ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ የመን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት 'ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቕና' ኢሎም

በቲ ዝተኸፈተ ተኹሲ ተሰናቢኦም ዝተበታተኑ ስደተኛታትን ዝርከቡሉ በረኻበን

ምንጪ ስእሊ, Ali musetefa and Atakhlti Tadele

ኣብ የመን ኣልጋሃር ዝተበሃለት ቁሸት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ስግኣት ኮሮናቫይረስን ሓደጋ ከበድቲ ኣጽዋርን ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

መምህር ዘነበ ከበደ ሓደ ካብቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ኮይኑ፡ "ዕጡቓት ሑቱ" ከምዝኾኑ ዝገለጾም ሚሊሻታት ጠያይቲ ክትኩሱሎም ምስጀመሩ ኩሎም ስደተኛታት ከምዝተበታተኑ ተዛሪቡ።

"ኣልጋሃር ኣብ ሞንጎ የመንን ስዑድን እትርከብ ንኢሽተይ ናይ የመን ቁሸት እያ። ዶብ ስለዝኾነት ድማ ዝበዝሕ ሓበሻ ስደተኛ ኣብቲ ከባቢ እዩ ዝነብር። ብግምት ክሳብ 5 ሽሕ ንኸውን። ትማሊ ቀትሪ ድማ ብሃንደበት 20 ኣብ ዝኾና መኻይን ዝተጽዓኑ ከባቢ 200 ዕጡቓት ሑቲ ናብቲ ከባቢ ብምእታው ጠያይቲ ክትኩሱ ጀሚሮም" ኢሉ።

ንገሊኦም ስደተኛታት ከምዝሓዝዎም ዝዛረብ መምህር ዘነበ፡ ዝበዝሑ ግን በቶም ዕጡቓትን ድምጺ ጠያይትን ተሰናቢዶም ሃዲሞም ናብ በረኻ ከምዝተበታተኑ ሓቢሩ።

"ኣነን ካልኦት ምሳይ ዝነበሩን'ውን ንሃድም ስለዝነበርና መን ምዃና ኣየጻረናን እምበር ሓንቲ ተወቒዓ ዝቖሰለት ኣላ። ገሊኦም ስደተኛታት ድማ ናብ ዶብ ስዑዲ ምስሃደሙ ከቢድ ብረት ከይተረፈ ተኹሲ ተኸፊቱ" ክብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ገሊጹ።

ሽዑ እቲ ተኹሲ ብቕድሚትን ድሕሪትን [ካብ ከባቢ ዶብ ስዑድን እቶም ዕጡቓት ሚሊሻታትን] ስለዝነበረ እቶም ስደተኛታት ናብ ዝኣትውዎ ስለዝጠፍኦም ናብ ዝረኸብዎ በረኻ ምህዳሞም መምህር ዘነበ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ከባቢ በረኻ ስለዝኾነ ክትሃድም ዘኽእል ነይሩ። ናብ ኩሉ ድማ ተበቲኑ [ስደተኛ]፡ ክሳብ ሕዚ ብዘይ ማይን እኽልን እዩ ዘሎ። ናብ ስዑዲ ክትሰግር እንተፈቲንካ ከኣ ብጥዕሚ ዘፍርሕ ከቢድ ብረት'ዩ ዘሎ። ናብታ ከተማ ከይንምለስ'ውን እቶም ዕጡቓት ብኹላ ሓጺሮምዋ ኣለዉ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት ዝርከቡሉ በረኻን ጎቦን

ምንጪ ስእሊ, Zenebe Kebede

[ንመምህር ዘነበ ብስልኪ ኣብ እነዘራርበሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ድምጺ ጠያይቲ ተሰሚዑ. . .]

"ሕዚ'ኳ ትሰምዖ እንተሃሊኻ ይትኮስ ኣሎ፤ ምናልባት ካብ ስደተኛታት ዝተቐልቀለ ሰብ ኣሎ ማለት'ዩ። ብጣዕሚ ከቢድ ኩነታት እዩ ዘሎ። ተስፋ የብሉን። ናብ ውሽጢ ከይትኣትው ብረት ኣሎ፣ ናብ ድሕሪት ከይትምለስ እውን ብረት ኣሎ" ኢሉ።

ንሱ ከምዝበሎ ነብሰጾራትን ሓራሳትን እውን ኣብቲ ቦታ ምስኦም ኣለዋ።

ስግኣት ኮሮና!

ኩሎም ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ድንጋጸን ሻቕሎትን ስለዝርከቡ ናብ ሓደ ዝተኣኻኸቡሉ ኩነታት ከምዘሎ መምህር ረዘነ ይዛረብ።

"እቲ ሓማምሲ ስሙ እውን ኢኻ ትርስዖ፤ ምኽንያቱ ብምንታይ ከምእትመውት እውን ኣይትፈልጥን። ብኹሉ ገጽ ብረት ኣሎ። ብጥምየት ዲና ክንመውት?. . . ብብረት ዲና ክንመውት?. . . ብኮሮናቫይረስ ዲና ክንመውት? ኣይንፈልጥን" ክብል ነቲ ዝርከቡሉ ኩነታት ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ "ምስቲ ሕማም ብዝተሓሓዝ ብዝሓደሮም ስግኣት ይመስለኒ ነቲ ሓበሻ ኩሉ ጠቕሊሎም ኣውጺኦምዎ ኣለዉ። ከምገለ ክትብል እንተፈቲንካ ኣብ ሓደጋ ኢኻ። መጠንቀቕታ ዝበሃል'ውን ኣይህቡኻን። እቶም ናይ ስዑዲ'ውን ገና ምስረኣዩኻ ከበድቲ ብረት ናብ ቅድሜኻ ይትኩሱ" ኢሉ።

"ሃገር ዘለና ኮይኑ ኣይስምዓናን. . ."

መምህር ረዘነ ከምዝብሎ፡ ኣብታ ኣልጋሃር ዝተበሃለት ቁሸት የማን ካብ ካብ ሓደ ዓመት ክሳብ ሰለስተ ወርሕን ልዕሊኡን ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣለዉ።

እንተኾነ ብዛዕባ ዝርከቡሉ ኩነታት ዝፈልጥን ዝከታተልን ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያ የለን።

እቶም ስደተኛታት ዝተሓብኡሉ ቦታ

ምንጪ ስእሊ, Lemlem Gebremeskel

"ናይ መን ዜጋ ከምዝኾንና ዝረሳዕናሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። በዓልኻ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ንኽትወስድ'ዩ ዝደፋፍአካ። ሃገር ዘለካ ኮይኑ ኣይስምዐካን። ኣብ ስዑዲ ዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣይኮነን'ዶ ኣብዚ ሕዚ ብቐደሙ እውን ኣይጠመተናን" ይብል መምህር ዘነበ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ተስፋ ናይቶም ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከቡ ስደተኛታት ምስ መንግስቲ ስዑዲ ብዝግበር ስምምእ ናብኡ ዝሰግሩሉ ኩነታት ንኽፍጠር እዩ።

"ዘለናሉ ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይኹን ካልኦት መገዲታት ክቃላዕ እንተክኢሉ ዋላ እቲ ኣብ የመን ዘሎ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባና ክፈልጥ ዕድል ምፈጠረ" ብምባል ድማ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክበጽሓሎም ተማሕጺኑ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዶብ የመንን ስዑድን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ተመሳሳሊ ከቢድ ስግኣት ከምዝርከቡ ጸብጺብና ምንባርና ይዝከር።

እቶም ኣብ ራጎ ዝነበሩ ናብ ስዑዲ ክሰግሩ ከምዝተገበረን ኣብ ስዑዲ ዝጸንሑ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተሰጎጉን ተገሊጹ'ዩ።

ዘዘራረብናዮ ኣብ የመን ዝርከብ ጨንፈር ትካል ዓለምለኸ ስደትኛታት እቲ ፀገም ከምዘሻቕሎን ንኽፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ተዳረግቲ ኣካለት ይሰርሕ ከምዘሎን ሓቢሩ ነይሩ ።

ኮሮና
ኮሮና