ሓዳሽ ፕረዚደንት ታንዛንያ ምስ ዝሞተ ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ኣይተነጻጽሩኒ - ኢላ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ድሕሪ ሞት ጆን ማጉፉሊን ፕረዚደንት ታንዛንያ ኮይና ዝተመዘዘት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ኣባላት ባይቶ ህዝቢ ምስቲ ዝሞተ ፕረዚደንት እናነጻጸሩ ዘልዕልዎ ክትዕ ጠጠው ከብሉ ሓቲታ።
እታ ፕረዚደንት እቲ ባይቶ ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊን ህዝባውን ዛዕባታት ምዝርራብ ገዲፉ ንዓኣ ምስቲ ዝሓለፈ ፕረዚደንት ኣብ ምንጽጻር ምጽማዱ ከም ዝቖጠዓ ተዛሪባ።
ታንዛንያ ብሓድሽ መገዲ ንቕድሚት ንምስጓም እተርእዮ ብዘላ ቆራጽነት ትውደስ ዘላ ሓዳሽ ፕረዚደንት፡ ንሳን እቲ ዝሞተ ፕረዚደንትን ሓደ ዓይነት ዕላማ ከም ዝነበሮም ብምግላጽ፡ ንሱ ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣብ ምዝዛም ከምእተትኩር'ውን ገሊጻ።
"ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝቃላሕ ጉዳይ ነቲ ቤት ምኽሪ ይመርሖ ምህላዉ ዘሻቕል" እዩ ኢሉ።
መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዘሰናድእዎ ሓደ መድረኽ ተረኺባ፡ "ኣብ ጉዳይ ዓመታዊ ባጀት መንግስቲ ተዘራሪብና ክነጽድቕ ምተገበአ ነይሩ። እቲ ፓርላማ ክሰርሐሉ ብዝግባእ መገዲ ንስራሕ" ክትብል ተሰሚዓ።
እቲ ብራሕቲ ሃይማኖት ዝተወደበ ጉባኤ፡ ነቲ ዝሞተ ፕረዚደንት ንምዝካርን ንሓደሽቲ መራሕቲ ድማ ጸሎት ንምግባርን ተሓሲቡ ዝተዳለወ እዩ።
እታ ሓዳሽ ፕረዚደንት ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ዘማኽራ ሓይሊ ዕማም ዘጣየሸት ኮይና፡ ታንዛንያውያን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙን ካልኦት ጥንቃቐታት'ውን ብምግባር ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ጠጠው ንምባል ክጽዕሩን ሓቲታ።
ሳሚያ፡ ፈላመይቲ ጓል ኣንሰተይቲ ፕረዚደንት ታንዛንያ እያ።
ናብ ስልጣን ካብ እትመጽእ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ከም ዝወሰደት ዝዝረብ ኮይኑ፡ ብፍላይ ተዓጽዮም ዝነበሩ ገለ መራኸቢ ብዙሃን ምኽፋት ይጥቀስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







