ጀማል ካሾጊ፡ 'ብፋሉላት ቀተልቲ' ተቐቲሉ ክኸዉን ከም ዝኽእል ትራምፕ ይእምት

መርመርቲ ስዑዲ ኣብ ኣፍደገ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቱርኪ 15 ጥቅምቲ 2018

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ቅደሚ መርመርቲ ቱርኪ ኣበቲ ስፍራ በጺሖም

ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ኣብ ቱርኪ ዝተሰወረ ሱዕዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ብ `ፋሉላት ቀተልቲ` ተቐቲሉ ክኸውን ይኽእል`ዩ ኢሉ።

ምስ ንጉስ ሳልማን ብቴለፎን ድሕሪ ምዝርራቡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጉስ ሳልማን ብዛዕባ ንካሾጊ ዘጋጠሞ ነገር ዝፈልጦ ከምዘይብሉ ጸቒጡ ከም ዝገለጸሉ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ'ውን ናብ ሱዕዲ ዓረብ ከምርሕ`ዩ።

ፖሊስ ቱርኪ ድማ ንፈለማ እዋን ኣብቲ ካሾጊ መወዳእታ ዝተራእየሉ ቤት ጽሕፈት ቆንስላዊ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢሳታንቡል ኣትዮም ኣለዉ።

ንሳቶም ናብ`ቲ ህንጻ ዝኣተዉ፡ ጉጅለ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ኣብ`ቲ ቦታ ምስ በጽሑ ድሕሪ ሓደ ሰዓት`ዩ።

ሰበ-ስልጣን ቱርኪ ካሾጊ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብኣባላት ስለያ ስዑዲ ኣብ ውሽጢ`ቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ከምዝተቐትለ ይኣምኑ፡ ስዑዲ ዓረብ ግን ነዚ ጠቐነ`ዚ ብተሪር ነጺጋቶ።

ብማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ዝጋዋሕ ዘሎ ዘይተረጋገጸ ወረ ድማ፡ ስዑዲ ዓረብ ካሾጊ ኣብ እዋን መርመራ ብዝወረዶ ማህሰይቲ ከምዝሞተን፡ እቲ ውጥን ድማ ንዕኡ ንምጭዋይ ከምዝነበረ ክትኣምን ትዳሎ ከምዘላ ይሕብር።

እዚ ከምዚ`ሉ እንከሎ፡ ተሌቪዥን ኣል ጀዚራ ንቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ናይ ቱርኪ ብምጥቃስ ካሾጊ ኣብ ውሽጢ`ቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ከምዝተቐትለ ጭብጢ ረኺበ ኣለኹ ኢላ።

እዚ ጉዳይ ናይ ካሾጊ ስዑዲ ዓረብ ምስ ምዕራባውያን መሻርኽታ ንዝነበራ ጥቡቕ ዝምድና ዓንቂጽዎ`ሎ።

ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ንጉስ ሳልማን ብዛዕባ ንካሾጊ ዘጋጠሞ ነገር ኣይፈልጥን`የ ክብል ከሎ ብ`ኣዝዩ፣ ኣዝዩ ተሪር` ኣገላልጻ ከምዝገለጸሉ ሓቢሩ።

"ከምዝመስለኒ [ብኣዘራርባ ንጉስ ሳልማን እቶም ንካሾጊ ዝቐተሉ] ፋሉላት ቀተልቲ ክኾኑ ይኽእሉ`ዮም" ኢሉ ትራምፕ። እንተኾነ ግን ትራምፕ ንኣባሃህልኡ ዝድግፍ መርትዖ ኣይሃበን።

ሰበ-ስልጣን ቱርኪ ካሾጊ ኣብ ውሽጢ`ቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ከምዝተቐትለ ዘርኢ መርትዖ ከምዝረኸቡ ግን ሓደ ምንጪ ፖሊስ ናይ`ታ ሃገር ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ግብረ-መልሲ ሱዕዳውያን`ከ እንታ`ዩ?

ስዑዲ ዓረብ ምሉእ መግለጺ ክትህብ ድፕሎማሲያዊ ጸቕጢ ይበዝሓ ኣሎ። ንጉስ ሳልማን ድማ ብሰኑይ ኣብ`ቲ ጉዳይ መርመራ ክግበር ኣዚዙ።

"እቲ ንጉስ፡ ኣኽባር ሕጊ ኣብ ሓበሬታ ናይ`ታ ኣብ ኢስታንቡል ዝተመስረተት ናይ ሓባር መርማሪት ጉጅለ ተመርኲሱ ውሽጣዊ መርመራ ክጅምር ኣዚዙ`ሎ" ኢሉ ሓደ ብማዕከን ዜና ሮይተርስ ዝተጠቕሰ በዓል ስልጣን።

እቲ ኣኽባር ሕጊ ስርሑ ብቕልጡፍ ከሳልጥ ተኣዚዙ`ሎ ድማ ኢሉ።

እቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ብኸመይ`ዩ ተፈቲሹ?

እቶም መርመርቲ ብሰኑይ`ዮም ናብቲ ቤት ጽሕፈት ኣትዮም። ፈለማ እቲ ሱዕዳዊ ጉጅለ ምስ ኣተወ፡ ድህሪ ሓደ ሰዓት ድማ እቶም ኣባላት ረቂቕ [ፎረንሲክ] መርመራ ፖሊስ ቱርኪ ኣትዮም።

እቲ ተፍትሽ ብናይ ቱርኪን ስዑዲን ናይ ሓባር ጉጅለ ክካየድ ምዃኑ ቱርካውያን ዲፕሎማሲያውን ምንጭታት ሓቢሮም ነይሮም።

ኣቐድም ኣቢሎም ጉጅለ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት ኣትዮም።

ንጉስ ሳልማንን ፕረሲደንት ጣየብ ኤርዶዋን ናይ ቱርኪን ብሰንበት ብተሌፎን ድሕሪ ምዝርራብ፡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ`ቲ ጉዳይ ሓቢረን ክሰርሓ ኣገዳሲ ምዃኑ ተሰማሚዖም።

Presentational grey line

ሕቶታት ኣብ ልዕሊ ወራስ ዓራት ልኡል

ትንተና ብጋዜጠኛ ቢቢሲ ራንክ ጋርድነር

ብምትብባዕ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና፡ ብዙሓት ሱዕዳውያን ንመሪህነት መንግስቶም ደገፎም ክገልጹ ጸኒሖም`ዮም።

እቲ ኣብ ኢስታንቡል ዘጋጠመ ነቲ ኣበር-ኣልቦ ዝኾነ ንግስነት ሱዕዲ ዓረብ ንምጽላም ተባሂሉ ብቐጠርን ቱርኪን ዝተገብረ ሸርሒ`ዩ ዝብል ወረ`ውን ኣሎ።

ካልኦት ግን ብሒቶም ብውልቂ ኣብ ዝህብዎ ርእይቶ፡ እቲ ራኣይተኛ [ቪዢነሪ] መድሓኒ ሱዕዲ ተባሂሉ ዝተወደሰ ወዲ 33 ዓመት ወራስ ዓራት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ቀይዲ-በተኽ ይኸውን ከምዘሎ ይዛረቡ።

ንሱ ንሃገሩ ኣብ የመን ኣብ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍልን ዓወት-ኣልቦ ኣብ ዝኾነን ኲናት ጠቢስዋ`ሎ።

ምስ ጎረቤት ሃገረ ቐጠር ድማ ኣብ ሃሳዪ ዝኾነ ምውጣጥ ኣትዩ። ምስ ካናዳ ድማ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ተኳርዩ፡ ብደርዘናት ዝቑዘሩ ዜጋታት ድማ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያዶም ዳጒንዎም ይርከብ።

ንብዙሓት ኣባላት ዓንኬል ነጋዶን ልዑላውያን ቤተሰብን ድማ ኣግሊልዎም ኣሎ። በዚ ድማ ብዙሓት ዓቃባውያን ሱዕዳውያን ህዱእ እዋን ክመጻሎም ይምነዩ ይህልዉ`ዮም።

Presentational grey line

ካልኦት ግብረ-መልሲ`ኸ?

ሕብረት ኤውሮጳ`ውን ነቲ ዝጸንሐ ጻውዒታት ንግሉጽ መርመራ ተሓዊስዎ`ሎ።

ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ`ቲ ሕብረት ፈደሪካ ሞገሪኒ ድሕሪ`ቲ ዋዕላ 28 ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ናይ`ቲ ሕብረት ንማዕከናት ዜና መግለጺ ሂባ።

"ግልጽነት ከም እንጽበ ኣብ መንጎ ተጋባእቲ ምሉእ ስምምዕ ነይሩ። ካብ`ቲ ብምትሕብባር ሰበ-ስልጣን ቱርኪ ብሰበ-ስልጣን ሱዕዲ ዝግበር መርመራታት ምሉእ ግልጽነት ንጽበ" ኢላ ንሳ።

ብዙሓት ካብቶም ኣብ 23 ጥቅምቲ ኣብ ስዑዲ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ቁጠባዊ ዋዕላ ድማ ንኸይሳተፉ ይውስኑ ኣለው።

ገለ ካብኣቶም ድማ ከም ኣካያዲ ናይ`ቲ ፍሊጥ ኣሜሪካዊ ባንክ ጀይ ፒ ሞርጋን ዝኾነ ጃሚ ዲሞንን ኣቦ መንበር ትካል ሰራሒ መካይን ፎርድ ቢል ፎርድን ኣካያዲት ስራሕ ኡበር ዳራ ኮስውሳኒ ይርከብዎም።

ሚኒስተር ፋይናንስ ኣሜሪካ ስቲቭ ምኑቺን`ውን ክሳተፍ ድዩ ኣይክሳተፍን ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ሓደ ኣፈኛ ናይ`ቲ ሚኒስትሪ ድማ `ነቶም ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዝወጹ ሓበሬታታት የጽንዕዎም` ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።