'ምልክዕትን ተጻዋቲትን ነይራ፡ ኣታሊላትኒ ድማ'

ኣብ ጸልማት ጠጠው ዝበሉ ወድን ጓልን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቶማስን ቶንያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እዮም ተፋሊጦም፤ ብዛዕባ ዝፈትውዎ ልምዲ ጉዕዞን ዝውንንዎም ኣኽላብን ብቐጻሊ ንምዕላል ግዘ ኣይወሰደሎምን።

ብምሒር ፍትወት ቀልቡ ዝጠፍኦ ወዲ 31 ዓመት ቶማስ፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓባር ህይወቶም ይሓስብ ነበረ፤ ኮይኑ ግና ቶንያ መጭበርበሪት እምበር ናይ ፍቕሪ ሰብ ኣይነበረትን።

"ኣነን ቶንያን ብዙሕ ዘመሳስሉና ነገራት ነይሮም፤ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ድማ መዓልታዊ ብስልኪ ነዕልል ነይርና። ጽብቕቲ፣ ተጻዋቲትን ለዋህን እያ ዝነበረት" ብምባል ይዝክራ።

"ሕዚ ኾይነ ክሓስቦ፡ ክተታልለኒ ክንደይ ዝኣክል ቀሊል ከምዝነበረ ምእማን'ዩ ይኣብየኒ። ገንዘበይ ንምውሳድ፡ ውልቃዊ ምስጢራተይ ክህባ ኣብ ዝገብረኒ መጻወድያ ኣእትያትኒ ከምዝነበረት ኣይተረደአንን" ይብል።

ናይ ምትላል ልቓሕ

ቶማስ፡ ግዳይ ናይቲ ኮነ ተባሂሉ ዝተምሃዘ ናይ ሕሶት ዛንታ እዩ። ቶንያ ወለዳ ከምዝሞቱን፡ ብሕማም ካንሰር ምስ ዝተጠቕዐት እኖ ሓጎኣ ከም እትነብርን ነጊራቶ።

ንምግብን ክቡር መድሓኒት እኖ ሓጎኣን ባዕላ ከም እትኽፈሎ ብምግላጽ፡ ገንዘብ ክህባ ሓቲታቶ።

ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ብውርሲ ናይ እትረኽቦ ብዙሕ ሃብቲ መረዳእታ ድማ ኣርእያቶ፡ ናይ ሓቂ ግን ኣይነበረን።

ነቲ ዘዳለወትሉ መጻወድያ ከይጠራጠር ድማ፡ ናብ ናይ ባንኪ ሕሳቡ ገንዘብ ከምዝለኣኾ ገበረት። ንሳ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ ስለዘይብላ እቲ ዝተልኣኸ ገንዘብ ናብ ዝተፈላለዩ ሕሳብ ቁጽርታት ባንኪ ኣታዊ ክገብሮ ሓቲታቶ።

ኮይኑ ግና እቲ ገንዘብ፡ ንሱ ከይፈለጠ እታ ጉሒላ፡ ብሽሙ ዘውጸአቶ ልቓሕ እዩ ነይሩ።

እቶም ኣለቃሕቲ ትካላት፡ ደብዳበታት ክልእኹሉ ምስጀመሩ እዩ ግና ከም ዝተታለለ ፈሊጡ።

ሽዑ ንሽዑ ናብቶም ኣለቃሕቲ ትካላት ብምኻድ ነቲ ዝተፈጠረ ነገር ኣረዲኡ፡ እቲ ገንዘብ ክምለስ ገይሩ።

"ሕዚ ማሕበራዊ ሚድያ ኣይጥቀምን እየ፤ ደጊመ ናብ ከምኡ ዓይነት ርክብ ክኣቱ ኣይደልን። ነዚ ነገር ክርስዖን፤ ደጊመ ሰብ ክኣምንን ነዊሕ ግዘ ክወስደለይ እዩ" ይብል።

ንቶማስ ዘጋጠሞ፡ ከምቶም ልሙዳት ኣብ መናእሰይ ዘጋጥሙ ምስ ፍቕራዊ ርክብ ዝተኣሳሰሩ ምትላላት ኣይኮነን።

መብዛሕተኦም ምትላላት፡ ሰባት ንፍቕራዊ ርክብ ኣብ ዝራኸቡሎም መተግበሪታት ማሕበራዊ ሚድያ፡ ናይ ካሊእ ሰብ ስእልን ስብእናን ብምልባስ (catfishing) ዝፍጸሙ እዮም።

ፍቕራዊ ምትላል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ካብ ዝተሓተቱ ሰባት፡ እቶም 27 ምኢታዊት ዝተጭበርበረ ምስሊ ብዝተጠቐሙ ሰባት፡ ናይ ምትላል ፈተነ ከምዝተገረሎም ሓቢሮም።

እቶም ዝተታለሉ ወይ ክታለሉ ፈተነ ዝተገበረሎም ሰባት ብማእከላይ 321 ፓውንድ ከምዝተበልዑ ወይ ክብልዑ ከምዝነበሩ ገሊጾም። ካልኦት ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝተጭበርበሩ ገሊጾም።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘለመላኽቶ፡ ምስ ፍቕራዊ ርክብ ተኣሳሲሩ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ 2019፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ 8.9 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝተጉሓለ ገሊጹ። እቲ ኣሃዝ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትወዳደር ብ 50 ምኢታዊት ወሲኹ እዩ።

ፍቕራዊ ምትላላት፡ ስምዒታውን ቁጠባውን ሃስያ ከምዘብጽሑ እትገልጽ፡ ሓላፊት ቁጠባዊ ገበናት 'ዩከይ ፋይናንስ' ዝኾነት ካቲ ዎሮቢክ፡ "ተቐባልነት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጅመር ፍቅራዊ ርክባት ምዕባዩ፡ ንገበነኛታት ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ሎምዘበን ዝኽበር መዓልቲ ፍቑራት ሰባት ክጥንቀቁ ንምዕድ" ኢላ።

ብተወሳኺ ሰባት ብኣካል ንዘይፈልጥዎም ሰባት ገንዘብ ከይልእኹን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕባ ዝልጥፍዎም ውልቃዊ ጉዳያት ኣቐዲሞም ክሓስቡሉ ከምዝግባእን ይገልጹ።