ላዕለዋይ ሓላፊ ብልጽግና ታየ ደንደኣ ክልተ ሚልዮን ቅርሺ ተሰሪቐ ኢሉ

ታየ ደንደኣ

ላዕለዋይ ሓላፊ ብልጽግና ታየ ደንደኣ፡ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ክልተ ሚልዮን ቅርሺ ከምዝተሰረቐ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ርእሲ እቲ ገንዘብ፡ ካብ መኪንኡ 'ላፕቶፕ' ኮምፒዩተርን ንስራሕን ንውልቀን ዝጥቀመሎም ክልተ ጥራዛትን ከምዝተሰረቀ'ውን ይገልጽ።

እቲ ስርቂ ብኸመይ ከም ዝተፈጸመ ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ 'ሆቴል ቢን ኢንተርናሽናል' መኪንኡ ደው ኣቢሉ ንምሳሕ ከምዝኣተወን፤ ናይ መኪንኡ ማዕጾ ብ 'ማስተር' መፍትሕ ተኸፊቱ እቲ ስርቂ ከምዝተፈጸመን ኣብሪሁ።

ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ስልጠና ይወሃብ ምንባሩን፡ እቲ ገንዘብ ንሰልጠንቲ ዝኽፈል ኣበል ከምዝነበረን የረድእ።

ድሕሪ'ቲ ስርቂ፡ ናይ ታየ ጥራዝ ኣብ ኢደይ ኣትዩ'ሎ፡ ኢሉ ኣብ ፌስቡክ ዝጸሓፈ ሰብ ከምዝነበረን፡ ነዚ ጉዳይ ድማ ናብ ሕጊ ከምዝወሰዶን ተዛሪቡ።

እቲ 'ናይ ታየ ጥራዝ ኣብ ኢደይ ኣትዩ'ሎ ኢሉ' ኢሉ ጽሒፉ ዝተብሃለ ውልቀሰብ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፖለቲካዊ ርእይቶ ብምሃብ ዝፍለጥ ደረጀ ቤጊ እዩ።

ብዛዕባ'ዚ ቢቢሲ ዘዛረቦ ኣይተ ደረጀ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ጥራዝ ብ 'ኢንቦክስ' ከምዝተላእኸለይ ብምግላጽ እየ እቲ ጥራዝ ከምዝተሰረቐ ገሊጸ ኢሉ።

"ብውሽጢ እዩ ተላኢኹለይ፤ ክጥቅዖ እንከለኹ'ውን [ብኢንቦክስ] እዩ ተላኢኹለይ ኢለ እየ። ታየ ከምዝተሰርቀ ዝፈልጦ የብለይን" ኢሉ።

ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ከኣ ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ገበን ስርቂ፡ ምጽራይ ይገብር ምህላዉ ንቢቢሲ ገሊጹ።