ጀማል ካሾጊ፡ ትራምፕ ናይቲ ዝጠፍአ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ሃለዋት ክሕበር ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይቲ ኣብ ኢስታንቡል ሃለዋቱ ዝጠፍአ ጋዜጠኛ ስዑድ ዓረብ፡ጀማል ካሾጊ ንምፍላጥ ኩሉ ዝክእሎ ክገብር ምዃኑ ገሊጹ።
ካሾጊ ንንግስነት ስዑድ ዓርብ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ሰብ ኢዩ ነይሩ። መንግስቲ ቱርኪ ካሾጊ ንምጥፋእ ውዲት ከምዝነበረ ዘርኢ ናይ ቪድዮ ጭብጥታት ከምዘለዋ ገሊጻ ኣላ። መንግስቲ ሽዑድ ዓረብ ግና ኩሉ ኣንጻራ ዝቐንዐ ጠቐነታት መሰርት-ኣልቦ ኢዩ ብምባል ትነጽጎ ኣላ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ናይ ጀማል ካሾጊ ጉዳይ ምስ "ዓበይቲ ሰበስልጣናት" ስዑድ ዓረበ ከምዝተዘራረበ ንጋዜጠኛታት ሓቢርዎም።
እቲ ንንግስነት ስዑድ ዓረብ ዝነቅፍ ኣብ ኣሜሪካ ዝቕመጥ ጀማል ካሾጊ ብ 2 ጥቅምቲ ናብቲ ኣብ ኢስታንቡል፡ ቱርኪ ዝርከብ ናይ ስዑድ ዓርብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ክኣቱ ተራእዩ።
ድሕሪ ናይ ጀማል ካሾጊ ሃለዋት ምጥፋእ ድማ ሰበ ስልጣናት ቱርኪ ካሾጊ ተቐቲሉ ኢዩ ምስ በሉ፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ነቲ ዝተባህለ ነጺጋቶ።
"እዚ ተፈጺሙ ዘሎ ኩነታት ኣብ ጋዜጠኛታት ይኹን ካልእ ሰብ ክፍጸም ኣይነፍቅድን" ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሮቡዕ።
"ኣብቲ ቦታ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ብንጹር ክንሕበር ጠሊብና ኣሎና" ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።
ብሰሉስ፡ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ማይክ ፖምፔዮን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን ሰልማን ብዛዕባቲ ጉዳይ ዝያዳ ሓበሬታ ከምዝሓተትዎ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ [ዋይት ሃውስ] ሓቢሩ።
ቱርክን ስዑድ ዓረብን ቀንዲ የዕሩኽ ኣሜሪካ እየን።
ብሮቡዕ፡ ናይ ቱርኪ ናይ ዜና ማዕከናት እቲ ካብ ናይ ሲሲቲቪ ካሜራ ዝተቐድሐ ቪድዮ ምስ ምጥፋእ ጀማል ካሾጊ ውዲት ከምዝነበረ ዘርኢ ጭብጢ ከምዝነበሮ ገሊጸን።
እቲ ዝተቐድሐ ቪድዮ ገለ ናይ ስዑድ ዓረብ ናይ ስለያ ሰበስልጣናት ክኾኑ ይኽእሉ ዝተባህሉ ሰባት ብመዓልቦ ነፈርቲ ኢስታንቡል፡ቱርኪ ክእትውን ክወጹን የርኢ።
እቲ ቪድዮ እንታይ ካልእ የርኢ?
ናይ ቱርኪ ቲኣርቲ ቴሌቪዥን ካብ ናይ ሓለዋ ካሜራ ዝተቐድሐ ቪድዮ ገለ መካይን እንተላይ ሓንቲ ጸላም ዕጽውቲ መኪና፡ ኣብቲ ዝግበር ዘሎ መርመራ ዓቢ ኣቓልቦ ዝተዋህባ፡ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ክኣትዋ የርኢ።
ገለ ደቂ ስዑድ ዓረብ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ብኢስታንቡል ኤርፖርት ክኣትዉን ፡ ኣብ ሆቴላት`ውን ክኣትውን ክወጹን ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ኢስታቡል ክወጹን የርኢ።
ናይ ቱርኪ ናይ ጸጥታ ትካል ብ2 ጥቅምቲ ኣብ ኢስታቡል ኤርፖርት ዝዓለባ ክልተ ናይ ስዑድ ዓረብ ነፈርቲ የጽንዑ ከምዘለው ተፈሊጡ። እቲ ቪድዮ እተን ነፈርቲ ኣብቲ ናይቲ ኤርፖርት ጽርግያ ክጽበያ ከለዋ የርኢ።
ካሾጊ ምስ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ናይ ፍትሕ ጉዳይ ክፍጽምን ነታ ሓዳስ ሕጽይቱ፡ ሃቲች ቼንጊዝ ክምርዓውን ኢዩ ናብቲ ኮንሱሌት ዝኸደ።
እቲ ቪድዮ፡ ካሾጊ ናብቲ ኮንሱሌት ክእትውን ሕጽይቱ ድማ ኣብ ደገ ክትጽበዮን የርኢ።

ኣብቲ ናይ ካሾጊ ምጥፋእ ኢድ ኣለዎም ዝበሎም ናይ 15 ኣባላት ናይ ጸጥታ ሰባት መንነት ከምዘለለየን ሓደ ካብኦም ድማ ናይ ፎሬንሲክ ክኢላ ከምዝኾነን ናይ ቱርኪ ሰባሕ ዝተባህለ ጋዜጣ ገሊጹ።
መንግስቲ ቱርኪ ኣብቲ ናይ ስዑድ ዓረብ ኮንሱሌት ብምእታው ጭብጢ ናይ ምንዳይ ስርሓት ክተካይድ ከምዝኾነት ገሊጻ። ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ስዑድ ዓረብ ድማ "ክትተሓባበር ቅሩብነታ" ድሕሪ ምግላጽ እቲ ኣብቲ ህንጻ ክካየድ ዝተመደበ ተፍትሽ ድማ ክካየድ ኣፍቂዱ።
ቱርኪ ነታ መሸንቖቓ ተጽብባ ኣላ
ብማርክ ሎዌን ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ዝቐረበ ትንተና ከምዝሕብሮ - እቲ መንግስቲ ቱርኪ ንማዕከናት ዜና ተዝሩቖ ዘላ ሓበሬታ፡ ካሾጊ ብሂወት ከምዘሎ ተስፋ ኣይህብን።
ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣና ከምዝሓበሩኒ፡ ፕሬዚደንት ኤርዶጋን ነቲ ጉዳይ ብጥንቃቐ ኢዩ ዝከታተሎ ዘሎ። እንተድኣ ካሾጊ ተቐቲሉ ኢዩ ኢሉ ድማ መንግስቲ ቱርኪ ንኣምባሳደርን ቆንስልን ስዑድ ዓረብ ካብ ሃገሩ ክሶጎም ማለት ኢዩ።
ስለዚ መንግስቲ ቱርኪ፡ ንመንግስቲ ስዑድ ዓረብ ቅሩብ መካትዒ መርትዖ መታን ከቕርብ መተንፈሲ ግዜ ክህቦም ከሎ፡ ብብቕሩብ ድማ ንመንግስቲ ስዑድ ዝወንጅል ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ነታ መሸንቆቓ ተጽብባ ዘላ። ስጋብ ሕጂ ከምዝተሓበርኩዎ፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብባብቲ ጉዳይ ምስ ቱርኪ ብዙሕ ምትሕብባር ኣይትገብርን ዘላ። ስለዚ`ዩ ድማ መንግስቲ ቱርኪ ብሮቡዕ ኣስማት ናይቶም ኣባላት እታ ቀንጻሊት ጉጅለ ኢዮም ዝብሃሉ ሰባት ዝዘርገሐት።
ብርክት ዝበለ ወረ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ካሾጊ ዝተፈጸመ ኣሰቃቒ ኩነታት ኣብታ ሃገር ይናፈስ ኣሎ፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ግና ሕጂ`ውን እቲ ዝናፈስ ዘሎ ወረ መሰረት ኣልቦ ኢዩ ብምባል ትንጽጎ ኣላ። እዚ ግና ናይ ሓደ ወገን ወረ ኣይኮነን፡ ብቪድዮን፡ ስእልታትን ካልእ ናይ ስለያ ጭብጥታትን ዝተሰነየ ኢዩ።
ጀማል ኮሺጊ መን'ዩ?
እቲ ኣብ ስደት ዝነበርን ኣንጻር እቲ ወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን ሳልማን ዝኾነ ካሾጊ ቅድሚ ምጥፍኡ ንጋዜጣ ዋሽንግቶን ፖስት ዓንቀጻት ይጽሕፍ ነይሩ።
እቲ ኣሰናዳዊ ጋዜጣ ኣል-ውጠን ዝነበረን ንዓመታት ድማ ምስቲ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ፡ ንገለ ሰበ ስልጣናት ስዑድ ዓረብ ድማ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ሰሪሑ ኢዩ።
ዳሕራይ ግና ብዙሓት የዕሩኽቱ ምስተኣስሩን ኣብ ኣል-ሓያት ጋዜጣ ዘቕርቦ ዝነበረ ዓምዲ ምስተሰረዘን ትዊት ከይገብር መጠንቀቕታ ምስተዋህቦን ድማ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ኣሜሪካ ከይዱ።
ዝሓለፈ ሰሙን ዋራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን ሳልማን ምስ ብሉምበርግ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ መንግስቱ ካሾጊ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ወይ ድማ ሰዓት ካብቲ ኮንሱሌት ምስወጸ እንታይ ከምዘጓነፎ ክፈልጥ ኣዝዩ ድልየት ከምዘለዎ ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







