ታንዛንያ፡ ፕረዚደንት ታንዛንያ ነበር ጆን ማጉፉሊ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ተቐቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ታንዛንያ ነበር ጆን ማጉፉሊ ኣብ'ታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እትርከብ መበቆል ዓዱ ዝኾነት ከተማ ቻቶ ሎሚ ተቐቢሩ።
ማጉፉሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሕማም ልቢ ከም ዝሞተ ሰብ መዚ እታ ሃገር ምግላጾም ይዝከር።
ኣብቲ ብቴለቪዥን ዝተመሓላለፈ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ኣባላት ስድርኡ፣ ላዕለዎት ሰብመዚ መንግስትን ፕረዚደንት እታ ሃገር ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰንን ተረኺቦም።
ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት፡ ንኽብሩ 21 መድፍዕ ክትኮስ እንከሎ ብልዕሊ እቲ መቓብር ናይ ውግእ ነፈርቲ ክሓልፋ ተራእየን።
ኣብ መወዳእታ 2015 ተመሪጹ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ማጉፉሊ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘሎ ልዕሊ 60 ዓመታት ኣብ ስራሕ እናሃለወ ዝሞተ ፈላማይ መራሒ እታ ሃገር እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰከተማ ታንዛንያ ዝኾነት ዶዶማ ወግዓዊ ምፍናው ሬሳ እቲ ፕረዚደንት ነበር ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ: ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝተፈለላየ ቦታታት ምፍናው ሬሳን ስነስርዓት ዝኽርን እቲ ፕረዚደንት ነበር ክካየድ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ምፍናው ሬሳ እቲ ፕረዚደንት ነበር ብዝተፈጠረ ምጽቅቓጥ ሓንቲ ኣደ ምስ ኣርባዕተ ደቃ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሑ ሓሰን ኣብ ትዊትር ኣብ ዝጸሓፈቶ መልእኽቲ፡ ነቶም ኣብ እዋን ሓዘን ታንዛንያ ኣብ ጎኒ ታንዛንያውያን ዝኾኑን ንመላእ ህዝቢ ታንዛንያን ኣመስጊና።
ፖሊስ ታንዛንያ ብሞት ጆን ማጉፉሊ ተላጊጾም ንዝበሎም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ትማሊ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ናይ'ታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ታንዛንያ ትርከብ ዞባ ሙምበያ ዝኾነ ኡርሊች ማታይ: እቶም ኣርባዕተ ጥርጡራት "ዕግርግር ብምልዓል ሰላም እቲ ኸባቢ ዘሪጎም" ኢሉ።
ሃገረ ታንዛንያ ብምኽንያት ሞት ፕረዚደንት ነበር ጆን ማጉፉሊ ናይ 21 መዓልታት ሓዘን ብምእዋጅ፡ ህዝባዊ ንጥፈታት ደው ክብል ኣዚዛ ኣላ።
ገለ ታንዛኒያውያን፡ ማጉፊሉ ኣንጻር ብልሽውና ብዝገበሮ ቃልሲ ከምኡ'ውን ህንጸት ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ልምዓትን ትሕተ ቕርጽን ክዝከር እዩ ክብሉ እንከለው፡ ካልኦት ድማ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ብዘይምትእንጋድ፣ ናጽነት ሚዲያን ሲቪል ማሕበራትን ብዘይምፈቃድ እዩ ዝዝከር ክብሉ ይምጉቱ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







