ቅልውላው የመን፡ ኣብ መንጎ ስዑድ ዓረብን ኢማራትን ምትፍናን ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ መንጎ ቀንዲ ኣባላት ናይቲ ኣንጻር ተቓውምቲ ዕጡቓት ሑቲ ዓጢቑ ዝጸንሐ ጥምረት ሓይልታት ሓድሽ ውግእ ተላዒሉ'ሎ።
ክልቲኦም ሓልታት ንወደባዊት ከተማ ዓደን ንምቁጽጻር ኣብ ከቢድ ኲናት ከምዘለዉ ካብታ ከተማ ዝወጽኡ ጸብጻባት ሓቢሮም።
መንግስቲ የመን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ፈጺማ ክብል ከሲሱ።
ኣብዚ ናይ ሕጂ ወግእ፡ ብውሕዱ 30 ወታሃደራት መንግስቲ ከም ዝተቕትሉ ሰበስልጣን ተዛሪቦም። ዋላኳ፡ እቶም ሰበስልጣን ንማዕርፎ ነፈርቲ ዓደን 'ተቖጻጺርናያ ኣለና' እንተበሉ፡ ተቓወምቲ ግን እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጻሮም ከም ዘላ ገሊጾም።
ኣብ መጀመርታ ነሓሰ፡ ንምንጻል ደቡብ የመን ዝቃለሱ ዕጡቓት ተቓውምቲ ሓይልታት፡ ኣንጻር ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ንዓደን ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሮማ ነይሮም።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ድማ፡ ሓይልታት መንግስቲ ዳገመ ምውዳብ ብምግባር፡ ብግብረ-መልሲ ነቲ ኣብ ከተማ ዓደን ዝርከብ ቤተመንግስቲ ብምምላስ፡ ንገለ ክፋል ናይታ ከተማ መሊሶም ክቆጻጸርዎ ክኢሎም ነይሮም።
እቲ ዘገርም፡ ዕጡቓት ደቡብ የመን፡ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ናይቲ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ ብምስላፍ፡ ኣንጻር እቶም ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ጉጅለ ሑቲ ክቃለሱ ዝጸንሑ ምዃኖም'ዩ።
እቲ ብፕረዚደንት መንሱር ዓብደሮቦ ሃዲ ዝምራሕ መንግስቲ፡ ነቲ ኣካል ናይቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፍ "መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ደቡብ" (STC) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጥርናፈ ዝኾኑ ዕጡቓት ዝወሰድዎ ስጉምቲ "ዕልዋ'ዩ" ብምባል ንኢመራት ዓረብ ኮኒኑ።
ፕረዚደንት ሃዲ ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን ናይቲ እናተዳኸመ ዝመጽእ ዘሎ መንግስቲ፡ ቤት ጽሕፈቶም ገና ኣብ ሱዕዲ ዓረብ እዩ ዝርከብ።
እቶም ዕጡቓት፡ ካብ ዓደን ንደቡብ ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ ዛንጂባር ዝተባህለት ከተማ ብምቁጽጻር፡ ካልኦት ቦታታት ንምሓዝ ይጽዕሩ ከም ዝነበሩ፡ እንተኾነ ግን ነዊሕ ከይጸንሑ ብሓይልታት መንግስቲ ተደፊኦም ክምለሱ ከምዝተገደዱ እዩ ዝዝረብ።
ትርጉም ናይዚ ኣብ መንጎ ኣብ ሓደ ግንባር ተሰሊፎም ዝጸንሑ ሓይልታት ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
"መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ደቡብ" መን'ዮም?
እዚ ጉጅለ'ዚ (STC) ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘዕጠቐቶን፡ ኣካል ናይቲ ብወታሃደራዊ ልፍንቲ ስዑዲ ዝድገፍ ልፍንቲ ሓይልታት መንግስቲ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ነቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝወሰደ ግን፡ ምስዞም ተነጸልቲ ደቡብ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ቅናት ጸጥታ (Security Belt) ብዝብል ዝፍለጥ ጉጀለ'ዩ።
ንኩነታት የመን ብቐረባ ዝከታተል ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ኣቶ ኣሕመድ ኣልቀይሲ ከም ዝብሎ፡ እቲ ወታሃደራዊ ልፍንቲ ብመንግስቲ የመን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከቑዉም ኣብ ዝወሰነሉ እዋን፡ ነቶም ክሳብ ሽዑ ብዘይጎነጻዊ ኣገባብ ንጉዳይ ደቡብ ዝጣበቑ ዝነበሩ ጉጅለታት ብመገዲ ኢማራት ከም ዝዓጥቁ ተገይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ዋላኳ ኣካል ናይቲ ኣንጻር ሑቲ ክቃለስ ዝጸንሐ ሓይሊ ይኹን እምበር፡ ምስቲ ውሱን ናይ መንግስቲ ሓይሊ ውሽጣዊ ውህደት ግን ኣይነበሮን፡ ርእሱ ኪኢሉ'ዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ-ይብል።

ምንጪ ስእሊ, AAK
ምንቅስቓስ ደቡብ የመን፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ብልሽውናን ፓለቲካዊ ዘይዕግበታትን፡ እቲ ዞባ ርእሱ ክኽእል ዝብል ጠለባት ከቕርብ'ዩ ጸኒሑ።
ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ኩነታት ብምምዝማዝ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ህዝባዊ ተቐባልነት ኣለዎም ዝበለቶም ጉጅለታት ብምዕጣቕ ካኣ ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ተሰሊፎም ንዚ ወታሃደራዊ ልፍንቲ ዘተግብሩ ዝነበሩ'ዮም።
እቶም ዕጡቓት ኣብ ኤርትራ፡ ደቡባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ይዕለሙ ከም ዝነበሩ ኣቶ ኣሕመድ ይዛረብ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ብምድጋፍ ኣድላዪ ዝበሃል ደገፍ ክገብር ቅሩብ ምንባሩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።
ኢማራት ነቲ ኣብ የመን ክግበር ዝጸንሐ ኲናት ሎጀስቲካዊ ደገፍ ዝህብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ሃኒጻ ከም ዘላ ድማ ይፍለጥ።
እንተኾነ ግን ይብል ንሱ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን'ዚ ደቡብ የመን ብኸምዚ ኣገባብ ተነጺላ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ክትከውን ዘሎ ተኽእሎ ውሑድ'ዩ።
"በቲ ንሕና ቀደም ንፈልጦ ደቡብ የመን ዝበሃል ክህሉ ኣይክእልን'ዩ፡ ምኽንያቱ ድሮ መዓት ግርጭታት'ዩ ዘሎ። ንኣብነት ነቲ ንዓደን ዝተቖጻጸረ ሓይሊ ተቓወምቲ፡ ካብ ክልተ ኣውራጃ ዝመጹ'ዮም። እዚኦም ከመይ ጌሮም'ዮም ነቲ ዝተረፈ ከሕብርዎ?" ይብል ኣቶ ኣሕመድ።
ኣብ መንጎ ስዕድን ኢማራትን ምትፍናን ኣሎድዩ?
መንግስቲ የመን፡ ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ንኢማራት ዓረብን ነቲ ንሳ ዘዕጠቐቶ ጉጅለን ብምኹናን፡ እቲ ኩነታት "ዕልዋ" እዩ ክብል ነቒፉ።
ብዓንተብኡ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኢመራትን፡ ንመንግስቲ ዓብድሮቦ ሃዲ ኣፍልጦን ደገፍን ምሃበን፡ ነቲ ኣብ የመን ክወስድኦ ዝወሰና ወተሃደራዊ ምትእትታው፡ ሕጋዊ ሽፋን ንምርካብ ከም ዝነበሩ'ዩ ኣቶ ኣሕመድ ኣልቀይሲ ዝዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ሓይልታት ደቡብ የመን ነቲ ድኹም ሓይሊ ናይቲ መንግስቲ ኣጥቂዑ ካብ ዓደን ምድፍኡ፡ ብዘይ ኣፍልጦአን ክኸውን ኣይክእልን'ዩ ይብል።
ስዑድን ኢመራትን፡ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ጎንጺ ኣብ ዝሃበኦ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ናይ ሰላም ጻዊዒት ብምቕራብ እቶም ንሓድሕዶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት ፍልልዮም ብልዝብ ክፈትሑ ጸዊዐን ኣለዋ።
ብኣረኣእያ ኣቶ ኣሕመድ ኣልቀይሲ፡ እቶም ናይ ደቡብ ተቓወምቲ፡ ኣንጻር እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ እንተዝኾኑ፡ ነቲ ኣብ ዓደን ኣብ ሓደ መዓስከር ተኣኪቡ ዘሎ ሪፓብሊካን ጋርድ (ሓለዋ ሪፓብሊክ) መጥቅዕዎ ነይሮም።
እዚ ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘሎ "ውዲት" ምዃኑ ድማ ይምጉት። እቲ ብሪፓብሊካን ጋርድ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሰራዊት ኣካል ናይቲ ዝተፈራኸሸ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዝነበረ'ዩ።
"እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ስዑድን ኢማራትን ኣብ ግብሪ ዊዒሉ'ሎ፡ ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ብነዳዲ ሃብታም ዝበሃል ዞባ ኣብ ትሕቲ ኢማራት ኣትዩ'ሎ። ኣብ ርእሲኡ ወደብ ዓደንን ገማግም ባሕርን፡ ኣብ ትሕቲ ጽልዋን ምቁጽጻርን ኢማራት ምእታዉ፡ ነቲ ተኣፋፊ ዝኾነ ስትራተጂካዊ ወሽመጥ ዓደን ባብ ኣልመንደብን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ንምእታው ዘለዋ ዕላማ ሰሚሩ'ሎ ክንብል ንኽእል።"
ወሽመጥ ዓደን ይኹን ቀይሕ ባሕሪ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ኮይኑ፡ ካብ ቐርሰንቲ ይኹን ካልኦት ጂሃዳውያን ጉጅለታት ዝምንጩ ስግኣታት ዘንጸላልዎ ስትራተጃዊ ዞባ'ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ዝተፈላለያ ናይ ንግዲ መራኽብ መጥቃዕትታት ከም ዝወረደንን፡ ኣመሪካን ገለ ሃገራት ናይቲ ዞባን ኢራን ዝፈጸመቶ'ዩ ክብላ ክኸሳ ጸኒሐን'የን። ኢራን ብወገና ነቲ ክሲ ትነጽጎ።
እዚ ንባዕሉ፡ ስዕዲ ዓረብን ኢማራትን ነቲ ዞባ ካብ ጽልዋ ናይ ኢራን ንምክልኻል'ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ድፊኢት ክህልዎ ይኽእል'ዩ ይብሉ ተንተንቲ።
ኲናት የመን፡ ነዊሕ ግዜ ብምውሳዱን፡ እናተሓላለኸ ዝኸደን ኣብ ዓይኒ ዓለም ዝኣተወን ኮይኑ፤ ንስዑድን ኢማራትን ኣብ ኢደን ሓውይወን'ዩ።
ይኹን እምበር፡ እዚ ናይዞም ብክልቲአን ሃገራት ዝድገፉ ሓይልታት ደማዊ ኲናት ኣብ መንጎአን ዘሎ ፍልልይ ዘርኢ ወይ እንተ ወሓደ ናብኡ ገጹ ዘምርሕ'ዩ።
ህላወ መንግስቲ የመን
እቲ ብፕረዚደንት ሃዲ ዝምራሕ መንግስቲ ብቐደሙ'ውን ናይ ርእሱ ዝኾነ ሓያል ሰራዊት ከም ዘይጸንሖ'ዩ ዝንገር።
ካብ ሰንዓ ብመጥቃዕቲ ጉጅለ ሑቲ ናብ ዓደን ክስሕብ ዝተገደደ መንግስቲ፡ ሕጂ'ውን ነታ ከም ርእሰ ከተማ ክጥቀመላ ዝጸንሐ ወደባዊት ከተማ ከውሕስ ኣይከኣለን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እዚ ሓድሽ ምዕባለታት እዚ ድማ፡ ንዝነበሮ ጽልዋ ኣህሲሱ፡ ኣገዳስነቱ ኣብ ዘጠራጥር ደረጃ ኣውሪድዎ ኣሎ።
ዓብደሮቦ ሃዲን ኣባላት ናይቲ ዳርጋ ስማዊ ዝኾነ ካቢንኡን ኣብ ሪያድ ስዕዲ ምዕስካሮም ንባዕሉ፡ ነቲ ኣብ የመን ዘለዎም ጽልዋን ቦታን ዘነጽር'ዩ።
ተቓወምቲ ደቡብ የመን ብወገኖም፡ እቲ መንግስቲ ምስ እስላማውያን ሓይልታት ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎም ኢሎም ይኸሱ።
ኣሕዋት ሙስሊሚን (ሙስሊም ብራዘርሁድ) ዝተባህለ ሓያል ጉጅለ ኣካል ናይቲ ብስዑድን ኢመራትን ዝድገፍ ኣንጻር ሑቲ ዝቖመ ጥምረት'ዩ። ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ድማ ኣንጻር ከምዚኦም ዝበሉ ጉጅለታት ዝቖማ ምዃነን'ዩ ዝፍለጥ።
"መብዛሕትኡ ደጋፊ ነቲ ሕጋዊ መንግስቲ ኢሎም ዝጽውዕዎ፡ ዓንዲ ሕቖ ናይ ሰራዊቱ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ምስ ሙስሊም ብራዘርሁድ ርክብ ኣለዎም" ይብል ኣቶ ኣሕመድ።
ኣንጻር ናይቲ ብኢራን ይድገፍ'ዩ ዝብለኦ ሑቲ ኣብ ምዕጣቕ ግን፡ ኣብቲ ጥምረት ሓቚፈንኦ ክኸዳ ጸኒሐን ኣለዋ።
"መባልዕቶም ዝኾነ ኩነታት'ዩ ተፈጢሩ ዘሎ፡ ምኽንያቱ 'ነቲ ዘይቅበልዎ ሕጋዊ መንግስቲ ዝሃርምዎ ዘለዉ እቶም ምስኡ ደዉ ኢሎም ዝጸንሑ እዮም' ኢሎም ይጉስጉሱ ኣለዉ ኣብዚ ዓዲ" ኢሉ።
ድሕረ-ባይታ ቅልውላው የመን
ኣብ 2011 እቲ ኣብ ቱንዝያ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ ቀልጢፉ'ዩ ናብ ከም በዓል ሊብያ፡ ግብጺ፡ ሶርያን የመንን ዝበላ ሃገራት ዓረብ ተላቢዑ።
እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ርእሰከተማ ሰንዓ ምስ ሓየለን ካብ ምቁጽጻር መንግስቲ ወጻኢ ምስ ኮነን እቲ ነታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝመርሓ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፡ ካብ ስልጣን ክወርድ ተገዲዱ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምክትሉ ዝነበረ ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ ንዕኡ ተኪኡ ኣብ ስልጣን ደዪቡ። ይኹን 'ምበር፡ ፕረዚደንት ሓዲ፡ ክቆጻጸሮም ዘይክእል ብድሆታት'ዮም ገጢሞሞ።
ከም በዓል ኣልቃዒዳ ዝበሉ ጅሃዳውያን ጉጅለታት፡ ዘይምእዙዝ ሰራዊት፡ ብልሽውና፡ ሸቕለት-ኣልቦነትን ሕጽረት መሰረታውያን ሃለኽቲ ዝበሉ ጸገማት ክፈትሖም ብዘይ ምኽኣሉ፡ ናዕቢታት ቀጺሉ።
ኣብ መጀመርታ 2015 ከኣ እቶም ብኢራን ይድገፉ'ዮም ተባሂሎም ዝሕመዩ ዕጡቓት ሑቲ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮማ። መንግስቲ ፕረዚደንት ሓዲ ድማ ናብ ደበብ የመን ብምንስሓብ፡ ኣብ ከተማ ዓደን ኣትዩ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበረ ሰራዊት መንግስቲ ድማ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተመቐቒሉ፡ ከም ሃገራዊ ሰራዊት ፈሪሱ። እቲ ብፕረዚደንት ሃዲ ዝምራሕ መንግስቲ ከኣ ውሱን ሓይሊ ጥራይ ሒዙ ተሪፉ።
ብጽልዋ ኢራን ኣብ ጉዳይ የመን ዝሰግአት ሱዕዲ ዓረብ ድማ፡ ኣንጻር ሑቲ ቀጥታዊ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ክትወስድ ወሲና።
ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ዝሓቖፈ ወታሃደራዊ ልፍንቲ ብምምስራትን ነቲ ናብ ዓደን ዝተዓቑበ መንግስቲ ብምድጋፍን ካብ መጋቢት 2015 ጀሚራ ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ናይ ኣየርን፡ ምድርን ባሕርን መጥቃዕትታት ከተካይድ ጸኒሓ።
ኣብ ኲናት የመን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ሞይቶም፡ ብዙሓት ካልኦት ቆሲሎም፡ ሚልዮናት ድማ ኣደዳ ዓጸቦን ጥሜትን ክኾኑ ተገዲዶም'ዮም።
ቅልውላው የመን ክፍታሕ እንተኾይኑ፡ ስዑዲን ኢማራትን ንህዝቢ የመን ካብ ምክፍፋል ኣድሒነን፡ ምስቲ ጉጅለ ሑቲ ክላዘባ ክኽእላ ኣለወን ዝበለ፡ ኣቶ ኣሕመድ ኣልቀይሲ፡ "እቲ ጸገም ሕጽረት ኣጠማምታ'ዩ" ኢሉዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







