ቅትለት ካሾጊ፡ ስዑዲ ጥርጡራት ኣሕሊፋ ንኽትህብ ካብ ቱርኪ ንዝቐረበላ ሕቶ ነፂጋ

ኣደል ኣል-ጁቤር መግለፂ እናሃቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣል-ጁቤር፡ ቱርኪ ምስ ስዑዲ ሓበሬታ ንእትለዋወጠሉ መገዲ ነቒፎም

ስዑዲ ዓረብ፡ ጥርጡራት ገበን ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ናብ ቱርኪ ኣሕሊፋ ከም ዘይትህብ ኣፍሊጣ።

ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ እታ ሃገር ኣደል ኣል ጁቤር "ዜጋታትና ኣሕሊፍና ኣይንህብን" ኢሉ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጠይብ ኤርዶሃን፡ እቶም ጥርጡራት ናብ ሃገሮም ኣሕሊፍካ ክወሃቡ፡ ቅድሚ ሰሙን ሕቶ ኣቕሪቦም ነይሮም። ብዘይካ'ዚ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንኽውዕሉ'ውን ቱርኪ ትእዛዝ ሂባ ነይራ።

ስዑዲ ዓረብ፡ ምስቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተፈፀመ ቅትለት ብዝተሓሓዝ፡ 11 ሰባት ምክሳሳ ይዝከር።

ቱርኪ ድማ፡ ዋና ሓላፊ ድሕንነት (ስለያ) ስዑዲ ዝነበረ ኣሕመድ ኣል-ኣሲሪን ኣማኻሪ ንጉሳዊ መንግስቲ ነበር ሳኡድ ኣል-ቃጣኒን፡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሊ ትእዛዝ ኣውፂኣ'ያ።

ቱርኪ ምስ ስዑዲ ሓበሬታ ንእትለዋወጠሉ መገዲ ዝነቐፈ ኣል-ጁቤር፡ "ሰብ መዚ ቱርኪ ክንድቲ ንሕና ንኣምኖ ብቕንዕና ይመፁ የለዉን" ምባሉ ወኪል ዜና ኤ ኤፍ ፒ ፀብፂቡ።

መግለጺ ቪድዮ, ቱርኪ ቅትለት ጀማል ካሾጊ ብጥብቂ ትከታተሎ ኣላ

"ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ ዝኽእሉ መረዳእታታት ንኽህቡና ሓቲትናዮም፤ ክንረኽቦ ብዝግበኣና ኩነታት እናተቐበልና ኣይኮነን" ኢሉ።

ፕረዚደንት ረሲፕ ጠይብ ኤርዶሃን፡ ንንጉሳዊ ስድራ ስዑዲ ክጎድእ ከም ዘይለደልይ ብምግላፅ፡ መምርሒ ቅትለት ጋዜጠኛ ካሾጊ ግን ካብ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ስዑዲ ከም ዝመፀ ተዛሪቡ።

ስዑዲ ዓረብ እንታይ ትብል?

ኣብ ዙፋን ንግስና ዘሎ ልኡል ሞሓመድ ቢን ሰልማን፡ ኣብቲ ቅትለት ኢዱ ከም ዘይሓወሰ ትገልፅ።

ኣካላት ፍትሒ ሃገራት ኣዕራብ ብወገኖም፡ ጀማል ካሾጊ ኣብ ቆንስል ስዑዲ ዝቕተለሉ "እኩይ ስርሒት" ንኽፍፀም፡ ካብ ሓላፊ ስለያ መምርሒ ከም ዝተወሃበ ይገልፁ።