ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን፡ ኣብ ታሪኽ ታንዛንያ ፈላመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ኮይና

ምንጪ ስእሊ, TANZANIA STATE HOUSE
ምክትል ፕረዚደንት ነበር ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን፡ ኣብ ታሪኽ ታንዛንያ ፈላመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ብምዃን ቃለ-ማሕላ ፈጺማ።
ንሳ፡ ኣብ ዳሬሰላም ኣብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ዳኛ ቃለ-ማሕላ ከምዝፈጸመት ተገሊጹ።
ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ማጉፉሊ፡ ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን፡ ሻድሻይ ፕረዚደንት ታንዛንያ ኮይና’ላ።
ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ ኣብ መበል 61 ዓመቱ ብሕማም ልቢ ከምዝሞተ መንግስቲ እታ ሃገር ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን፡ ካብ 2015 ጀሚራ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኮይና ሰሪሓ።
ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ታንዛንያ፡ ሳምያ ሓሰን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይና ቃለ ማሕላ ምስ ፈጸመት፡ ነተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ዓመታት ዘመነ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት፡ ክትምልአን እያ። በዚ መሰረት፡ ክሳብ 2025 ኣብ ስልጣን ክትህሉ’ያ።

ምንጪ ስእሊ, Twitter
ሓዳስ ፕረዚደንት ታንዛንያ 'ኣጻብዕ ምውጥዋጥ' ከብቅዕ ትምሕጸን
ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ኮይና ቃለ ማሕላ ክትፍጽም እንከላ፡ "ከቢድ ሰከም" ኣብ ዝባና ትስከም ምህላዋ ገሊጻ።
ንሳ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ "ኣጻብዕ ምውጥዋጥ" ከም ዘየድልይ ብምግላጽ፡ ፍልልያት ንድሕሪት ብምሕዳግ ብሓባር ምስራሕ ከም ዘድልይ ሓቢራ።
እቲ "ብሕማም ልቢ" ብረቡዕ ህይወቱ ዝሓለፈ ጆን ማጉፉሊ ብዝግባእ ከዳልዋ ከም ዝጸንሐ'ውን እታ ሓዳስ ፕረዚደንት ተዛሪባ።
ሳምያ ካብ 2015 ጀሚራ እያ ኣብ መሪሕነት ማጉፉሊ ምክትል ፕረዘዲንት ኮይና ክተገልግል ጸኒሓ።
ማጉፉሊ፡ ንታንዛንያ ንምልዋጥ ዝተግህ ሓርበኛ ምንባሩ ሓቢራ።
በቲ ግዲ ኣልቦ ኣቀራርባኡ ኣብ ደገፍቱ ፍትው ዝኾነ ማጉፉሊ፡ ንኮሮናቫይረስ ብዝነበሮ ኣተሓሕዛን ርእይቶን ኣዘራራቢ ኮይኑ እዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







