ጆን ፖምቤ ማጉፉሊ፡ ወዲ 'ሓረስታይ' ፕረዚደንት ታንዛንያ መን እዩ ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 2015 ፕረዚደንት ታንዛንያ ኮይኑ ዝተመርጸ፡ ወዲ ሓረስታይ ጆን ፖምቤ ማጉፉሊ፡ ኣብ መበል 61 ዓመቱ ሞይቱ ኣሎ።
በቲ ውጽኢት ተኮር መሪሕነቱ ዝፍለጥ እቲ ፕረዚደንት፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ብዝሃቦም ርእይቶታት፡ ኣዘራረቢ ኮይኑ ነይሩ።
ንካልኣይ ግዜ'ውን እንተሰዓረ'ኳ፡ ተቓወምቲ ውድባት ምትላላትን ምንክልባትን ዝመልኦ መረጻ ክብሉ እዮም ዝኸስዎ።
ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኑ፡ ከም ሚኒስተር ኮይኑ ጽርግያታት ኣብ ምህናጸጽ ብዝተኸተሎ መደብ፣ 'ቡልዶዞር' ዝብል ሳጓ'ውን ረኺቡ ነይሩ።
ከምኡ ድማ፡ ኣንጻር ብልሽውናን ምጥፍፋእ ገንዘብን ብዝነበሮ ተሪር መርገጺ ይዝከር።
ማጉፉሊ፡ ፕረዘደንት ኮይኑ ምስተመርጸ ግን፡ ናጽነት ብምግዳብ እዩ ዝንቀፍ።
እንተኾነ ድሕሪ ሞቱ ዘሎ ታሪኹ፡ ኣብ ልዕሊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተኸተሎ 'ውልቃዊ' መገዲ እዩ ክሽፍኖ።
'ኮሮናቫይረስ ሰይጣን እዩ'
ኮሮናቫይረስ ኣብ ታንዛንያ ኣትዩ ምስተብሃለ፡ ፕረዚደንት ማጉፉሊ 'ዕጽዋ' ዝብል ኣይተቐበሎን።
እኳ ደኣስ፡ ሰባት ናብ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን ክኸዱን ክጽልዩን እዩ ኣተባቢዑ።
እቲ ጥቡቕ ክርስትያናዊ ከምዝኾነ ዝንገረሉ መራሒ፡ ዶዶማ ኣብ ዝተብሃለ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ "እቲ ሰይጣን ዝኾነ ኮሮናቫይረስ ኣብ ናይ ክርስቶስ ኣካል ክጸንሕ ኣይከኣሎን። ሽዑ ንሽዑ ክቃጸል እዩ" ኢሉ።
ካብ ሰነ 2020 ጀሚሩ ድማ፡ ንሃገሩ ካብ ኮቪድ-19 ነጻ እያ ኢሉ ምስ ኣወጀ፡ ምስ ሚኒስተራቱ ኮይኑ ብዛዕባ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣባጭዩ፣ ዝካየድ መርመራ ዝእመን ከምዘይኮነ ተጠራጢሩ፤ ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ተሪር ኣዋጅ ዝተኸተላ ጎረቤት ሃገራት ድማ ኣነኣኢሱ።
ኣብ ታንዛንያ፡ ዳርጋ ምርመራ ዝበሃል ኣይተገብረን፣ ክታበት ብዝምልከት'ውን ዝኾነ መደብ ኣይነበረን፤ ነታ ሃገር ኣብ ከምዚ እዩ ራሕሪሕዋ ከይዱ።
እንተኾነ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ፕረዚደንት ታንዛንያ ኮይኑ እንትምዘዝ፡ 'ንታንዛንያ ዘድልያ፤ ግዕዝይና ዝጽየፍን ውጽኢታዊ ሰራሕተኛን' ተባሂሉ እዩ ተናኢዱ ነይሩ።
'ቡልዶዞር' ኣብ ስራሕ
እቲ ንሱ ዝኽተሎ ዝነበረ ውጽኢት ተኮር ፖሊሲ፡ ካልእ ተሪፉ ንካልኦት ሃገራት'ውን ኣብነት ክኸውን ከም ተሞክሩ ክዝረብ ጀሚሩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኾይኑ ኣብ ዝተመርጸላ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ካብ ስራሕ ዝተርፍ ከምዘይዕገስ ኣፍሊጡ ነይሩ። ምውድልዳል ዝሰፈኖ ሲቪል ሰርቪስ ናይታ ሃገር ድማ ከነቓቐሖ ጀሚሩ።
ሓደ መዓልቲ፡ ብኣካል ኣብ ሚኒስተር ፋይናንስ ተረኺቡ፡ 'መን ስለ ምንታይ ካብ ስራሕ ከምዝተረፈ' ክሳብ ምሕታት በጺሑ ነይሩ።
ከምኡ'ውን፡ ኣብ ስራሕ ዘየለዉ ግን መሃያ ዝቕበሉ ኣሻሓት ደቂ ሕድርትና 'ጎስት ዎርከርስ' ዝበሃሉ፡ ሓጢጡ ኣውጺኡዎም።
ኣብ ብግዕዝይና ዝጠልቁን፤ ገለ ድማ ኣብ ስረሖም ዝሰንፉን ፤ ሓደ ሓደ ግዜ ብቐጥታ ኣብ ቴሌቪዥን እናተርአየ፡ ክባረሩ ገይሩ።
ኣድላይ ዘይኮነ ምጥፍፋእ ገንዘብ ድማ ኣይዕገስን ብምባል ክሳብ፡ መዓልቲ ናጽነት ከይኽበር ምስራዝ በጺሑ፤ ኣብ 54 ዓመታት ንፈለማ እዋን እቲ ዕለት ከይተኸብረ ውዒሉ።
ኣብ ክንድኡ፡ 'መዓልቲ ጽሬት' ክኸውን ኣዊጁ፡ ንሱ ባዕሉ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ጎሓፍ ከጽሪ ተራእዩ።
ከምኡ ድማ፡ ናብ ደገ ዝግበሩ ጉዕዞ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ደው ክብሉ ገይሩ።
ብፍላይ ኣብ ናይ መጀመርታ ዓመት ፕረዚደንት ዝኾነላ፡ እቲ ተግባራት ዓብዪ ናእዳ እዩ ኣስዒብሉ።
#WhatWouldMagufuliDo ማለት ማጉፉሊ እንታይ ምገበረ: ዝብል ሓሽታግ ድማ ኣብ ትዊተር ተጀሚሩ ነይሩ።
ገለ ሰባት ብዛዕብኡ ኣብ ትዊተር ክዋዘዩ እኳ እንተተርኣዩ ገለ ግና፡ ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣሰሩ ክኽተሉ ሓሳብ የቐርቡ ነይሩ።
ኣብ 2017፡ ሓደ ኬንያዊ ፕሮፌሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዳሬሰላም: ኣፍሪቃ 'ማጉፉሊኬሽን' እዩ ዘድልያ ኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ካብ መፈለምትኡ ጀሚሩ ሓደ ጎደሎ ጎኒ ነይሩዎ፤ እቶም ንሱ ዝኽተሎም ተግባራት ኣፍደገ ዲሞክራሲ እናጽበቡ ዝኸዱ እዮም ነይሮም።
ኣብ ወርሒ ጥሪ 2016፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልኦ እዋን፡ እቲ ምሕደርኡ፡ ወጻኢ ንምንካይ ብዝብል ኣምር፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዝካየዱ ክትዓት ብቐጥታ ከይተሓላለፉ ገይሩ።
ተቓወምቲ፡ መንግስቲ ተሓታቲ ዝግበረሉ ሓደ መገዲ ይዓጹ ኣሎ ኢሎም ሰልፊ ተቓውሞ ክውድቡ እንተሓተቱ'ኳ፡ ኣይተፈቐደሎምን።
ዝኾነ ይኹን ሰልፊ ተቓውሞ ከይውደብ ኣጊዱ።
ኣብ 2017 ድማ፡ ሓደ ፍሉጥ ታንዛንያዊ ራፐር፡ 'ና ዋ ሚቲጎ' ዝብል ደርፉ ምስ ኣውጸአ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተደርበየ።
እቲ 'ኣብዛ ሃገር ሓሳብ ናይ ምግላጽ ናጽነት መሰል ኣሎ ድዩ' ኢሉ ዝሓትት እቲ ኣርቲስት፡ ትኽክለኛ ስሙ፡ ኢማኑኤል ኢሊባሪኪ እዩ ዝበሃል።
"ተዛሪበ ንባዕለይ ኣብ ፖሊስ ጣብያ እንተረኸብኩኸ"
"ብልሹው ዝኾነ ውሳነ ዝህቡ መራሕቲ ኣለውዶ፤ አወ ከመይ ደኣ!" እናበለ ይቕጽል እቲ ዜማ።
እታ ዝፈርሓ ኣይተረፈትን፤ ኣብ ጽባሕ መዓልቲ እታ ደርፊ ዝወጽአትሉ ንባዕሉ ኣብ ፖሊስ ጣብያ ረኺቡ።
ፕረዚደንት ማጉፉሊ፡ እቲ ድምጻዊ ክፍታሕ ሽዑ ንሸዑ እንተኣዘዘ'ኳ፡ እታ ደርፊ ደጊማ ክትስራሕን ብዛዕባ ግብሪ ምትላላት ገለ ካልኦት ጸገማት እቲ ሕብረተሰብ ዝበሎ ክሕወሳን ተኣዚዙ።
ኣብ 2017፡ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ንውድድር ዝቐረበ ቲንዱ ሊሱ ዝበሃል ተቓዋሚ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ብጥይት ተወቒዑ ካብ ሞት ንሕንጢጥ ተሪፉ።
እቲ ተቓዋሚ መራሒ ነቲ ፕረዚደንት 'ዲክታተር' ስለዝበሎ፡ ብናይ ጽልኢ ዘረባ ተኸሲሱ።
ሚስተር ሊሱ፡ መንግስቲ ክቐትለኒ ሓሲቡ ነይሩ ኢሉ እንትኸስስ፡ መንግስቲ ኣብናቱ ጉዳይ ኢድ ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።
ካብኡ ድማ፡ ጋዜጣታት ክዕጸያ ገይሩ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናይ ሓሳብ ናጽነት ምዕፋን ከምዝኾነ ተዘረቡ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ጋዜጠኛታት ኣብ ፍርሒ ከምዝተሸበቡ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ።
ዓቢዪ ናይ ግብሪ ከስቢ
ምምሐዳር መንግስቲ ማጉፉሊ፡ መንግስታዊ ኣታዊ ሓፍ ንምባል ሓደሽቲ መምርሕታታት ብምትእታተው እዩ ዝፍለጥ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዕደና ዝሰርሑ ዝነበሩ ኩባንያታት ዓብዪ ግብሪ ኣንቢሩሎም።
ኣብ 2017፡ 'ኣካሽያ ማይኒግ' ብዝብል ዝፍለጥ ናይ ካናዳ ኩባንያ፡ ንመንግስቲ 190 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተሓቲቱ። እቲ ቁጽሪ ዘይእመን እንትኸውን፡ እቲ ካምፓኒ 'ጥር ትብለ ጌጋ የብለይን' ምባሉ ይዝከር።
ነቲ ካምፓኒ ጠቕሊሉ ዝገዝኣ ባሪክ ዝተብሃለ ካልእ ኩባንያ፡ 300 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ተስማሚዑ ነይሩ።
መንግስቲ ኣብቲ ሓድሽ ዝተጣየሰ 'ትዊጋ ሚነራልስ' ዝበሃል ኮብንያ፡ 16 ሚኢታዊት ኣታዊ ክረክብ ድማ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።
ኣብ 2018 ድማ፡ ካብ መንግስታዊ ወጻኢ ዝንዛሐ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ከም ገበን ክቖጽር ኣዊጁ፤ ባንኪ ዓለም 'ኣዝዩ ዘሻቕል ውሳነ' ኢልዋ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ዋላ ተቓወምቱ ከይተረፉ፡ ማጉፉሊ ንዕብየት ታንዛንያ ዓብዪ ለውጢ ከምዘምጸኦ ይስማምዑ እዮም።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ህንጸት መገዲ ባቡር፣ ኣውራ ጎደናታት ከምኡ'ውን እታ ሃገር ምስ ካልኦት ጎራብቲ ኣብ ምርኻብ ዝነኣድ ናይ መገዓዝያ ስራሕ ከምዝሰርሐ እዩ ዝንገር።
ከምኡ'ውን ሓይሊ ጸዓት ከምዝወሰኸን ኣየር ታንዛንያ ከም ብሓድሽ ከምዘሐደሰን ይዝረብ።
ማጉፉሊ፡ ናይ'ቲ ቀዳማይ መራሒ እታ ሃገር ዝኾነ ጁልየስ ኒረረ፡ መገዲ እዩ ዝኽተል ነይሩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ዝተኣወጀ ዕጽዋ ንዘይምቕባል ዘቕርቦ ምኽንያት ዝኾኖ ድማ 'ኣቦና ኒረረ ካብ ደገ ዝመጽአ ዝኾነ መምርሒ ኣይቕበልን ነይሩ' ዝብል ይጠቅስ።
'ድኻ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ይፈልጥ እየ'
ማጉፉሊ፡ ኣብ እዋን ኒረረ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ኣብ ሰሜን-ምዕራብ ታንዛንያ ኣብ ጥቓ ቀላይ ቪክቶርያ እትርከብ፡ ቻቶ ኣብ እትበሃል ቁሸት ተወሊዱ ባጺሑ።
ኣብ ትሑት ናብራ ምዕባዩ ንታንዛናውያን ኣብሊጹ ከሰርሕ ከምዘበረታተዖ ይዛረብ።
ኣብ 2015 ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ፡ "ከም ካልኦት ቆልዑ ከፍቲ እናሓለኹን፡ ጸባ ከፍትን ዓሳን እናሸጥኩ እየ ዓብየ" ኢሉ ነይሩ።
"ድኻ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ይፈልጦ እየ። ሰባት ናብረኦም ክመሓየሽ ክሰርሕ እየ ዝደሊ" ክብል ድማ ወሲኹ ነይሩ።
ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ናይ ሒሳብን ኬሚስትርን መምህር ኮይኑ ሰሪሑ። ካብኡ ድማ፡ ትምህርቱ ቀጺሉ።
ኣብ 1995 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብታ ዝተወለደላ፡ ቻቶ ወኪሉ ንምውድዳር ክሳብ ዝለቅቕ ድማ፡ ክኢላ ኢንዳስትርያል ከሚስሪ ኮይኑ ሰሪሑ።
ኣባል ባይቶ ኮይኑ ምስተመርጸ፡ ምክትል ሚኒስተር ህዝባዊ ስራሕቲ ክኸውን ተመዚዙ።
እታ ሚኒስተር ዝነበረት ማማ ኣና ዓብዳላሕ፡ ኣብ ውጽኢት ተኮር ዝኾነ መገዱ ፍረ ኣፍርዩ ክትብል መስኪራ።
ኣብ 2015 ድማ፡ ማጉፉሊ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ርግጽ ብውድቡ፡ ቻማ ቻ ማፒንዱዚ (CCM) ንክወዳደር ሙሉእ ድምጺ እዩ ረኺቡ።
እቲ ገዛኢ ውድብ፡ ን54 ዓመታት ኣብ ስልጣን እዩ ጸኒሑ።
እቲ መረጻ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገረ፡ ኣዝዩ ንሕንሕ ዝበዝሖ ነይሩ፡ እንተኾነ፡ ማጉፉሊ ብ58 ሚኢታዊት ክስዕር ክኢሉ።
ኣብ ካልኣይ እዋን ድማ፡ ብ84 ሚኢታዊት እንተሰዓረኳ፡ እቲ ቐንዲ ተቓወሚ ነቲ ውጽኢት መረጻ ኣይተቐበሎን።
ክጋዋሕ ጀሚሩ ዝነበረ መገዲ ማጉፉሊ ድማ ካብ ዓዲ ውሽጢ ኮነ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ነቐፌታ ምስ በዝሖ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ጀሚሩ።
ተቓወምቲ ውድባትን ሚድያን ይዕፍን እዩ ተባሂሉ ተነቒፉ።
እንተኾነ፡ ንባዕሉ ከም ሓደ ግዱስ ካቶሊክ ተኸታሊ ኣንጻር ምዕራባውያንን ዝርኢ ሰብ ስለዝነበረ፡ በቲ ዝበጽሖ ዝነበረ ነቐፌታታት ኣይተምበረከኸን።
እቲ ኣብ ልዕሊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተኸተሎ ኣመለኻኽታ'ውን ካብኡ ዝነቐለ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝዝረብ፤ ኣብ ታሪኽ ማጉፉሊ ድማ ዘይርሳዕ በሰላ ገዲፉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







