ጀማል ካሾጊ፡ ሃገራት ኤውሮጳ `ዝእመን` ሓበሬታ ጠሊበን

ጋዜጠኛ ጀማል ኮሻጊ ናብ ቆንስል ስዑዲ እናኣተወ ጥቅምቲ 2 2018

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ጀማል ኮሻጊ ናብ ቆንስል ስዑዲ እናኣተወ ጥቅምቲ 2 2018

እንግሊዝ፣ ጀርመንን ፈረንሳን ናይ ውሩይ ሱዕዳዊ ጋዜተኛ ጀማል ካሾጊ ምስዋር እሙን ምጽራይ ክግበረሉ ጠሊበን።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሰለስቲኤን ሃገራት ዝኾነ ይኹን ነዚ ጉዳይ`ዚ ዝፈጸመ ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ ብምባል፡ ካብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝርዝር ሓበሬታ ክወሃብ ጠሊቦም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እንግሊዝ (ብሪጣንያ) ጀረሚ ሃንት እቲ ዝኾነ ኮይኑ`ዩ `ኩሉ ድማ ብፍጹም ንስዑዲ ዓረብ ይምልከት` ኢሉ።

ሱዕዳውያን ግን ካሾጊ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ናይ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈቶም ኣይተቐትለን ይብሉ።

ብመሰረት ሓደ ብመንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝተጠቕሰ ምንጪ ሓበሬታ፡ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝግበር ዘሎ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ምፍርራሕ ከምትነጽጎን፡ እንተተግቢሩ ድማ ዓጸፋ መልሲ ክትህበሉ`ያ ይበሃል።

እቲ ወቓሲ መንግስቲ ሱዕዲ ዓረብ ዝኾነ ሚስተር ካሾጊ ብ2 ጥቅምቲ`ዩ ናብ`ቲ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ስዑዲ ምስ ከደ ጠፊኡ። ሰበ-ስልጣን ቱርኪ ግን ካሾጊ ኣብ ውሽጢ`ቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ብሱዕዳውያን ሰለይቲ (ሰለልቲ) ከምዝተቐትለ ይኣምኑ፡ ሱዕዲ ዓረብ ግን ነዚ ጠቐነ`ዚ `ሓሶት` ብምባል ትነጽጎ።

ኤውሮጳውያን`ከ እንታይ ይብሉ?

ብሰለስቲኦም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፡ እሙን ዝኾነ መርመራ ክግበርን፡ እቶም ገበነኛታት ድማ ብሓላፍነት ክሕተቱ ጸዊዑ።

"ብቱርኪን ብስዑዲን ዝካየድ ናይ ሓባር ጻዕሪ ነተባብዕ፡ መንግስቲ ስዑዲ ድማ ምሉእን ዝርዝራውን ዝኾነ ሓበሬታ ክህብ ንጽበዮ" ኢሎም ጀረሚ ሃንት፣ ጆን ይቨስ ሌ ድሪያንን ሃይኮ ማስን።

"እንታይ ከምዘጋጠመ ዋላ ሓደ ካባና ዝፈልጥ የለን። ኩልና ግን በቲ ወጺኡ ዘሎ ሓበሬታ ኣዚና ተሻቒልና`ለና፡ እታ ናብ ሱር ናይ`ዚ ጉዳይ`ዚ ክንበጽሕ ክትሕግዘና እትኽእል ሃገር ድማ ሱዕዲ ዓረብ`ያ" ኢሉ ሚስተር ሃንት።

"ከምቲ [ሰበ-ስልጣን ሱዕዲ] ዝብልዎ፡ እቲ ቅትለት ዘይተፈጸመ እንተኾይኑ፡ ጀማል ካሾጊ ብህይወት ኣሎ ማለት ድዩ? ዓለም ድማ ንሱ`ያ ክትፈልጥ እትደልይ" ኢሉ።

ኣብ ጉዳይ ኮሻኪ ዝዝትይ ልኡኽ ብዓርቢ ስዑዲ ናብ ቱርኪ ኣምሪሑ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጉዳይ ኮሻኪ ዝዝትይ ልኡኽ ብዓርቢ ስዑዲ ናብ ቱርኪ ኣምሪሑ

ካልእ ጸቕጢ`ኸ ነይሩ ድዩ? ሱዕዳውያን`ከ እንታይ ግብረ-መልሲ ሂቦም?

እቲ መግለጺ ናይ ኤውሮጳውያን፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካሾጊ ኣብ`ቲ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ተቐቲሉ እንተኾይኑ `ከቢድ መቕጻዕቲ` ኣብ ልዕሊ ሱዕዲ ዓረብ ክወስድ ምዃኑ ዝኣተዎ ቃል ስዒቡ`ዩ መጺኡ።

ዲፕሎማሲያውያን ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ ሚኒስተር ቁጠባ ኣሜሪካ ስቲቭ ምናቺንን ሚኒስተር ዓለም-ለኻዊ ንግዲ ብሪጣኒያ ሊያም ፎክስን ኣብ`ቲ ኣብ ሪያድ ዝካየድ ዋዕላ ወፍሪ ዘይክሳተፉ ይኽእሉ`ዮም።

ሓጋዚ ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ ላሪ ካድሎው ግን ሚስተር ምናቺን ገና ኣብ`ቲ ዋዕላ ንዘይምስታፍ ኣይወሰነን ዘሎ ኢሉ።

እቲ ዋዕላ ብወራሲ ዓራት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ነቲ ንሱ ጀሚርዎ ዘሎ መስርሕ ጽገና ንምውዕዋዕ`ዩ ተጸዊዑ። ብዙሓት መወልትን ጉጅለታት ማዕከናት ዜናን ግን ኣብ`ቲ ዋዕላ ንኸይሳተፉ ወሲኖም ኣለዉ።

ሰበ-ስልጣን ሰዑዲ ግን ሓያል ግብረ-መልሲ ሂቦም ኣለዉ።

"ሱዕዲ ንዝኾነ ዝውሰድ ስጉምቲ ዓጸፋ መልሲ ክትህበሉ ምዃና ደጊማ ከተረጋግጽ ትፈቱ። ቁጠባ ሱዕዲ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ዓለም ዓቢይን ኣገዳስን ድርኺት ኣለዎ" ኢሉ ሓደ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱዕዲ ዓረብ ኤስ ፒ ኤ ዝጠቐሰ ምንጪ ሓበሬታ።

ብሰንበት ምሸት ግን ንጉስ ሳልማን፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ነቲ ጉዳይ ዘጻሪ ናይ ሓባር ኮሚቴ ብምምስራቱ ብምምስጋን ናይ ኣቕዋም ምልስላስ ኣርእዩ።

ሱዕዲ ዓረብ ምስ ቱርኪ ንዘለዋ ሓያል ዝምድና ድማ ዝኾነ ይኹን ኣካል ክዕንቅፎ ኣይክእልን`ዩ ድማ ኢሉ።

ዕዳጋታት ሱዕዲ`ኸ?

ዋጋታት ኣብ`ቲ ታዳዉል ዝተባህለ ናይ ንግዲ ትካላት ዝውንንኦ ብርክታት ብሰንበት ናብ ሸውዓተ ሚእታዊት ብምውራድ ባይታ ዘቢጡ፡ ነቲ ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ ተረኺቡ ዝነበረ መኽሰባት ድማ ግሒጡዎ። ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ፡ እቲ ትካል ካብ`ቲ ዝነበሮ 450 ቢሊዮን ዶላር ርእሰ ማል ኣብ ሓደ ረፍዲ 50 ቢሊዮን ዶላር ኣጥፊኡ።

እንታይ`ዩ ኣብ ኢስታንቡል ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ?

ሰበ-ስልጣን ቱርኪ፡ እቲ ዓምደኛ ጋዜጣ ዋሺንግተን ፖስት ዝኾነ ካሾጊ፡ ኣብ ውሽጢ`ቲ ቆንስላዊ ቤት ጽህፈት ከምዝተቐትለ ዘርእዩ ናይ ድምጽን ምስልን መርትዖ ከምዘለዎም ሓደ ምንጪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሚስተር ካሾጊ ናይ መርዓ ሰነዳት ኣገልግሎት ንምሕታት ናብቲ ቤት ቆንስላዊ ጽሕፈት ምስ ኣተወ፡ መጥቃዕትን ማህረምትን ከምዝነበረ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ምንጭታት ሓበሬታ ቱርኪ፡ ካሾጊ ብዓሰርተ ሓሙሽተ ኣባላት ስልያ ሱዕዲ ከምዝተቐትለ ይሕብሩ።