ስዑዲ ዓረብ 'ንኢድ ኣእታውነት' ባይቶ ኣሜሪካ ኮኒና

መጥቃዕቲ ቦምባ ኣብ የመን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መጥቃዕቲ ቦምባ ኣብ የመን

ስዑዲ ዓረብ ሰኔት ኣሜሪካ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ እናተመርሐ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝዋሃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ንኽብል ዘሕለፎ ውሳነን፡ ብቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጂ ንወራሲ ዓራት ልኡል`ታ ሃገርን ምውቃሱን ኮኒና።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ እቲ ስጉምቲ "ሓቅነት ኣብ ዘይብሉ ጠቐነ ዝተመስረተ ኢድ ኣእታውነት`ዩ" ኢልዎ።

እቲ ብሓሙስ ዝሓለፈ ውሳነ ሰኔት ኣሜሪካ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘይክእል ስማዊ`ዩ።

እንተኾነ ግን ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲታት ስዑዲ ዓረብ ዘለዎም ቁጥዐ ዝገልጽን፡ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተመሓላለፈ መጠንቀቕታን'ዩ።

ስዑዲ ዓረብ እንታይ`ያ ኢላ?

`ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንሓዲሽ ቕዋም ሰኔት ኣሜሪካ ይኹንኖ` ኢሉ እቲ ብመንገዲ ወግዓዊ ሳውዲ ፕረስ ኤጀንሲ ዝተቓለሐ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ።

እቲ ኣቕዋም ናይ`ቲ ሰኔት `ሓቅነት ኣብ ዘይብሎም ጠቐነታት ዝተመርኮሰ`ዩ፡ ስዑዲ ዓረብ ድማ ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ፈጺማ ከም ትኹንኖ ተረጋግጽ` ኢሉ`ቲ መግለጺ።

ኣሜሪካ ዛጊት ነቲ ናይ ሱዕዲ ዓረብ መግለጺ ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበትሉን።

ሰኔት ኣሜሪካ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብቲ ናይ ኲናት ዞባ ንምስሓብ ብሓሙስ ዘካየዶ ምድማጽ፡ ብድሕሪ`ቲ ኣብ 1973 ዝተደንገገ ሕጊ ስልጣን ኲናት [ዎር ፖወርስ ኣክት] ዝተወስደ ውሳነ ናይ ፈለማ`ዩ።

ሓደ ሓደ ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ሪፐብሊካን ድማ ንፕረሲደንት ትራምፕ ዕሽሽ ብምባል፡ ምስ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራትስ ሓቢሮም እቲ ውሳነ 56 ብ41 ድምጺ ንኽሓልፍ ተሓባቢሮም።

መሓመድ ቢን ሰልማንን ዶናልድ ትራምፕን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መሓመድ ቢን ሰልማንን ዶናልድ ትራምፕን

እቲ ቀያዲ ዘይኮነ ውሳነ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ብዘይካ`ቶም ንእስላማውያን ጥሩፋት ንምጥፋእ ተዋፊሮም ዘለዉ፡ ኩሎም ኣብ የመን ዘለዉ ወተሃደራት ኣሜሪካ ስሒቡ ከውጽኦም ይጠልብ።

እቲ ሰኔት ብድሕሪ`ዚ ንወራሲ ዓራት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ብቕትለት ጋዜጠኛ ዋሺንግቶን ፖስት ጀማል ኻሾግጊ፡ ንግስነት ሱዕዲ ነቶም ኣብ`ቲ ቅትለት ዝተሳተፉ ብሓላፍነት ክሓትት ድማ ጸዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣሜሪካ ንነፈርቲ ኲናት ስዑዲ ዓረብ ነዳዲ ምምላእ ኣብያ።

እዚ ናይ ሕጂ ውሳነ ባይቶ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ነይሩ እንተዝኸውን፡ እቲ ዝተኸልከለ ምምላእ ነዳዲ ነፈርቲ ኲናት ሱዕዲ ዓረብ ዳግማይ ከይጅመር ዝእግድ ምኾነ ነይሩ።

እዚ ውሳነ ባይቶ ሕጊ ኸውን ይኽእል`ዶ?

ፕረሲደንት ትራምፕ ነቲ ውሳነ ባይቶ ክቕውፎ [ፕረሲደንታዊ ስልጣኑ ተጠቒሙ ውዱቕ ክገብሮ] ምዃኑ ተሓንዩ`ሎ።

እቲ ውሳነ ድምጺ ንኸይወሃቦ ብዝዓገተ ታሕተዋይ ባይቶ ኣሜሪካ ክሓልፍ`ውን ዕድል የብሉን።

እቲ ነቲ እማመ ዘቕረበ ውልቃዊ ሴናተር በርኒ ሳንደርስ ግን፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ፍርቂ እዋን ምርጫ ዝተዓወተ ሰልፊ ዲሞክራትስ ኣብ ወርሒ ጥሪ ንታሕተዋይ ባይቶ ኣሜሪካ ምስ ተቖጻጸረ እቲ ውሳነ ላዕለዋይ ባይቶ ክዕወት ከም ዝኽእል ኣሚቱ።

ኣማኻሪ ፕረሲደንት ትራምፕን ሰብኣይ ጓሉን ዝኾነ ጃረድ ኩሽነር ምስ ልኡል ሳልማን ዘለዎ ዝምድና ይኹስኩሶ ከም ዘሎ ድማ፡ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ይሕብሩ።