'ኤስፒኤሲ ኔሽን'፡ ካብ ሰዓብታ ገንዘብ ብምብዝባዝ ዝተኸሰሰት ቤተ ክርስትያን

ፓስተር ቶቢ ኣደግቦየጋ

ምንጪ ስእሊ, Google

መግለጺ ስእሊ, መራሒ እታ ቤተ ክርስትያን ፓስተር ቶቢ ኣደግቦየጋ

ወንበደታት ክመሓየሹ ብምሕጋዝ ክትምስገን ዝጸንሐት ኢቫንጅሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ 'ኤስፒኤሲ ኔሽን'፡ ገንዘብ ሰዓብታ ብምብዝባዝ ተኻሲሳ።

ሓንቲ ኣባል ናይታ ብፓስተር ኣዲግቦዮጋ እትምራሕ ቤተ ክርስትያን ምጭብርባር ክትፍጽም፡ ሞግዚታ ከምዘእመና፡ ካሊእቲ ኣማኒት ድማ ንሳ ከይፈለጠት ብሽማ 5 ሽሕ ፓውንድ ልቓሕ ከምዝተወሰደ ገሊጸን።

ሓደ ፈላጢ ውሽጢ እታ ቤተክርስትያን ድማ እታ ''ቤተ ክርስትያን ክትዕጾ ኣለዋ'' ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

'ኤስፒኤሲ ኔሽን' ግን ኣብ ልዕሊ እታ ቤተክርስትያን ንዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።

ወዲ 23 ዓመት ኩርቲስ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ፡ ኣባል እታ 'ንብዙሓት መናእሰይ ብኣሻሓት ፓውንድ ኣብ ዝግመት ዕዳ ኣጥሒላ' ተባሂላ እትኽሰስ ዘላ ቤተክርስትያን ውሽጣዊ ተኣማኒ ነይሩ።

ንሱ ቢቢሲ ፓኖራማ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ ቀሪቡ ''ገለ መራሕቲ ኣብ ጥቓ መናእሰይ ክኾኑ የብሎምን፤ አብ ጥቓ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ክርከቡ የብሎምን'' ክብል ተዛሪቡ።

ኩርቲስ ወሲኹ፡ መራሒ እታ ቤተክርስትያን፡ ፓስተር ቶቢ ኣደግቦየካ ''ክሕተት ኣለዎ'' ይብል።

ኩርቲስ
መግለጺ ስእሊ, ኩርቲስ

ግሬሲ፡ ናብ ቤተክርስትያን ኤስፒኤሲ ኣብ 2017 እንትጽምበር፡ ጓል 21 ዓመት ነይራ።

ነታ ቤተ ክርስትያን ገንዘብ ምሃብ ከምዘቋረጸት ዝፈለጠ ኣብታ ማሕበር ሞግዚት ዝኾነ ፓስተር ኢቦ ዶጋን፡ ልቓሕ 'ዩኒቨርሳል ክሬዲት' ክትሓትት ደፋፊእዋ።

ንዓኣ ዝምልከቱ ሓድሕድ ሓበሬታታ ነቲ ፓስተር ሂባቶ፤ ኣብ ክንዳኣ ድማ ካሊእ ሰብ ብኢንተርነት ናይ ልቓሕ ቅጥዒ መሊኡ።

እቲ ኣብ ኢንተርነት ዝተመልአ ቅጥዒ፡ ንሳ ቆልዑ ዘይብላ ክንሳ፡ ኣዶ ክልተ ቆልዑ ከምዝኾነት ከርኢ ተገይሩ ብኻሊእ ሰብ ተቐይሩ።

እዚ ለውጢ ድማ 1,200 ዩሮ ልቓሕ ክትወስድ ዘኽእል ነይሩ።

''ሓደሓደ ግዜ፡ እቲ ዝግበር ጌጋ ከምዝኾነ እኳ እንተፈለጥኩ፡ ሃይማኖታዊ ኣቦ ሕማቕ ነገር ግበሪ ኣይብለንን ኢለ ይሕስብ ነይረ'' ትብል።

ግሬሲ፡ ነቲ 900 ፓውንድ ናብ ክልተ ዝተፈላለዩ ቁጽሪታት ሒሳብ ክተእትው፡ እቲ ዝተረፈ ግና ምስኣ ክጸንሕ ተነጊርዋ።

ዳሕራይ ግን ክፍሊ ስራሕን ጥሮታን ብዝገበሮ ምጽራይ፡ 600 ፓውንድ ተቐጺዓ እቲ 1200 ፓውንድ ክትመልስ ተኣዚዛ።

''ነዚ ክኸፍል ዓቐሚ የብለይን'' እትብል ግርሲ፡ ከም ቤተሰባ ትሓስቦም ስለዝነበረት እቲ ክስታት ከምዝጎደኣ ትገልጽ።

ግሬሲ
መግለጺ ስእሊ, ግሬሲ

ካሊእቲ ግዳይ፡ ሎቪስ፡ ንሳ ከይፈለጠት ብሽማ ልቓሕ እንትውሰድ ጓል 18 ዓመት ከምዝነበረት ትዛረብ።

ኣብ 2017 ሕክምና መንሽሮ ኩላሊት ምስገበረት፡ እቲ ሕማም ኣብቲ ዝነበረቶ ዓውዲ ክሸና መግቢ ከቐጽላ ስለዘይከኣለ ቅልል ዝበለ ስራሕ ክተናዲ ጀሚራ።

'ዙሪያል' ናብ ዝተብሃለ ትካል ምምማይ ሰራሕተኛታት ንቃለ መሕተት ተዓዲማ። እቲ ትካል ናይ ፓስተር ኣደግቦየጋ ናይ ቀረባ ሰብ ብዝኾነን ብጉሕለት ይኽሰስ ብዘሎን ሳሙኤል ኣኮክሂያ ብዝተብሃለ ሰብ ዝመሓደር እዩ።

ኣብቲ ቃለመሕተት፡ ናይ ፓስፖርት ቅዳሕ፣ ኣድራሻኣ፣ ቁጽሪ ስልካን ናይባንኪ ሒሳባን ዝኣመሰሉ ሓድሕዳት ኣቕሪባ።

ድሕሪ እቲ ቃለ መሕተት፡ እቲ ቃለመሕተት ዝገበረላ ፓስተር ኣብቲ ሰሙን ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝካየድ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ኣተባቢዕዋ።

ደስ ከምዘይበላ እትገልጽ ሎቪስ፡ ግን ድማ ናይ ቤተ ክርስትያን ነገር ስለዝኾነ ብዙሕ ኣይተጨንቕኩሉን ትብል።

ሎቪስ፡ ኣብ ኣገልጋሎታት እታ ቤተ ክርስትያን ምስታፍ ጀሚራ። ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ድማ ንሳ ዘይትፈልጦ ኣብ ኣርባዕተ ዓመታት ዝኽፈል ናይ 5 ሽሕ ፓውንድ ልቓሕ ብሽማ ክምወጸ ፈሊጣ።

እቲ ገንዘብ ናብኣ ኣይመጸን፤ ሓው ኢማኑል ኣኮክህያ ናብ ዝመርሖ ትካል እዩ ክኣቱ ተገይሩ። ቢቢሲ ነዚ ዘረጋገጾ ኮይኑ መንጠቢ እቲ ገንዘብ ግን ኣይፍለጥን።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንሓደ ላዕለዋይ ፓስተር ዘዘራረበት ሎቪስ፡ እቲ ገንዘብ ብዙሕ ሰብ ዝሕዝ ማእከል መግዝኢ ከምዝጥቀሙሉ ከምዝነገራ ትዛረብ።

''ንጽቡቕ ተግባር ዝተሓሰበ እናሃለወ ንምንታይ ኣነ ከይፈልጥ ተገይረ?'' ኢላ ሓሲባ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ እቲ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተክርስትያን ናይ ባዕሉ ምርመራ ከምዝጀመረን እታ ቤተ ክርስትያን ዘለዋ ገንዘብ ናብ ባንኪ ክተእቱ ከምዝኣዘዘን ገሊጹ።

ፖሊስ ቐጻሊ ምርመራታት ንምክያድ ዘኽእሎ ተወሳኺ ክሲታት ጥሕሰታትን ይምርምር ዘሎ ኮይኑ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ግን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገንዘባዊ ብዝበዛ ነጺጋቶ ኣላ።

ብተወሳኪ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ገዛ ውልቀ ኣገልጋልቲ ወይ'ውን ኣመንቲ ንዝግበሩ ነገራት ሓላፍነት ከምዘይትወስድ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ፓስተር ኣደግቦየጋ ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ቃለ መሕተት ፍቓደኛ ኣይኮነን።