ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳሚያ፡ "ደቂ ኣንስትዮ ክመርሓ ከም ዝኽእላ ክነርእየኩም ኣብዚ ኣለና"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳሚያ ሱሉሁ ፕረዚደንት ታንዛንያ ኮይና ምስ ተመዘዘት፡ ጓል ኣንስተይቲ ስለ ዝኾነት ጥራይ 'ሃገር ክትመርሕ ኣይትኽእልን' ኢሎም ዝተጠራጠሩ ሰባት ከም ዝነበሩ ትዛረብ።
ሓደ ሓደ ሰባት፡ "ደቂ ኣንስትዮ ብሉጻት መራሕቲ ክኾና ከም ዝኽእላ ኣይፈልጡን፤ ከምእንመርሕን ክነርእዮም ግን ኣብዚ ኣለና" ክትብል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ቃለ መሕተት ገሊጻ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021፡ ፕረዚደንት ነበር ጆን ማጉፉሊ ምስ ሞተ እዩ፡ ጓል 61 ዓመት መራሒት ሃገር ኮይና ተመዚዛ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ እታ እንኮ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት እያ። ግደ እታ ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ስማዊ'ዩ።
"ዋላ ሓደ ሓደ መሳርሕተይ ኣብ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃነይ ጥራይ ነጺጎምኒ እዮም። ጽንሕ ኢሎም ግና ናተይ መሪሕነት ተቐቢሎሞ። እዚ ኣመለኻኽታ ግን ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዝረአ ኣይኮነን፤ ኣብ ኣመሪካ'ውን እንተኾነ ሂላሪ ክሊንተን ፕረዚደንት ክትከውን ተጸቢናያ ነይርና፤ ግና ኣይኮነትን" ትብል ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ።
ወይዘሪት ሳሚያ፡ ንነቐፌታ ምላሽ ንምሃብ ናይ ልምዓት ዕላማታት ምቅዳምን ድሌት ህዝቢ ኣብ ግምት ምእታውን ከም ዝኾነ ትዛረብ።
ካልኦት ሃገራት ካብተን ብደቂ ኣንስትዮ ዝተመርሓ ከም በዓል ላይበርያን ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃን ክመሃራ ኣለወን ኢላ።
ፕረዚደንት ሳሚያ፡ ነቲ ቅድሚኣ ዝነበረ ባዕላ ከም ዝበለቶ ብሕማም ልቢ ሃንደበት ዝሞተ ፕረዚደንት ማጉፉሊ፡ ተኪኣ እያ ናብ ስልጣን ዝደየበት።
ማጉፉሊ፡ ተቓውሞ ዘይዕገስን ናጽነት ዝዕፍንን መራሒ ስለ ዝነበረ እቲ ለውጢ ከም እወንታ እዩ ተራእዩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናይቲ ቀንዲ ተቓዋሚ መራሒ ዝኾነ፡ ፍሪማን እምቦወ ብክሲ ግብረ-ሽበራ ምእሳር ንሳ'ውን ካብኡ ኣይትሐሽን ዝብሉ ጥርጣረታት ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እንተኾነ፡ ንሳ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መራሒ ዝተመስረተ ክሲ ካብ ዝሓለፈ መስከረም ጀሚሩ ዝጸንሐ 'ምበር ሓድሽ 'ፖለቲካዊ' መልክዕ ዝወሃቦ ከም ዘይኮነ እያ ትዛረብ።
"ንነዊሕ እዋን ካብ ሃገር ወጻኢ እዩ ነይሩ፤ ስለ ምንታይ ንወጻኢ ከም ዝኸደ ኣይፈለጥኩን፤ ምስ ተመልሰ ግን፡ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ምምጻእ ብዝብል ዕግርግር ክፈጥር ጀሚሩ" ኢላ።
ወሲኻ፡ "ምናልባሽ እቲ ዝተመስረተሉ ክሲ ስለ ዝፈልጥ፡ 'ብሰንኪ ፖለቲካዊ ንጥፈታተይ እየ ተኣሲረ' ንምባል ከምኡ ከም ዝገበረ እየ ዝጥርጥር" ኢላ።
ሚስተር እምቦወ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ሃገራ መረጻ ምትላላት ነይሮሞ ምስ በለ እዩ ተኣሲሩ።
ፕረዚደንት ሳሚያ ግን፡ ገበነኛ ድዩ ኣይኮነን ንዝብል ንቤት ፍርዲ ክገድፈሉ ኣⶀኹ ኢላ።
ንሳ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ብዝምልከት ምስ ተቓወምቲ ሰልፍታት ክትዘራረበሉ ምዃና ሓቢራ፤ መዓስ ንዝብል ግን ኣይነጸረትን።
ነቐፍቲ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ከም ዝጠቅም ኮይኑ እዩ ተቐሪጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እታ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዛዕባ ክታበት ህዝባዊ ጎስጓስ ክካየድ ምዃኑ፤ ጥርጣረ ንዘለዎም ድማ 'ኣይፋልኩምን' ንምባል ባዕላ ነቲ ክታበት ብምውሳድ መርኣያ ከም እትኸውን ሓቢራ።
ብርግጽ እቲ ቀንዲ ንዓኣ ዘጨንቓ እቲ ጥርጣረታት ዘይኮነ፤ እቲ ካብ ኣመሪካን ካብ ካብ ካልኦትን ተረኺቡ ዘሎ ቀረብ ክታበት ብዝሒ ውሑድ እዩ ዝብል እዩ።
እቲ ቅድሚኣ ዝነበረ ፕረዚደንት ማጉፉሊ፡ ኣብ ህላወ ኮቪድ-19 ዘይኣምን ስለ ዝነበረ፡ እዚ ፖሊሲኣ ከም ዓቢ ለውጢ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።
ኣብ ጉዳይ ናጽነት ሚድያ'ውን ብርቱዕ እምነት ከም ዘለዋ እያ ትዛረብ፤ 'ጋዜጠኛታት ሕጊ ኣኽቢሮም ክሳዕ ዝሰርሑ ዝኾነ ኣይትንክፎምን' ኢላ።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝንጸባረቕ ተቓውሞን ነቐፌታን'ውን ከም እተተባብዕ ተዛሪባ።
"እዚ እንተዝዕጾ፡ ሰባት እንታይ ይስመዖም ከም ዘሎ ብኸመይ ክንፈልጥ ምኸአልና" ክትብል ድማ ብሕቶ መልሲ ሂባትሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







