ኮሮናቫይረስ፡ ፕረዝደንት ታንዛንያ ንፈለማ ግዘ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ለቢሳ

ምንጪ ስእሊ, Tanzania State House
ሓዳሽ ፕረዝደንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ንፈለማ እዋን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ለቢሳ ተራእያ።
ቅድሚ ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ፕረዝደንት እታ ሃገር ዝነበረን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝሞተን ጆን ማጉፉሊ፡ ንሓደ መዓልቲ'ውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብር ፍቓደኛ ኣይነበረን።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ንኮሮናቫይረስ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝርእዮ እቲ ፕረዝደንት ነበር፡ "ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣዋጃት ዕጽዋ ኣተግቢረን እየን። ታንዛንያ ግን ከምኡ ዓይነት ኣዋጅ ናይ ምእዋጅ መደብ የብላን። ምኽንያቱ ድማ ፈጣሪ ኣሎ፤ ንሱ ባዕሉ ክሕልወና እዩ" ይብል ኔሩ።
እታ ንሞት ማጉፉሊ ስዒቡ በትረ ስልጣን ዝጨበጠት ሓዳሽ ፕረዝደንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሉሁ ካብ ታንዛንያ ወፃኢ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ጎረቤት ሃገር ኬንያ ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝገበረቶ ዑደት እያ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ጌራ ተራእያ ዘላ።
ትማሊ ዓርቢ ኣብ ከተማ ዳሬሰላም ኣብ ዝነበረ ሓደ ምድላው ተረኺባ ንልዕሊ 800 ሽማግለታት መደረ ዘቕረበት ፕረዝደንት ሳሚያ ሱሉሁ፡
"ይቕረታ ንሓትት፡ ናይ ቅድና ናብራ ተቐይሩ እዩ፤ ፥ሎሚ መዓልቲ ናብዚ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ጌርና መፂእና ኣለና። ምኽንያቱ ሽማግለታት በቲ ቫይረስ ናይ ምልካፍ ዕድሎም ልዑል ስለዝኾነ። ስለዚ ክንጥንቀቐሎም ይግባእ" ኢላ።
እዛ ጓል 61 ዓመት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዝደንት፡ ናብ ስልጣን ካብ ትመፅእ ንነዘ ካብ ጆን ማጉፉሊ ብዝተፈለየ ሓድሽ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣይፈረሐትን።
ኣብ ጉዳይ ኮቪድ-19 ዘማኽራ ሓይሊ ዕማም ዘጣየሸት ኮይና፡ ታንዛንያውያን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ክጥቀሙን ካልኦት ጥንቃቐታት'ውን ብምግባር ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ጠጠው ንምባል ክፅዕሩን ኣገንዚባ'ያ።
ኣብ ኬንያ ኣብ ዝነበራ ዑደት'ውን ብዛዕባ ምልባስ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ምቕሉልን መሳጣይን ርኢቶ ሂባ እያ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







