ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ “ብዘይተፈልጠ ሕማም” ይሞቱ ኣለዉ

ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጄዛን፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዓመት ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ተዳጒኖም ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ኣብዚ ሰሙን ብዘይተፈለጠ ሕማም ይሞቱ ከምዘለዉ ካብቶም ስደተኛታት ንቢቢሲ ገሊፆም።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጂዛን ብተመሓላላፊ ሕማም፡ ሓደ ስደተኛ ክመውት እንከሎ፡ ሽድሽተ ካልኦት ድማ ምልክታት እቲ ሕማም ከም ዘርኣዩን እቲ ኩነታት ከም ዘሻቖልምን ገሊፆም።

“እኹል እንምገቦ ምግብን እንሰትዮ ማይን ብዘይምርካብና እዩ እዞ ፀገም ዘጋጥመና ዘሎ። ካብ መንጎና እቶም በዚ ሕማም ዝተለኸፉ ደም እዮም ዘጉስዑ ዘለዉ። በዚ ሕማም ሓደ ሞይቱና ኣሎ። ካልኦት ሽድሽ እውን ይሳቐዩ ኣለዉ” ብምባል፡ ኩነታቶም ቅልጡፍ ኣቓልቦ ክረክብ ተማሕፂኑ።

ቢቢሲ፡ ካብቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ስቓይ ኮይኖም ደም ከምልሱን፡ ሰብነቶም ሓቢጡ ክንቀሳቐሱ ናይ ዘይኽእሉን ሰባት ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስልን ተዓዚቡ እዩ።

እዞም ስደተኛታት፡ እቲ ሓደ ብጻዮም ህይወቱ እንከይሓለፈ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ፡ ንቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሓቲቶም ምላሽ ከም ዘይረኸቡን፡ ሓክሙና ስለዝበሉ ጥራሕ ኣደዳ ማህረምቲ ከም ዝኾኑ’ውን ሓቢሮም።

“ሕክምና ይገበረልና፡ ሰባት ይተሓከሙ ስለዝበልና፡ እዚ ክልተ መዓልቲ’ዚ፡ ብወተሃደራት ስዑዲ ዓረብ መውቃዕቲን መግረፍትን ኣጋጢሙና ቀንዩ’ሎ” ብምባል ካብቲ ጸገም ዘናግፎም ሰማዒ ዘይምርካቦም ከምዘጉሃዮም ገሊፆም።

ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ምኒስቴር ጉዳያት ወፃእን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ቅድም ክብል፡ መንግስቲ፡ ነዞም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከም ዝመልሶም ንቢቢሲ ገሊጹ። ካብዚ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ከኣ፡ ኣብ ሰሰሙን ልዕሊ 200 ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ስደተኛታት ጥራሕ እዩ መሊሱ ዘሎ።

ባይቶ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ነቶም ኣስታት 30 ሽሕ ዝኾኑ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ነፍሰ ጾር ኣደታትን ዝርከቡዎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለው ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ንኣተሓሕዛኦም ብዝምልከት ቅልጡፍ ፍታሕ ክገብረሎም ተማሕጺኑ - ነቲ ዘሎ ኣተሓሕዛ ከኣ ኣትሪሩ ኮኒኑዎ።

መንግስቲ ስዑድ ዓረብ፡ ነዞም ብዕጡቓት ሑቲ ዝተሰጕ ስደተኛታት ኣህጉራዊ መለክዒ ናብ ዘለዎ ውሑስ መቐበሊ ማእከል ክወስዶም ዘተሓሳሰበ ሕብረት ኣውሮጳ፡ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርትታታ ዘጋጥም ዘሎ ዘይንቡር ኣተሓሕዛ ክትእርሞን ንኹሎም እሱራት ስነ-ኣእሙራውን ኣካላውን ክንክን ክግበረሎምን ፀዊዑ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል’ውን፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሰለስተ ስደተኛታት ከም ዝሞቱን፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ሕማም፣ ሕጽረት መግብን ማይን ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ሕክምና ንቁጽሪ መወትቲ ከምዘዛይዶ ምግላፁ ይዝከር።

ኣብ 2019 ዝወጽአ ጸብጻብ ሁይማን ራይትስ ዎች ከምዝሕብሮ፡ 90 ሚእታዊት ካብቶም ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑድያ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ምዃኖም የነጽር።

እቲ ጠንቂ ስደት ኢትዮጵያውያን ኮይኑ ዝግለጽ ቁጠባዊ ጸገማት፤ ደርቅን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ንቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ብየመን ናብ ስዑድያ ከምዝኣተዉ ይግለጽ።

ኣይኦኤም ኣብ 2019 ጥራይ ኣስታት 140,000 ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ ይሕብር።

ሁይማን ራይትስ ዎች፡ ኣብዚ መስመር ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ሰባት ዝጨውዩ ሰብ መዚ የመንን ነዞም ስደተኛታት ጅሆ ብምሓዝ ስድራ እዞም ስደተኛታት ገንዘብ ንክኸፍሉ ከምዘገድድዎም ሰነዳት ከምዘለዎ ይሕብር።