መዓልታት ዑደት ከምዝገብሩ 'ንፎክስ ኒውስ' ኣብ ዝገለፅሉ ግዘ እዩ።
ኣሜሪካ፡ ኢራን ምምዕባል ፕሮግራም ኒኩዩለራ ንክተቋርፅ ትገብሮ ተደጋጋሚ ፅዕንቶን ተወሰኽቲ ማዕቐባትን፡ እቲ ኩነታት ክጋደድ ካብ ምግባር ሓሊፉ ጠቕሚ ከምዘይብሉ ድማ፡ እቶም ፕረዚደንት ስግኣቶም ይገልፁ።
ኣሜሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ኢራን ዝህልዋ ቀፃሊ መርገፂ ወይ ድማ ፀረ ኢራን እትገብሮ ንዘላ ማዕቐባት ክትውግድ ዶስ ክትቅፅለሉ ኣብ ዝብል ፡ ዶናልድ ትራምፕ ክሳብ 12 ጉንበት ክውስኑ ትፅቢት ይግበር።
ኣሜሪካ ብዘለዋ መርገፂ እንተድኣ ቀፂላ ግና፡ ኣብ ሞንጎ ኢራንን 6 ሓያላት ምዕራባውያን ሃገራን ዝተፈፀመ ውዕሊ ማይ ንማይ ክተርፍ ከምዝኽእል እዮም ፀብፃባት ዝሕብሩ።
ክልቶኦም መራሕቲ ኣብዚ ጉዳይ ብዕምቆት ክዝትዩ ድማ ትፅቢት ይግበር።
ፕርዚደንት ማክሮን 'ንፎክስ ኒውስ' ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ጉዳይ ኒኩዩለር ኢራን ኣሜሪካ ቅድም ኢላ ዝኣተወቶ ውዕሊ ክተኽብር ኣለዋ ኢሎም።
"እዚ ዘሎ ውዕሊ ነቐድም፡ ምኽንያቱ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ካብ ዘሎ ሃዋህው እዚ ዝበለፀ'ዩ" ኢሎም።
ክልቲኦም መራሕቲ "ፍሉይ ርክብ" እዩ ነይርዎም ዝበሉ ማክሮን፡ ጉዳይ ባላስቲክ ሚሳይል፡ ኣካል እዚ ስምምዕነት ክኸውን ድሌት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ምዃኑን ኢራን ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ዝህልዋ ፅዕንቶ ምስራሕ ከምዘድልይ ድማ ተዛሪቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብዚ ውዕሊ፡ ኣብ ጉዳይ ምምዕባል ዩራንየም ኢራን እው ተወሰኽቲ ገደባት ክህልዉ ይጠልቡ።
እዚ ውዕሊ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2025 ዘብቅዕ እዩ።
ትራምፕ ነዚ እማመ ቅድሚ ምቕባሎምን ምፍራሞምን፡ ቅድሚ 12 ጉንበት እዞም ቅድመ ኩነታት ክማልኡ ከምዝግበኦም፡ ንኣውሮጳውያን መሻርኽቶም፡ ፀቕጢ ገይሮም እዮም።
ብመሰረት ሕጊ ኣሜሪካ፡ ኣብ ግዘ ምምሕዳር ኦባማ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 120 ክሳብ 180 መዓልታት ክፍርም ይግደድ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ፕረዚደንት ትራምፕ እንትፍረሙ ግና፡ ኣሜሪካ ንዓርሳ ቅድሚ ምግላላ፡ እዚ ስምምዕ ንምልዋጥ "ናይ መወዳእታ ዕድል" ምዃኑ ኣጠንቂቖም ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ምኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ ግና፡ እንተድኣ ኣሜሪካ ካብዚ ቀሪቡ ዘሎ ካልኣይ ስምምዕ ንባዕላ ኣግሊላ፡ ኢራን ዝጀመረቶ ከይዲ ህንፀት ኒኩዩለር ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ኣጠንቂቖም።
ፕረዚደንት ማክሮን፡ ኣብ ሶርያ ዘሎ ጉጅለ እስላማዊ ዕጡቕ (ኣይ ኤስ) ክሳብ ዝጠፍእ፡ ዶናልድ ትራምፕ ወተሃደራቶም ካብ ሶርያ ንከየውፅኡ ድማ ተማሕፂኖም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







