ጆን ማጉፉሊ: ኮቪድ ከም ዝሓመመ ክውረየሉ ዝቐነየ ፕረዚደንት ታንዛንያ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ኣብ መበል 61 ዓመቱ ከምዝሞተ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገርሳምያ ሱሉሁ ኣፍሊጣ።
ንሱ ብዝሓደሮ ሕማም ልቢ ብረቡዕ ኣብ ከተማ ዳረሰላም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ከምዝዓረፈ እታ ምክትል ፕረዚደንት ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ጠቒሳ።
ማጉፉሊ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ካብ ዓይኒ ህዝቢ ብምኽዋሉ፡ ከም ዝሞተ ዝገልጽ ወረ ክናፈስ እዩ ቀንዩ ነይሩ።
መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ማጉፉሊ ብኮቪድ-19 ከም ዝተለኽፈ እኳ እንተገለጹ ምርግጋጽ ግና ኣይተኻእለን።
ማጉፉሊ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ብዝነበሮ ጥርጣረታት ኣዝዩ ፍሉጥ ኮይኑ፤ ነቲ ቫይረስ ንምግታእ፡ ጸሎት ክግበር ባህላዊ ሕክምና ክዝውተርን ምጽውዑ ይዝከር።
"ሎሚ ተባዕ መራሒና ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ታንዛንያ ጆን ፖምፐ ማጉፉሊ ከምዝሰኣንና ክሕብረኩም ከለኹ መሪር ሓዘን ይስምዓኒ" ክትብል ምክትል ፕረዚደንት ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን ገሊጻ።
ኣብታ ሃገር ናይ 14 መዓልታት ሓዘን ተኣዊጁ'ሎ። ባንዴራ እታ ሃገር ኣብ ፍርቂ ዓንዲ ክትእሰር ምዃና'ውን ተዛሪባ።
ፕረዚደንት ጆን ፖምፐ ማጋፉሊ፡ መበል 5ይ ፕረዚደንት ሃገረ ታንዛንያ ምዃኑ ይፍለጥ።
ብመሰረት ሕገመንግስቲ ታንዛንያ፡ ሳምያ ሓሰን ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይና ቃለ ማሕላ ክትፍጽምን፡ ነቲ ዝተረፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዘመነ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ክትምልእን እያ።
ማጉፉሊ ድሕሪ ለካቲት 27 ኣብ ህዝባዊ ስፍራ እንተዘይተራእየ'ኳ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ቃሲም ማጃሊዋ፡ እቲ ፕረዚደንት ደሓን ከም ዘሎን ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ምህላውን እዩ ተዛሪቡ።
ነቲ ማጉፉሊ ምሕማሙ ዝገልጽ ወረ ድማ "ብጽልኢ ናይ ዝተመልኡ" ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ታንዛንያውያን እዩ ክብል ነጺግዎ።

ሕጽር ዝበለ ጉዕዞ ህይወት ፕረዚደንት ማጉፉሊ
- ጆን ማጉፉሊ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ታንዛንያ ቻቶ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ 1959 ተወሊዱ
- ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዳርኤሰላም ብከሚስትርን ማትስ ተመሪቑ
- ከም መምህር ናይ ከሚስትርን ቁጽርን ኮይኑ ሰሪሑ
- ኣብ 1995 ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ተመሪጹ
- ኣብ 2000 ካቢኔ ሚኒስተር ኮይኑ ተሸይሙ
- ኣብ 2015 ብረዚደንት ታንዛንያ ኮይኑ ተመሪጹ

መራሒ ናይ ተቐዋሚ ሰልፊ ዝኾነ ፖለቲከኛ ቱንዱ ሊሱ ግና ንቢቢ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ማጉፉሊ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ኬንያ ሕክምና ይግበረሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።
ማጉፉሊ፡ ሃገሩ ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ከም ዝኾነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝኣወጀ ኮይኑ፤ ማስክ ምግባር ውጽኢታዊ ከም ዘይኮነ፡ ኣብ መርመራታት ኮቪድ ጥርጣረ ከም ዘለዎን ነቲ ለበዳ ንምግታ ስጉምቲ ኣብ ዝወሰዳ ጎረባብቲ ሃገራት ከላግጽን ተሰሚዑ እዩ።
ታንዛንያ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ንደሓር ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዝምልከት ሓበሬታ ምሃብ ክተቋርጽ እንከላ፤ መንግስቲ ክታበት ከም ዘይዕድግ'ውን ኣፍሊጡ እዩ።
ብሰኑይ፡ ፖሊስ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ ምሕማም እቲ ፕረዚደንት ወረ ዘርጊሕኩም ብምባል ዝጠርጠሮም ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ።
ንክትዕ ዝቐረበ ሓድግታት (ሌጋሲ) እቲ ፕረዚደንት
ጆን ማጉፉሊ፡ ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ርጉዕን ቅድታት ክቡርነት ይኽተል ዝነበረን መራሒ ብዝተፈለየ፡ ኣብ ግዘ ስልጣኑ፡ ወጃዕጃዕ በሃሊ ኣብ ግብሪ ዘተኮረ ምስሊ እዩ ሃኒጹ።
ናይ ኢድ ኣእታውነት መሪሕነቱ፡ ብታንዛንያውያን ዝተፈተወሉን፡ ካብታ ሃገር ሓሊፉ’ውን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ነኣድቲ ክህልውዎ ዘኽኣለን እዩ።
ማጉፉሊ ንግዕዝይናን ግዕዙያትን ንምቅላስ ምሕረት ዘይብሉ ምዃኑ፡ ብብዙሓት ተፈታዊ ጌርዎ እዩ፤ በዚ ድማ ሓደ እዋን ‘ማጉፉሊ እንታይ ምገበረ’ ዝብል ሓረግ፡ ኣብ ትዊተር ኣዘራራቢ ኮይኑ ኔሩ።
ብድሕሪኡ ናብቲ መዝነት ዝመጽእ ሰብ ነቲ ቅዲ ይሰዓቦ ዶ ወላስ ካልእ ቅዲ ይከተል ኣብ ዝብል ዛዕባ ሓድጊ እቲ ፕረዚደንተ ሓያል ክትዕ ክህልው እዩ።
እንተኾነ ግና እዚ ክትዕ ካብቲ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ልምዲ ዝተፈልየ ኣይክኸውንን እዩ። ደገፍቲ ደሞክራሲ ጸኒዖም ክቕጽሉ እንከለው፡ ብዙሓት ግና ነቲ መብጽዓታት ኣብ ባይታ ብዘይ ምርኣዮም ተስፍኦም በኒኑ ኣሎ።
ስለዚ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ከም ማጉፉሊ ዝበለ ናይ ተግባር መራሒ እኳ እንተመረጹ፡ ብቕንዕና ዝመርሑ መራሕቲ፡ ዘኽብሮምን ብዛዕባ ጥዕና ፕረዚደንቶም ሓበሬታ ዘይሓብእን መንግስት ይደልዩ።
ንነዊሕ ግዘ ዝፀንሐ ሕማም ልቢ፡ ምኽንያት ሞት ማጉፉሊ ከምዝኾነ ተገሊፁ ኣሎ፤ እንተኾነ፡ ብዙሓት ብኮቪድ-19 ከምዝሞተ እዮም ዝጥርጥሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







