ቅልውላው የመን፡ ተቓወምቲ መንግስቲ ንወደባዊት ከተማ ዓደን ተቖጻጺሮማ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቶም ብኢማራትን ካልኦት ሃገራትን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሓይልታት የመን፡ ድሕሪ ጽዑቕ ኵናት ንወደባዊት ከተማ ዓደን ከም ዝተቆጻጸሩዋ ኣፍሊጦም።
እዞም ብኢማራት ዝድገፉ ሓይልታት፡ ሓያለ ወተሃደራዊ መዓሰከራትን ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ከም ዝተቖጻጸሩ ብምሕባር፡ ግዝያዊ ደቡባዊ ቤት ምኽሪ ብሙቛም ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡባዊት ክፋል ከም ዝደልዩ ሓቢሮም።
ይኹን እምበር እቲ ስርዓት "ዕልዋ መንግስቲ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ፡ ቅጽበታዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ'ሎ ፡ ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግን " ኣብ ልዕሊ ነቲ ሕጊ ዝጠሓሰ ዝኾነ ይኹን ኣካል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ" ክትብል መንግስታዊት ትካል ዜና ሱዑድያ ሓቢራ።
እቶም ካብ የመን ክፍለዩ ዝደልዩ፡ ንወደባዊት ከተማ ዓደን ተቖጻጺሮም ዘለዉ ሓይልታት፡ ነቲ ካብ ሎሚ ሰንበት ተግባራዊ ዝኸውን ምቁራጽ ተኵሲ ተሰማሚዖሙሉ ኣለዉ።
ወደባዊት ከተማ ዓደን ግዝያዊት መዓስከር መንግስቲ ፕረዚደንት ዓበዱሮቦ መንሱር ሃዲ ኮይና'ያ ጸኒሓ። ፕረዚደንት ዓበዱሮቦ መንሱር ሃዲ ቀንዲ መደበሩ ኣብ ኣብ ከተማ ርያድ ስዑዲ ዓረብ እዩ።
ሰብ መዚ እዚ ካብ የመን ክፍለ ዝደሊ ዘሎ ሓይሊ ንኤኤፍፒ ከም ዝሓበርዎ፡ ብቐዳም ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ተኵሲ ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከምዝተቖጻጸርዎ ሓቢሮም።
"ክልተ ሚእቲ ዝኾኑ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝሕልዉ ዝነበሩ ወተሃደራት ከኣ ካብቲ ቦታ ወጽኦም ብነጻ ክኸዱ መንገዲ ተኸፊቱሎም" ኢሎም ሰብ መዚ እቲ ካብ የመን ክፍለ ዝደሊ ዘሎ ሓይሊ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እውን እቲ ጉዳይ ወግዓዊ ምርኽካብ ይመስል ከም ዝነበረ ንኤኤፍፒ ምስክርነቶም ሂቦም።
"ሕጂ ኩሉ ተወዲኡ'ዩ ግዝያዊ ደቡባዊ ቤት ምኽሪ ንኹሉ ወተሃደራዊ መዓስከራት ተቖጸጺርዎ'ዩ" ክብል ሓደ በዓልመ መዚ መንግስቲ ፕረዚደንት ዓበዱሮቦ መንሱር ሃዲ ንሮይተርስ ገሊጹ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት መንግስቲ ብወገኑ "ኣብ ልዕሊ እቲ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ መንግስቲ ዕልዋ መንግስቲ'ዩ ተኻይዱ" ክብል ጥርዓኑ ኣስሚዑ።
ኢማራት ነዞም ኣብ ደቡባዊ ክፋል የመን ንኽፍለዩ ሕቶ ዘቕርቡ ዝነበሩ ሓይልታት ክትዕልምን ወተሃደራዊ ሓገዛትን ክትገብርን ጸኒሓ እያ።
ኣብዚ ንከተማ ዓደን ንምቁጽጻር ዝተኻየደ ዉግእ ሲቨል ዝርከቡዎም ልዕሊ 70 ሰባት ከም ዝሞቱ ማዕከን ዜና ኤይፒ ሓቢሩ።
እዚ ኣብ የመን ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ጠንቂ ሞት ኣሸሓት ክኸውን እንከሎ፡ ንሚልዮናት አህዛብ ንሕጽረት መግብን መድሃኒትን ኣቃልዒዎም ከም ዘሎ'ዩ ዝግለጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







