ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ልዕልቲ ሪማ ልእኽቲ ስዑዲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሸይሙዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንልዕልቲ ሪማ ቢንት ባንዳር፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልእኽቲ ስዑዲ ንኽትከውን ከምዝመዘዛ ትማሊ ቐዳም ንህዝቢ ስዑዲ ብወግዒ ገሊጹ።
እዛ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝዓበየትን ዝተማህረትን ልዕልቲ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ብቕትለት ጋዜጤኛ ካሾጊ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ከቢድ ተነጽሎ ኣጋጢሙዋ ኣብ ዘሎ እዋን ኣምባሳደር ምምዛዛ ቀሊል ዕማም ኣይኮነን ከጋጥማ።
ስዑዲ ዓረብ ንቕትለት ካሾጊ ዝተፈላለየ ምስምስ ክትህበሉ እኳ እንተጸንሐት ዳሕራይ ግን ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲኣ ምስ ኣተወ ከምእተቐትለ ተኣሚና እያ።
ካሾጊ ቅድሚ ምማቱ ኣብ ጋዜጣ ዋሺንግተን ፖስት ንመንግስቲ ስዑዲ ዝነቅፍ ጽሑፋት ዝጽሕፍ ዝነበረ ውሩይ ጋዜጠኛ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Handout via Getty
ስዑዲ ዓረብ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ቅትለት ካሾጊ ኢድ ከምዘይብሉ ከተእምን ክትጽዕር ጸኒሓ እያ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ "ምስ ስዑዲ ዓረብ ገዚፍ ንግዳዊ ልውውጥ ኣሎና" ብምባል ንቕትለት ካሾጊ ንምጽራይ ከምቲ ዝግባእ ስለዘይደፍኣሉ ክውቀስ ጸኒሑ እዩ።
ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብዚ ቐረባ ግዝያት ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ሃገሮም፡ ኣብ ኒክሌራዊ ዛዕባ ኮነ፡ ኣብ ኩናት የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ንዘለዋ ዝምድና ይምርምርዎ ኣለው።
ልዕልቲ ሪማ ኣሰር'ቲ ካብ 1983-2005 ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልገለ ወላዲኣ ባንዳር ቢን ሱልታን ኣል-ሳውዲ ክትክተል እያ።
እዛ ንእስነታ ኣብ ኣመሪካ ዘሕለፈቶን ኣብ ዩኒቨርሰቲ ጆርጅ ዋሺንግተን ብኣርት ዝተመረቐት ልእኽቲ ዓባይ ሓፍቲ ምኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ልዑል ካሊድ ቢን ሳልማን እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







