የመን፡ ዝኸፍአ ዓለማዊ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት

ኣብ ዓለምና እቲ ዝኸፍአ ተባሂሉ ንዝንገረሉ ሰብኣዊ ቅልውላው የመን ንምፍታሕ፡ ህይወት ሚሊዮናት የመናውያን ንምድሓን ንዝተላእከ ናይ መግቢ ረዲኤት ንምቁጽጻር ደረት ዘይብሉ ምስሕሓብ ይካየድ ኣሎ።
ዓበይቲ ለገስቲ ሃገራትን ትካላት ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝን በቶም ኣብ ዝሰፍሐ ክፋል ሰሜናዊ የመን ድርኺት ዘለዎም ዕጡቓት ሑቲ ንዘጋጥም ዘሎ ዘይንቡርን ዘይቅቡልን ዝተባህለ ዕንቅፋት ንምዝታይ ጽባሕ ሓሙስ 13 ለካቲት ኣብ ብራስለስ ዋዕላ ክገብሩ`ዮም።
ኣብታ ሃገር ብዘሎ ኩናት ህይወት ሚሊዮናት የመናውያን ኣብ ረዲኤት`ዩ ዝምርኮስ። ኣብ ቀረባ እዋን ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ንኸይኣቱ ብዝግበር ዘሎ ምትዕንቓፍ ህይወት ኣስታት 6.7 ሚልዮን የመናውያን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ተገሊጹ።
እዚ ኣሃዝ`ዚ ድማ ኣዝዩ ዘሰምብድ "ፈጺሙ ተራእዩ ዘይፈልጥ" እዩ ሕቡራት ሃገራት።
"ትካላት ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሰብኣዊ ስርዓት/ኣገባባት ክዕቅባሉ ኣብ ዝኽእላ ሃዋሁ ክንቀሳቐሳ ይግብአን" ድማ ኢላ ኣወሃሃዲት ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ህቡራት ሃገራት ኣብ የመን ሊስ ግራንደ።
"ከምኡ ክንገብር ዘኽእለና ሃዋሁ እንተዘይሃልዩና ግን፡ ክንልውጦ እንኽእሎ ዘበለ ኩሉ ነገር ክንገብር የድልየና" ድማ ኢላ።
ዋላ ኣብ`ዛ ናይ ኣፍን ዕርበትን እዋን`ውን እንተኾነ መፍትሒ ንምንዳይ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሑቲ ዘተ ይካየድ ኣሎ።
ናይ ኣዋርሕ ርክባት፣ ናብ ርእሰ-ከተማ ሰንዓን ልኡኻት ምስዳድ፡ እቲ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተላእከ ተኸታተልቲ ምሕጽንታ፡ ነቲ ዘጋጥም ምድንጓይ መሕለፍ ፍቓድን ምስርጣይን፡ ምእሳርን ሰራሕተኛታት ክፈትሕ ኣይከኣለን። ሓደ በዓል መዚ ትካል ወሃብ ረዲኤት ድማ ብዛዕባ`ቲ "ሕሉፍ ተጻባኢ ሃዋሁ" ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ።
እቲ ላዕለዋይ ባይቶ ምምሕዳርን ምውህሃድን ሰባኣዊ ጉዳያት [Supreme Council for the Management and Co-ordination of Humanitarian Affairs (SCMCHA)] ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ብዕጡቓት ሑቲ ዝቖመ ኣካል፡ ናብ የመን ንዝኣቱ ሰባኣዊ ሓገዛት ንምቁጽጻር ክጥዕሞ ኢሉ ነፍሲ ወከፍ ለጋሲ ትካል ክልተ ሚእታዊ ካብ መንቀሳቐሲ ባጀቱ ቀረጽ ክኸፍል ምስ ኣገደደ ድማ`ዩ ስክፍታታት ሰማይ ዓሪጎም።
"እዚ [መጠን ቀረጽ`ዚ] ብዙሕ`ዩ" ኢሉ ሓደ ከም ኩለን`ተን ኣብ የመን ዝንቀሳቐሳ ትካላት ወሃብቲ ረዲኤት ብምኽንያት ተኣፋፍነት ናይ`ዚ ጉዳይ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ በዓል መዚ። "ነቲ ኲናት ምምዋል ክመስል ይኽእል`ዩ" ድማ ኢሉ።
"ምስ ትካላት ወሃብቲ ሓገዝ ዝኾነ ይኹን ዘይምቅዳው ክህልወና ኣይንደልን ኢና" ኢሉ ሓላፊ ጉዳያት ዓለማዊ ምትሕብባር ላዕለዋይ ባይቶ ምምሕዳርን ምውህሃድን ሰባኣዊ ጉዳያት ማነ ኣል ዓሳል።
"ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ዓሊምና ብሓባር እንተሰሪሕና ዘየሰማምዕ ነገር ክህልወና ከምዘይክእል ሓቢርናዮም። ፖለቲካዊ ሰሃሮ ግን ከርእዩ የብሎምን" ኢሉኒ ኣብ`ታ ብወግዓዊ ስሞም ዓንሳር ኣላህ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓት ሑቲ ካብ 2014 ኣትሒዞም ዝተቖጻጸርዋ ከተማ ሰንዓ ምስ ረኸብክዎ። ኣበሃህላኡ ወቐሳ ነተን መብዛሕትኡ እዋን ብዓይኒ ጥርጣረ ዝረኣያ ምዕራባውያን ትካላት ረዲኤት ቀዳምነታተን ናይ ወጻኢታተንን የስምዕ።
ኣብ ጉዳይ`ቲ ዘተኣኣታተውዎ ቀረጽ ድማ፡ "ብኽርደና ንሳቐየሉ ኣብ ዘለና እዋን ዕደላ ረዲኤት ንኸነዋሃህድ ገንዘብ እንተተሓተትና ዋላ ሓደ ሕማቕ ነገር የብሉን" ኢሉ። እቲ ኣንጻር ብኢራን ዝድገፍ ሑቲ ዝዋጋእ ዘሎ ብሱዕዲ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን ኣብ ልዕሊ ወደባትን ግዝኣት ኣየርን ዘንበሮ እገዳ ድማ`ዩ ክርደና ዝበሎ። ከይደንጎየ ድማ እቲ ቀረጽ ተኣሚሙ ደኣ`ምበር ኣይተተግበረን ኢሉ።
"ከምዚ እትርእዮ ረዲኤት`ዚ፡ መዓልቲ መጠቀሚኦም ዝሓለፈ [ኤክስፓየር ዝኾኑ] ወይ ከኣ ዝተበላሸወ መግቢ እንተመጺኡ ንኽልክሎ፡ ምኽንያቱ የመናውያን ክሓሙ ኣይንደልዮምን ወይ ነቲ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመታት ከነጋድዶ ኣይንደልን ኢና" ኢሉ ንሱ፡ ናብ ብሓደ ግብረ-ሰናይ ትካል ንዝመጽአ መድሃኒታት እናኣመልከተ።
ኣብ`ቲ ወደብ ኣብ ጥቓና ንዝነበረ ናይ እትወት/ሰደድ ኣቑሑ ዝጥርነፈሉ ሳንዱቕ [ፓሌታ] እናኣመልከትኩ ናይ መጠቀሚ ዕለቱ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ከምዝወድቕ ምስ ሓበርኩዎ ድማ፡ እቲ መስርሕ ምጽራይ ሰነዳት ክሳብ ዝጻፈፍን ዕደላ ዝጅመርን እዚ ኣትርእዮ ረዲኤት`ዚ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክኸውን`ዩ ኢሉኒ።

ምስ ብዙሓት ሓለፍቲ ኣብ ሰሜናዊ የመን ዝነጥፉ ዘይመንግስታውያን ውድባት ድማ ኣብ ዝገበርኩዎ ዕላላት`ውን ተመሳሳሊ ዛንታ ሰሚዐ። ዝኣተወ ኣቑሑ፡ ምጽፋፍ ሰነዳቶምን ስለዝጓተትን ፍቓድ ስለዝኽላእን ኣብ መኽዘን ተቐሚጦም ይዕስዉ።
ገለ መንግስታት ተሪር ስጉምቲ ንምውሳድ የዕጠጥዩ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ሰላም ንምምጻእ ገና ጀማሪ ዝኾነ ጻዕርታት ብኣሉታ ክጸልዎ`ዩ ኢለን ይሰግኣ።
ዓበይቲ ለገስቲ ትካላት ግን በቲ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪን ሕግታት ሰብኣዊነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታውን ሻቕሎተን እናዓበየ ከምዝመጽአ ይንገር።
ሰማንያ ሚእታዊ ካብ ህዝባ ኣብ ረዲኤት ኣብ ዝምርኮሰላ ሃገር ተወሳኺ ዘሕዝን ፍጻመ`ሎ። "እዚ ነገር`ዚ ድቃስ ይኸላኣኒ`ሎ" ክብል ሓደ በዓል መዚ ተናዚዙ። "ብዘይ ረዲኤት መግቢ ብቐሊሉ ብዓጸቦ ክጥቅዑ ካብ ዝኽእሉ ህዝቢ ክንሃድም ንኽእል`ዶ?" ክብል ድማ ሓቲቱ።
እቲ ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ዝካየድ ዋዕላ፡ ረዲኤት ደው ምባል ሓዊስካ ሓባራዊ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ትጽቢት ይግበር። "ብሪጣንያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኸመይ እቲ ዝወሃብ ረዲኤት ኣብ`ቶም ክሕገዙ ዘለዎም ሰባት ከምዝበጽሕ ውጥን ኣብ ምውጻእ መሪሕ ተራ ክጻወት ትጽውዕ ኣላ" ኢሉኒ ኣፈኛ ክፍሊ ዓለማዊ ምዕባለ ብሪጣንያ።
"እቶም ተደለይቲ ኩነታት መሊስና ክሳብ እንረኽቦም ዝተፈልየ ኣንፈት ክንወስድ ከድልየና`ዩ። ንሱ ሓላፍነትና`ዩ" ኢላ እታ ንልዕሊ 14 ሚሊዮን ህዝቢ ንምሕጋዝ ዝነጥፍ መደብ ንምውሓስ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሑቲ ኣብ ዝግበሩ ዝርርባት መሪሕ ተራ እትጻወት ሊስ ግራንደ። "እንትሓባበረሎም መንገድታት ንምንዳይ ድሉዋት ኢና"።
ትካላት ረዲኤት ብዛዕባ ኣብ`ታ በቲ ናይ ሱዕዲ ኪዳን ዝድገፍ ደቡባዊ የመን ዘለዉ ዕንቅፋታት`ውን ስክፍታታቶም ይገልጹ`ዮም። እቶም ናይ መንግስቲ ቅሳበ/ምስግዳድ ግን ምሒር ተረርቲ ኣይኮኑን።
ኣብ`ታ ሓንቲ ካብ`ተን ብዂናት፣ ሕማማትን ምምዝባልን ኣዝየን ዝተሃስያ ሰሜን ምዕራባዊት ኣውራጃ ሓጃ ምስ በጻሕና፡ ንሓደ ካብ`ቶም ቀንዲ ናይ`ቲ ምፍጣጥ ንኽንዕዘብ ብሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ሑቲ ተዓዲምና።

" ኣብ`ዞም ከረጺታት ሓሳኹ ምስ እትርእዩ፡ ብሓቂ እዝስ ሰብ ክበልዖ ድዩ?" ኢሉ ብሕርቃን ሓቲቱና ዓላን ፋዳይል፡ ንሓንቲ ሕሩጭ ስርናይ ዝሓዘት ከረጺት እናቐደደ።
ኣብ`ዚ መኽዘን`ዚ ሰማያዊ ትእምርቲ ናይ ትካል መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዳብልዩ ኤፍ ፒ] ካብ ዝተጻሕፎም ከረጺታት ወረር ወረር ዝብሉ ዕስለ ሓሳኹ ኣርእዮሙና። ዳብልዩ ኤፍ ፒ ኣብ`ቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ንጥፈታቱ ዘካይደሉ ቦታ ንእሽቶ ሚእታዊ መግቢ ክበላሾ ከምዝኽእል ተኣሚኑ፡ እንተኾነ ግን ንዕኡ ዝውግነሉ መንገዲ ከምዘለዎ ሓቢሩ። ነዚ ሓሪጭ ንምዕዳል ንሓያሎ ኣዋርሕ ፍቓድ ክጽበ ከምዝጸንሐ ከኣ ሓቢሩ።
ዳብልዩ ኤፍ ፒ፡ ዓሚ ኣብ ሓደ ከባቢ ናይ ሰንዓ ንሰለስተ ኣዋርሕ ምዕዳል ረዲኤት ኣቋሪጹ ነይሩ። እዚ ስጉምቲ`ዚ ረዲኤት መግቢ ብዕጡቓት ሑቲ ሓዊስካ ኣብ ዘይመዓልኡ ይውዕል ኣሎ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ባዮሜትሪካዊ ስርዓት ተጠቒምካ ንምቁጽጻሩ ኣብ ዝወጽአ ውጥን ዘይምርድዳእ ድሕሪ ምፍጣሩ`ዩ ተወሲዱ።
እቲ ግዝያዊ ምቁራጽ ድማ ነዚ ሓድሽ ስርዓት ኣብ ምትእትታው ሓጊዙ።
"ብዙሕ ኢና ተሳቒና፡ ብዙሕ" ኢሉና ነባሪ ናይ ሓደ ከባቢ። ቀጺሉ ክውሰድ ብዝኽእል ስጉምቲ ብዝተጨነቑ እኩባት ሰባት ተኸቢብና እንከለና ድማ፡ ኣብ ምርኩስ ስንኩላን ተመርኲሱ ኣዕሚቑ እናስተንፈሰ "ረዲኤት ዳግማይ ከየቋርጽዎ ብዙሕ ተስፋ ንገብር" ኢሉና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







