ስዑድ ዓረብ፡ ሰማዒ ዝሰኣኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, LINGO WEYN
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ዶባት የመንን ስዑድ ዓረብን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣብያተ-ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ፡ ኣብ መጻብቦ ሞት ከምዝርከቡ ምንጭታት ቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብዘን ኣብያተ-ማእሰርቲ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ካብ ዝተዳጎኑ ግዳያት፡ ክሳብ ሕዚ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም፤ ካብዚኦም እቲ ሓደ ብኣካላት ፀጥታ ስዑድ ዓረብ ከምዝተቐተለ ይግለፅ።
ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ሞንጎ ስዑድ ዓረብን የመንን ኣብ ዝርከብ ዶብ፡ ኣብ ራጎን ኣብ ኣልግሃርን ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ሑቲን ስዑድ ዓረብን ብዝነበረ ኲናት፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ዓረር ተቐርቂሮም ዝነበሩ እዮም።
ስዑድ ዓረብ፡ ነዞም ኣብ ራጎን ኣልግሃርን ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ግዝኣታ ክኣትዉ ምስፈቐደት፡ ካብ ሞት ወጺኦም ብሂወት ናይ ምንባር ተስፋ እኳ እንተነበሮም፡ ዳሕራይ ኣብተን ዝተጠቕሳ ኣብያተ-ማእሰርትን ካልእን ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝርከቡ፡ ካብቶም ስደተኛታት ዝተላእኸልና ተንቀሳቓሲ ምስሊ የርኢ።
እቶም ምንጭታት፡ እቶም ግዳያት ብሰንኪ ዓሌቶም ካብ መንግስቶም ሓገዝ ከምዘይረኸቡን፡ ክሳብ ሕዚ ንኣውያቶም ዝምልስ ድምፂ ከምዘይሰምዑን፡ ኣብ ፃዕረ ሞትን ከቢድ ሕማማትን ከም ዝርከቡ ንቢበሲ ገሊፆም።
"በይዛኹም ካብዚ ሞት እዚ ኣውፅኡና"
ካብ የመን ኣልግሃር ዝመፅአ ስደተኛ፡ እቶም እሱራት ተዳጒኖምሉ ዝርከቡ ክፍሊ፡ ቤት-ማእሰርቲ እዩ ንምባል ከምዘይከኣልን፡ ኣብቲ ንሱ ዝርከበሉ ክፍሊ ልዕሊ 1000 ሰባት ኣብ ሓደ ተፀፋፂፎም ከምዝርከቡ ሓቢሩ።
"ኣብ ሽቓቕ ኢና ንድቅስ፣ ኣብ ሽቓቕ ንበልዕ፣ ካብ ሽቓቕ ማይ ንሰቲ። እታ ማይ'ውን ኣብ ሳልስቲ ሓንሳብ እያ ትመፅአና። ሕዚ ዝረድኣና ሰብ የለን። እቲ እንነብረሉ ዘለና ቦታ ይትረፍ ክትድቅሰሉ ንምርኣዩ እውን ዘፅልእ እዩ። ኣብ ነብስና ፍታን ይፈሰና ኣሎ" ብምባል ዘለውዎ ሃለዋት ይገልጽ።
ካብ ሞንጎኦም ዝሞቱ ሰባት እኳ እንተለው፡ ዛጊድ ዝረድኦም ከምዘይረኸቡ ሓቢሩ።
"ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰለስተ ሰብ ሞይቶምና ሱቕ ኢሎም ተጓሒፎም ኣለዉ። ሕዚ ባዕሉ ሓደ ክመውት ዝቐረበ ሰብ ኣሎ። ንዓና ዝረድእ ሰብ መን ምዃኑ ኣይንፈልጥን፤ መፍትሒ ስኢንና። ነዚ ትሰምዑ በይዛኹም ርድኡና። ካብዚ ሞት ኣውፅኡና" ብምባል፡ ዝምልከቶን ዝኽእልን ዘበለ፡ ካብቲ ዘለውዎ መንቀራቕሮ ሞት ንከውጽኦም ተማሕጺኑ።
ኣብ ካልእ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከብ ካልእ ስደተኛ ድማ፡ "ኣብ ሓደ ገዛ 150 ሰብ ኢና ተኣሲርና ዘለና። ብጥምየትን ብቁማልን ሓሲኽና ኣለና። በጃኹም ህዝቢ ትግራይ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተራድኡና" ይብል ተስፋ ብዝቐበፀ ኣንደበት፡ ካብቲ ቋሕ ኢልካ ሰማይ ቋሕ ኢልካ ምድሪ ዝኾነ ፀበባ፡ ዘውፅኦም ብምእላሽ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ክቕበል ቅሩብ ኣይኮነን"
ኣመራርሓ ኮምዩኒቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣይተ መሓሪ በላይ፡ ኮረናቫይረስ ምስ ተርኣየ እቶም ምልሻ ናይ ሑቲ ነቶም ስደተኛታት ኣባሪረሞም። ስዑዲ ዓረብ ድማ በራ ከፊታ እኳ እንተእተወቶም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ነቶም ስደተኛታት ንምቕባል ቅሩብ ከምዘይኮነ ገሊፁ።
"ስዑድ ዓረብ፡ ናብ ዓዶም ክትሰዶም መደብ ሒዛ ነይራ። ናትና ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ግና፡ ነቶም ስደተኛታት ንምቕባል ቅሩብነት ስለዘየርኣየ፡ ክሳብ እንዳሎ ኣብኡ ክፀንሑ ኣለዎም ስለዝበለ፡ ኣብዚ ተዓጽዮም ኣለዉ። ልዕሊ 11 ሽሕ ስደተኛታት ኢና ንቕልብ ዘለና" ኢሉ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ስለዝመልኡ ድማ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝኾነ ናይ ወተሃደር መዓስከራት፡ ተደርብዮም ኣብ ኣዐርዩ ሕሱም ዝኾነ ኩነታት ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊፁ።
"ከም ኮምዩኒቲ ዝከኣለና ንገብር ኣለና፡ ግና ብኣና ዝፍታሕ ፀገም ኣይኮነን ዘሎ። እቲ ናይ ምግዕዓዝ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለዝኾነ ግና፡ ጠጠው ኢልና ኣለና" ዝብል ኣይተ መሓሪ፡ እቶም ኣብ ኢሚግሬሽን ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ቦታ ዝርከቡ ስደተኛታት ግና ዝያዳ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ሓቢሩ።
ከም ኮምዩኒቲ ኢትዮጵያ መዓልታዊ ዜጋታት ስለዝሞቱ፡ ንቆንስላ ከምዘፍለጥዎምን፡ እንተኾነ፡ "ንሰርሐሉ ኣለና ኢና። ንጉዳያት ወፃኢ ንፅበ ስለዘለና ተፀበዩና" ዝብል መልሲ ከምዝወሃቦም ብምሕባር፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ'ውን፡ ቅዳሕ ደብዳበ ስለዝፀሓፈሎም እቲ ጉዳይ ከምዝፈልጥዎ ይዛረብ።
እዞም ስደተኛታት፡ ኣብቲ ፈለማ ስሞም እኳ እንተተመዝገበ፡ ብድሕሪኡ ግና ዝምልከቶም ኣካላት ኣይተመልሱዎምን። በዚ ከኣ ኣስታት 95% ተጋሩ ምዃንና ስለዝተፈለጠ እዩ፡ ሰማዒ ስኢንና ዝብል ስምዒት ከምዘሕደረሎም ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, ALI MUSETEFA AND ATAKHLTI TADELE
ኣይተ መሓሪ ግና፡ "እቶም እሱራት ኣብ ፀገም ስለዘለዉ ብዙሕ ክዛረቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ዘለና ናይ ኮምዩኒቲ ኣመራርሓን ናይ ቆንስላ ተወከልትን ተጋሩ፡ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እንተዘይኮይኑ፡ ንሰርሕ ኢና ዘለና። ጫማ ንዘይነበሮም ካብ ሕብረተሰብ ኣዋፂእና ክንገዝእ ፈቲንና ኢና። ሳሙናን ማስክን እውን ከምኡ" ይብል።
ኩነታት እቶም ስደተኛታት ብዝምልከት፡ "ብሙሉኡ ትኽክል እዩ። ግን ድማ ኣማራጺ ኣይተረኸበን፤ ምኽንያቱ እቲ ናብ ዓዲ ክምለሱ ዘይምግባር ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ንሕና እውን ንጠርዐሉ ዘለና፡ ኤምባሲ ነዚ ናይዚ ዓዲ መንግስቲ ፅዕንቶ ብምፍጣር፡ ናብ ዝሐሸ ቤት-ማእሰርቲ ክቕየሩ ዝኽእልሉ ዕድል ንክፍጠር ከቢድ ሕቶ ነቕርብ ኣለና" ብምባል፡ ሓጋዚ ክርከብ ከምዘይተኽኣለ ሓቢሩ።
ክሳብ ሕዚ፡ ኣብተን ኣብያተ-ማእሰርቲ ብዘሎ ምፅቕቓጥ ዝተፈጥረ ሕማማት፡ ሽድሽተ ስደተኛታት ሞይቶም ኣለዉ።
እቶም እሱራት ምስቲ ዘለዎም ጭንቅን ሕማቕ ኣተሓሕዛን፡ ማዕፆ ሰይሮም ንምህዳም ዝፍትንሉ ኩነታት ከምዘሎ ዝገልፅ ኣይተ መሓሪ፡ ሓደ ድማ ካብ ኣካላት ፀጥታ ብዝተተኮሰ ጥይት ከምዝተቐተለ ይሕብር።
"እዚ በዓልትና እውን ከይድና ዝራእናዮ እዩ። ብሕማም ደረጃ ግና መዓልታዊ እዮም ዝሞቱ፡ ኣብ ናይ ኢምግሬሽን ዘሎ ቤት-ማእሰርቲ ሰሙናዊ ሞት የጋጥም እዩ። ኣንፀርፂሮም ዝሞቱን ዝቕበሩን፡ ብጣዕሚ ብዙሓት ሰባት እዮም" ኢሉ እቲ ቁፅሪ ካብኡ ንላዕሊ ክዛይድ ከምዝኽእል ብምሕባር።
ኣብዚ ጉዳይ፡ ንጉዳያት ቆንስል ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ንኣይተ ዓብዱ ያሲን ኣዘራሪብናዮ። ይኹን'ምበር እቶም ስደተኛታት ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ይርከቡ ዝብል ኣይቕበሎን።
"ብወገንና፡ ኣብ ሰለስቲኡ ቤት-ማአሰርቲ ዝነበሩ ኩሎም ኣብ ጅዳ ናብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ ኣግዒዝናዮም ኢና። እንተኾነ ኣብ ሓፈሻዊ ጉዳያት ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጉዳያት ቆንስላ እንተደወልኩም ይሓይሽ" ብምባል ኣብዚ ጉዳይ፡ ልዕሊ'ዚ ክዛረብ ከምዘይኽእል ሓቢሩ።
ስለምንታይ ሱቕታ መንግስቲ ኢትዮጵያ?
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ካብ ስዑድ ዓረብ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሰለስተ በረራ ብምክያድ፡ ኣስታት 12 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘግዓዘ ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፡ ዳይሬክተር ጀነራል ቆንስላዊ ጉዳያት ኣይተ ዮውሃንስ ሾዴ ይገልፅ።
ይኹን'ምበር ይብል እቲ ዳይሬክተር፡ "ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ምስተኣወጀ፡ እቶም ዝተረፉ ኣብ ማእከል መወሸቢ ከምዝጸንሑ ኮይኖም፡ እቶም ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት-ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ግና፡ ኣብቲ እዋን ዘይነበሩን ኣብ ዶብ ስዑድ ዓረብን ኣብ የመንን ኣብ ዱር ዝነበሩን ብደላሎን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝወፅኡን እዮም" ብምባል፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንጉዳይ እቶም ስደተኛታት ከምዝፈልጦ ኣረጋጊፁ።
"ስዑድ ዓረብ ብሰንኪ እዚ ዓለማዊ ሕማም፡ ሰባት ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ዓፅያ እያ ነይራ፤ የመን'ውን ከይትወስዶም ንባዕላ ዓንያ እያ ዘላ። ስለዚ እዞም ሰባት ከይድና እኳ ክንመልሶም ኣብ ዘይንኽእለሉ፡ ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበሩሉ፡ ኣብ በረኻ ሞይቶም ከይውድኡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ስለዝተዛራረበ እዩ፡ እታ ሃገር ኣስታት 12 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገራ ከምዝኣትው ገይራ"ኢሉ።
"ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣተዉ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ብምግላፅ፡ ስም ዝርዝሮም ምስ ወሰድኩም፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ብድሕሪኡ ንምንታይ ሱቕታ መሪፅኩም?" ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ።
"መንግስቲ እታ ሃገር ንምንታይ ነቶም ስደተኛታት ግቡእ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ኣቕሚጥዎም፡ ንሕና ኣይንፈልጥን። ስዑድ ዓረብ ሉኣላዊት ሃገር ስለዝኾነት እቲ መንግስቲ ኣይቅበልን ናይ ምባል መሰል'ውን ኣለዎ። ቅድሚ ሕዚ ንዝነበሩ ግና ኣብ ውሑስ ቦታ የቐምጦም ከምዝነበረ ኢና ንፈልጥ። ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኮይኖም ፅቡቕ ሂወት ክነብሩ ኣይኽእሉን" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF FOREIGN AFFAIRS
መንግስቲ፡ ማእከላት መወሸቢ ብምድላው፡ ናብ ሕብረተሰብ ዝሕወስሉ መገዲ ብምንዳይ፡ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ በብዙር ናብ ሃገሮም ንምግዕዓዝ ቅድመ ምድላው ከምዝገበረ ድማ ንቢበሲ ገሊፁ።
"ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ፡ በብተራ ከምዝግዕዙ እዩ ዘለኒ ሓበሬታ። ብዝሖም ኣብዚ ብዘዳለናዮ መጠን መወሸቢ ማእከል እዩ ዝውሰን። ንኣብነት፡ ኣብ ፈላማይ ዙር 200 እንተምፂእና፡ ንሳቶም ን14 መዓልቲ ተወሺቦም ተመርሚሮም ናፃ ምዃኖም ተረጋጊጹ ምስ ወፅኡ ድማ፡ እቶም ዝተረፉ ክነግዕዞም ኢና" ኢሉ እቲ ዳይሬክተር።
ኣይተ ዮውሃንስ ሾዴ፡ ሞት እቶም ሽድሽተ ስደተኛታት ከምዘይፈልጡን፡ እቲ ሓደ ግና ብኣካላት ፀጥታ ከምዝተቐተለ ኣረጋጊፁ።
"ክሃድም ክብል ብጥይት ከምዝተወቕዐ ሓበሬታ በፂሑና እዩ። ኣብ ወፃኢ ሃገር ክሳብ ዘለዉ፡ ሕጊ እታ ሃገር ኣኽቢሮም እዮም ክነብሩ ዝግባእ። እቲ ዝተቐተለ ማዕጾ ሰይሩ ክሃድም ምፍታኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንካልኦት'ውን ከነዓዕብ ከምዝፈተነ ሓበሬታ ኣለና" ብምባል፡ ብዛዕባ እቶም ሞይቶም ዝበሃሉ ካልኦት ሽድሽተ ስደተኛታት ግና ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊፁ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ'ከ?
ንምዃኑ እዚ ጉዳይ መንግስቲ ክልል ትግራይ ይፈልጦ'ዶ? ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምዝርራብ፡ ነዞም ስደተኛታት ካብዚ ሕሱም ኩነታት ንምውፃእ ዝገበሮ ፃዕሪ ይህልው'ዶ? ቢቢሲ ትግርኛ ንቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን እቲ ክልል ሓቲቱ ነይሩ።
ምክትል ሓላፊት ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ንግስቲ ወልደሩፋኤል፡ "እዚ ናይ ክልል ቢሮ እዩ፡ ብዛዕባ ኣብ ደገ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን፡ ብወፃኢ ጉዳያት ኣቢልካ እዩ ዝፍለጥ፤ ንሕና ናብዚ ምስመፅኡ ንገብሮ ክትትል ኣሎ። ኣብኡ ኮይኖም ግና 'ንሕና ክልላዊ መንግስቲ ስለዝኾንና ምስኣቶም ንራኸበሉ መገዲ የለን፡ ምስ መፅኡ ግና ተቐቢልና ናይ ምትእንጋድ ስራሕቲ ናትና እዩ ዝኸውን" ዝብል ምላሽ ሂባ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







