ኲናት የመን፡ ዕጡቓት ሑቲ 'ኩሩዝ ሚሳይል' ናብ ሱዕዲ ወንጪፎም

ምንጪ ስእሊ, AL-MASIRAH TV
የመናዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ብዘካየዶ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ብውሕዱ 26 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቖሰሉ ሰራዊት ሱዕዲ ሓቢሩ።
እቲ ሎሚ ረቡዕ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ንግስነት ሱዕዲ ዓረብ ዝርከብ ማዕርፎ ነፈርቲ'ዩ ተፈጺሙ።
ካብቶም ዝተጎድኡ ሰለስተ ደቂ-ኣንስትዮን ክልተ ቆልዑን ከም ዝርከብዎም'ውን እቲ ብሰራዊት እታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።
ዕጡቓት ሑቲ ከም ዝበልዎ፡ ኩሩዝ ሚሳይል ናብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ወንጪፎም። ሱዕዲ ኣብ የመን እተካዪዶ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ክሳብ ተብል መጥቃዕቶም ከም ዝቕጽሉ ድማ ኣጠንቂቖም።
ሱዕዲ ዓረብ እትመርሖ ወታሃደራዊ ኪዳን፡ ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ኣብ ጎኑ ብምስላፍ ንመግስቲ የመን ብምድጋፍ ካብ 2015 ጀሚሩ ኣንጻር ጉጅለ ሑቲ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ከካየድ ጸኒሑ'ሎ።
እቲ ወታሃደራዊ ምትእትታው፡ ዕጡቓት ሑቲ ንርእሰከተማ ሰንዓ ሓዊሱ ሰፊሕ ከባቢታት ምዕራብ የመን ድሕሪ ምቁጽጻሮም'ዩ ተጀሚሩ።
ኣንጻር እቲ ብፕረዚደንት ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ ዝምርሓ መንግስቲ ዝፈነውዎ መጥቃዕቲ እናሓየለ ምስከደ፡ ሱዕዲ፡ እቶም ዕጡቓት ብኢራን ይድገፉ'ዮም ብምባል ኣብ ልዕሊኦም ኲናት ኣዊጃ።
ሸሞንተ ተኸተልቲ ሱኒ ምስልምና'የን ዝበሃላ ሃገራት ዓረብ ድማ ኣብ ጎና ከም ዝሰለፋ ብምግባር፡ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ፈሊማ።
ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ማዕርፎ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ምፍናው፡ ንዓለምለኻዊ ሰባዊ ሕጊ ዝግህስ ምዃኑን፡ ገበን ኲናት ክቑጸር ከም ዝኽእል ኣፈኛ እቲ ወታሃደራዊ ኪዳን ኮ/ል ቱርኪ ኣል-ማሊክ ንኣገልግሎት ዜና ሱዕዲ ተዛሪቡ።
እቲ ኪዳን "ነቶም ኣሸበርቲ ሚሊሻ ንምግታእን፡ ንሲቪላውያን ሰባትን ንብረትን ውሕስነት ንምሃብን ህጹጽን እዋናውን ስጉምቲ ክወስድ'ዩ" ድማ ኢሉ።
ዓይነት ናይቲ ዝተወንጨፈ ሚሳይል ንምፍላጥ ምጽራይ ክግበር ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
ኣፈኛ ጉጅለ ሑቲ ብ/ጀ ያሕያ ሳሪ ግን፡ እቲ ሚሳይል ኩሩዝ ዝዓይነቱ ምዃኑ ከም ዝሓበረ መደብር ተለቭዥ ናይቲ ጉጅለ ኣል-ሚስራሕ ኣቃሊሓ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
"እቲ ዘመናዊ ዝበሃል ናይ ኣመሪካ ጸረ-ሚሳይል ክጠልፎ ኣይክኣለን። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጸላእቲ ነውጽን ፍርሕን ብምፍጣር ብዙሕ ዕግርግር ኣስዒብሎም ኣሎ" ክብል'ውን ተሰሚዑ።
እታ መደበር ተለቭዥን ከም ዝገለጸቶ፡ እዚ ንካልኣይ ግዜ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ'ዩ፡ ኣቐዲሙ'ውን ኣብ 2017 ኣብ ልዕሊ ናይ ኑክሌር ፕሮጀክት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈነወ'ኳ እንተ ተገለጸ፡ ኣብቲ እዋን ግን ዝተሓበረ መጥቃዕቲ ኣይነበረን።
ይኹን 'ምበር እቲ ጉጅለ ዝተፈላለዩ ናይ 'ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ' (ድሮን) መጥቃዕትታት ከካዪድ ጸኒሑ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሱዕድኢ ብዘካየድዎ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ናይ ነዳዲ መስመር ዒላማ ዝገበረ ምንበሩን፡ ንሓደ መዓልቲ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ዝገበርዎን ይፍለጥ።
ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሱዕዲ ሽዑ ብዛዕባ'ቲ መጥቃቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብትእዛዝ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብውሕዱ 7000 ከም ዝተቐትሉን፡ 11000 ከም ዝቖሰሉን ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረድእ። ኣስታት 65% ናይቶም ግዳያት ወታሃደራዊ ኲናት ብዝፈነዎ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዝሞቱ'ዮም።
ሚልዮናት ድማ ኣዳዳ ዓጸቦ፡ ጥሜትን ስእነት ሕክምናዊ ኣገልግኦትን ክኾኑ ከም ዝተገደዱ ጸብጻባት ይሕብሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



