ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ኮቪድ-19 ዝሓወየ ነባሪ ከተማ ኣዳማ

"ጓለይ ኣብ ኮሪደር ምስ ርኣኹዋ ሰንቢደ . . . ወዲቐ። ስድራይ ኩሎም ዝተኣከቡ'ዩ መሲሉኒ ነይሩ" ዝብል ነባሪ ከተማ ኣዳማ ዝኾነ ብኮቪድ-19 ተታሒዙ ዝነበረ በዓል ሞያ ፋርማሲ ውልቀሰብ እዩ።
እዚ፡ ሕክምና እናተገበረሉ እንከሎ ጓሉ ምስ ርኣያ ዝተሰምዖ ስምዒት'ዩ።
ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተትሓዘ ምስ ተፈለጠ ብቐጥታ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ተወሲዱ።
ኣቶ ዳግማይ በቀለ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን [ብ18 መጋቢት 20212 ዓ.ም] ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ብሕክምና ተነጊሩዎ።
እዚ ወዲ 61 ዓመት ነባሪ ከተማ ኣዳማ፡ ኣብ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ክሕከም ጸኒሑ ስለ ዝሓወየ ናብ ገዝኡ ተመሊሱ ኣሎ።
በዓል ሞያ ፋርማሲ ኣቶ ዳግማይ፡ ገለ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ምስ ርኣየ ንነብሱ ኣብ ሆቴል ወሺቡ ከም ዝተቐመጠ ይዛረብ።
"ንነብሰይ ስለ ዝተጠራጠርኹ፡ ካብዚ ክሳዕ ዝወጽእ ዋላ ሓደ ሰብ ከመይጽአኒ፤ እንተመጺኡ ግን ጓንትን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሩ ክመጽእ ኣለዎ ኢለ ንሰራሕተኛታት እቲ ሆቴል ተዛሪበዮም" ይብል።
ምልክታት እዚ ሕማም ምርኣይ ምስ ጀመረ ባዕሉ ናብ ትካል ጥዕና ከም ዝከደ ዝገልጽ ኣቶ ዳግማይ፡ ዝኾነ ሰብ ግን በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘ ክነግሮ ከም ዘይክኣለ ገሊጹ።
"ደሓር ስልኪ ደዊለ ዝምርምረኒ ሰብ ኣይኸብኩን ኢለ ንሚኒስትሪ ጥዕና ነጊረዮም፤ ካብኡ ናብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኦሮሚያ ቐጺሉ ናብ ከተማ ኣዳማ ስልኪ ተደዊሉ" ብማለት መርመራ ኮሮናቫይረስ ዝረኸበሉን እቲ ቫይረስ ከም ዘለዎ ዝፈለጠሉን ኣጋጣሚ ይገልጽ።
ኣቶ ዳግማይ፡ ኣባል ኮሚቴ ምትእኽኻብ ሓገዝ ኮሮናቫይረስ ነይሩ። መጀመርታ ደረቕ ሰዓል ከም ዝሓዞ ዝዛረብ ኣቶ ዳግማይ፡ ጸኒሑ ጎረርኡ ከሳሕዮን ከሕኽኾን ከም ዝጀመረ ይጠቅስ።
"ሰባት ኮሮና'ዶ ሒዙኒ ይኸውን ምስ ዝብሎም፤ ኣይ ሳይነስ እያ ሒዛትካ ይብሉኒ ኔይሮም"።
ቐጺሉ፡ ከቢድ ሕማም ርእሲ ከም ዝጀመሮን ሰብነቱ ምድኻም ከም ዝጀመረን ይዛረብ።
"ኩል ግዘ ኣብ ውሽጢ ናይ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሰዓት ኣፈላላይ ናይ ሰብነተይ ረስኒ ይዕቅን ነይረ፤ ንውሕ ንዝበለ እዋን ናይ ሰብነተይ ሙቐት ልዕሊ 36 ኮይኑ ኣይፈልጥን። ሓደ መዓልቲ ተመሳሳሊ ነገር ምስ ገበርኩ፡ 38 ኮይኑ፤ ኣብዚ ግዜ ኮሮናቫይረስ ተታሒዘ እየ ኢለ ጠርጢረ"።
ድሕሪ እዚ ናብ ኣኼባታት እቲ ሓገዝ ዘተኣኻኽብ ኮሚቴ ምኻድ ደው ኣቢሉ።
ኣብ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ዝነበረ ኩነታት
ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ፡ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ዝጸንሑሉን ዝሕከምሉን ማእከል እዩ።
ኣብዚ ሆስፒታል፡ ን20 መዓልታት ከም ዝጸንሐ ዝዛረብ ኣቶ ዳግማይ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ንልዕሊ 10 መዓልታት ከቢድ ሕማም ከም ዝነበሮ ገሊጹ።
"ሰብ ሞያ ሕክምና መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ ተኺሎምለይ ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ይህቡኒ ነይሮም። ኣብዚ እዋን ንተኸታተልቲ ሸሞንተ መዓልታት ማይን መግብን ኣይወሰድኩን" ዝብል ኣቶ ዳግማይ፡ መግቢ እንተበሊዑ ወይ እንተሰትዩ ከም ዘይረግዐሉ ይዛረብ።
ኣብዚ ግዘ፡ በዓልቲ ቤቱን ጓል 14 ዓመት ጓሉን ድማ በዚ ሕማም ተለኺፈን መጽኣ።
"ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልታት ሓቢአናኒ ከይነገራኒ ጸኒሐን፤ ሽዑ ብጽኑዕ ሓሚመ እየ ነይረ" ይብል።
ጓሉ በዚ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘት ከይተነግሮ ዝጸንሐ ኣቶ ዳግማይ፡ ጓሉ ኣብቲ ሆስፒታል ምስ ርኣያ ከም ዝሓዘነ ይዛረብ።
"ድሕሪ 5 መዓልቲ ክናፈስ ወጺአ ጓለይ ኣብቲ ከባቢ ምስ ርኣኹዎ ሰንቢደ ኣእውየ፤ ወዲቐ። ድሕሪኡ ስለ ዘይነገርናካ'ዩ እምበር ካብ እንሓምም እኮ ሓደ ቕነ ኮይኑና ኣሎ ኢለናኒ"።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፤ ኩሎም ኣባላት እታ ስድራ ምምሕያሽ ጥዕና ስለ ዘርኣዩ ናብ ገዝኦም ተመሊሶም ኣለው።
ብርግጽ፡ ኣቶ ዳግማይ ብመሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ ከም ዝትንፍስ ነጊሩና። "ከማይ ንነብሱ ዝጥንቀቕ ሰብ የለን' ዝብል ኣቶ ዳግማይ ህዝቢ ብዛዕባ እዚ ሕማም ኣጸቢቑ ክፈልጥ ኣለዎ ይብል።
ውድብ ጥዕና ዓለምን ሚኒስቴር ጥዕናን ዝህቡዎ ምኽርታት ከተግብር ከም ዘለዎ ድማ የዘኻኽር።
"ካብ ገዛ ክወጽኡ ዘገድዶም ምኽንያት ዘይብሎም ሰባት ኣብ ገዝኦም ኾፍ ክብሉ ኣለዎም። ኣብ ገዛ ኾይንካ ድማ መጽሓፍ ምንባብ፣ ኣካለዊ ምንቅቓስ ምግባር የድሊ። ብዛዕባ ነብስና እንሓስብ ሰባት እንተኾይንና ንህዝብን ሃገርን ክንሓሊ ስለ እንክእል ንጠንቀቕ" ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







