ናብ ታንዛንያ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝኣተዉ 1700 ኢትዮጵያውያን እሱራት ክፍትሑ እዮም

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ምንጪ ስእሊ, CITIZEN TANZANIA

ታንዛንያ 1700 ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ከምእትመልሶም ገሊጻ፡፡

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ታንዛንያ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ይገብራ ኣብ ዘለዋሉ እዋን እዩ ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ነዚ ገሊጹ ዘሎ፡፡

ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት 3100 ዜጋታት ኢትዮጵያ ካብ ማእሰርቲ ኣፍቲሑ ናብ ሃገሮም ከምዝመለሶም ኣብ ድሕረ ገጹ ዘሎ መረዳእታ የመልክት፡፡

ታንዛንያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ከምመተሓላለፊት ኮይና እትገልግል ሃገር እያ፡፡

ፕረዚደንት ማጉፉሊ ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብ ዘተኣናገደሉ እዋን ‘‘ ብምኽንያት ኣብተን ሃገራት ዘሎ ጽቡቕ ርክብ ነቶም እሱራት ብነጻ ናብ ሃገሮም ክኸዱ ከምዝፈቐድና ነጊረዮም’’ኢሉ፡፡

ካብቶም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ንኣስታት ሸውዓተ ዓመታት ዝተኣሰሩ ከምዝርከቡዎም ፕረዚደንት ማጉፉሊ ገሊጹ፡፡

‘‘ንኹሎም ንምውሳድ ሓሲብኩም ክሳብ ዝመጻኹም፡ ሎሚ መዓልቲ ዝተኣሰረ ሰብኳ እንተሃለወ ክፍታሕ ክፈቅድ እየ፡፡እዚ ድማ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ንዘሎ ጽቡቕ ርክብ መርኣዪ እዩ’’ ኢሉ፡፡

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብወገና ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ታንዛንያ ኣትዮም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተኣሰሩ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ታንዛንያ ናብ ሃገሮም ክኸዱ ብምፍቃዱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ዜጋታት ንምምላስ ዝከኣሎ ከምዝገብር ገሊጸን፡፡

ንሰን፡ መንግስቲ ታንዛንያ ብነጻ ክፍትሑ ብምፍቃዱ ንኢደን፡፡

ኣብ ዳሬ ሰላም ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ 4 ግዝኣታት ታንዛንያ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዝገበሮ ዳህሳስ 1100 ኢትዮጵያውያን እሱራት ከምዝረኸበ ኣብ ድሕረ ገጹ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡

እቶም እሱራት ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ብምእታዎም ብፖሊስ ተታሒዞም ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 2 ዓመት ዝተፈረዶም ከምዝኾኑ እውን ሓቢሩ ነይሩ፡፡

እቶም ዝበዝሑ ስደተኛታት ካብ ዞባታት ሃድያን ከንባታን ዝመጹ ከምዝኾኑ እንትግለጽ፡ ካብ ዞባታት ወላይታን ሃላባን ዝመጹ ብኻልኣይ ደረጃ ከምዝስርዑ ተሓቢሩ፡፡

ብተወሳኺ እቶም እሱራት ካብ 14 ክሳብ 46 ዓመት ዝርከቡ ተባዕትዮ ከምዝኾኑ ተገሊጹ ነይሩ፡፡