ትራምፕ፡ ቀውፊ ብምጥቃም መሸጣ ኣጽዋር ናብ ስዑዲ ዓረብ ክቕጽል ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባይቶ ኣመሪካ ነቲ ናይ 8.1 ቢልዮን ዶላር መሸጣ ኣጽዋር ንምዕጋት ንዘሕለፎ ውሳነ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቀውፊ (ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰል) ብምጥቃም ስዒርዎ።
ፕረዚደነት ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ከብርህ ከሎ፡ እቲ እማመታት "ንግሎባዊ ተወዳዳርነት ኣሜሪካ ዘዳኽምን" ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ ዘለዋ ዝምድና ናብ ሓደጋ ዘውድቕን እዩ ኢሉ።
እቲ ኣጽዋር ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝሽየጥ ኮይኑ፡ ክልቲኡ ባይቶ ኣሜረካ፡ ኣንጻር እቲ ውጥን ድምጺ ኣሕሊፉ ነይሩ።
እቲ ኣጽዋር ኣብ ኲናት የመን ኣንጻር ሲቪላውያን ከይውዕል ገለ ኣባላት ባይቶ ስግኣቶም ይገልጹ።
እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኲናት የመን ኢዳ ምእታዋን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቐትለ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊን ብምጥቃስ ንስዑዲ ኾኒኖም።
እቲ ባይቶ፡ ንውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ክስርዝን ከይስርዝን ኣመልኪቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ድምጺ ክህብ ምዃኑ መራሒ ኣብዝሓ ሪፓብሊካን ሚች ማክኮነል ገሊጹ።
ተንተንቲ ግና፡ እቲ ባይቶ፡ ነዚ ንምሕላፍ ዘኽእሎ ክልተ-ሲሶ ድምጺ ክረኽብ ከም ዘይክእል ይሕብሩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንሳልሳይ ጊዜ'ዩ ቀውፊ ዝጥቀም ዘሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







