ሞት ጀማል ካሾጂ፡ ስዑዲ ዓረብ ተቐቲሉ ኢላ

ጀማል ካሾጂ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዕዲ ዓረብ ዓብደል ጁቤይር እቲ ዝተፈጸመ ተግባር `ዓቢይ ጌጋ` እዩ ነይሩ ብምባል ብትእዛዝ`ቲ ዓቢ ድርኺት ዘለዎ ወራስ ዓራት ልኡል [መሓመድ ቢን ሳልማን] ከምዘይተፈጸመ ግን ንማዕከን ዜና ፎክስ ሓቢሩ።

እታ ኻሾጂ ብህይወት ከምዘሎ ክትገልጽ ዝጸንሐት ሱዕዲ ዓረብ ብዛዕቢ`ቲ ዘጋጠመ ነገር መብርሂ ክትህብ ጸቕጢ ክወርዳ ጸኒሑ`ዩ።

ንሱ ኣብ ዕለት 2 ጥቅምቲ`ዩ ናብ`ቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆልስላዊ ጉዳያት`ታ ሃገር ክኣቱ እንከሎ ንመወዳእታ እዋን ተራእዩ።

ሰበ-ስልጣን ቱርኪ እቲ ውሩይ ነቓፊ መንግስቲ ሱዕዲ ዓረብ ዝነበረ ኻሾጂ ብሓደ ጉጅለ ሰለይቲ ሱዕዲ ኣብ ውሽጢ`ቲ ቤት ጽሕፈት ቆንስላዊ ጉዳያት ከምዝተቐትለ ይኣምኑ።

ሱዕዲ ዓረብ ግን ኣብ ፈለማ ኻሾጂ ብዘይ ገለ ጉድኣት ካብ`ቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝወጸ ክትገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ከምዝተቐትለ ብዓርቢ ንፈለማ እዋን ኣሚና። እንተኾነ ግን ንሱ ኣብ እዋን እቲ ዝተላዕለ ባእሲ`ዩ ሞይቱ ብምባላ ዓቢ ጥርጣረታት ኣልዒሉ`ሎ።

ሚስተር ኣልጁበይር እቲ ኩነት ደይ መደይ ኢልካ ዝተፈጸመ መቕተልቲ`ዩ ክብል ገሊጽዎ።

`ኩሉ`ቲ ሓቅታት ንምፍላጥ ቆሪጽና ኣለና፡ ነቶም ነዚ መቕተልቲ ዝፈጸሙ ንምቕጻዕ`ውን ቆሪጽና`ለና` ኢሉ ንሱ።

`እቶም ነዚ ዝፈጸሙ ውልቀ-ሰባት ካብ ስልጣኖም ወጻኢ`ዮም ፈጺሞሞ` ድማ ኢሉ።

`ብርግጽ፡ ዓቢ ጌጋ`ዩ ተፈጺሙ። እቲ ነቲ ጉዳይ ንምሽፋን ዝተገብረ ፈተነ ድማ ነቲ ዝተፈጸመ ጌጋ ዝያዳ ሓላሊኽዎ` ኢሉ ኣል ጁበይር።

ሰበ-ስልጣን ሱዕዲ እቲ ሬሳ ኣበይ ከምዘሎ`ውን ኣይፈልጡን ነይሮም፡ ብትእዛዝ ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ግን ኣፍተፈጸምን ኢሉ።

`ዋላ`ቲ ላዕለዋይ ኣካል ትካል ስለያና`ውን ኣይፈልጥን ነይሩ` ብምባል ድማ `ፋሉል ስርሒት` እዩ ነይሩ ኢሉ።

ሱዕዲ ዓረብ ምስ`ዚ ጉዳይ ዝተሓሓዝ 18 ሰባት ከምዝኣሰረትን፡ ክልተ ተሓጋገዝቲ መሓመድ ቢን ሳልማን ካብ ስልጣን ከምዝኣለየትን ሓደ ብቢን ሳልማን ዝምራሕ ንትካል ስለያ`ታ ሃገር ዝጽግን ኣካል ከምዘቖመትን ኣፍሊጣ`ላ።

ንጉስ ሳልማንን ወራስ ዓራት ልኡል መሓመድ ሳልማንን ብሰንበት ንወዲ ኻሾጂ ደዊሎም ብሞት ኣቡኡ ዝተሰምዖም ሓዘን ከምዝገለጽሉ ሱዕዲ ፕረስ ኤጀንሲ ጸብጺባ።

ዓለም-ለኻዊ ግብረ-መልሲ`ኸ?

ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ መግለጺታት ሱዕዲ ዓረብ `ሓሶታትን ምትላላትን` ከምዝነበር ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ ግን መግለጽታት ሱዕዲ እሙናት ከምዝነበሩ ክዛረብ ጸኒሑ`ዩ።

እቲ ወራስ ዓረት ልኡል ኢዱ ኣይእተወን ክኸውን ድማ ተተስፍዪ። ትራምፕ ተኽእሎ ምንባር ማዕቀብ ከምዘሎ`ኳ እንተኣመተ፡ ነቲ ምስ ሱዕዲ ዓረብ ተበጺሑ ዘሎ ኣጽዋር ናይ ምሻጥ ውዕል ደው ምባል ግን `ካብ ንዕኦም፡ ንዓና ዝያዳ ክሃስየና`ዩ` ኢሉ።

ብሪጣኒያ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ዘውጽእኦ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ስንባደአን ድሕሪ ምግላጽ፡ ምሉእ ዝኾነ መግለጺ ክወሃበን ሓቲተን።

`ነዚ መቕተልቲ`ዚ ምኽኑይ ክገብሮ ዝኽእል ዋላ ሓደ ነገር የለን፡ ብትሪ ድማ ንኹንኖ` ድማ ኢለን።

ሓያሎ ዞባውያን መሻርኽቲ ሱዕዲ ዓረብ ግን ነታ ሃገር ዘለወን ደገፍ ገሊጸን ኣለዋ። ኩወይት ንናይ ንጉስ ሳልማን ኣተሓሕዛ`ቲ ጉዳይ ክትንእድ እንከላ፡ ግብጺ፣ ባሕሬንን ኢማት ዓረብን ድማ ገለ ተመሳሳሊ ናእዳ ካብ ዝመጠዋ ሃገራት`የን።

ፕረሲደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ድማ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሰሉስ ኣብ ባይቶ`ታ ሃገር ቀሪቡ ነቲ `ቅሉዕ ሓቂ` ክድርጉሖ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ መርመራ`ኸ ኣበይ በጺሑ`ሎ?

ቱርኪ ንግዚኡ`ኳ ንሱዕዲ ዓረብ ካብ ምውቃስ ተቖጢባ እንተሃለወት፡ ቱርካውያን መርመርቲ ግን ኻሾጂ ብጉጅለ ሱዕዳውያን ሰለይቲ ኣብ ውሽጢ`ቲ ቤት ጽሕፈት ቆንስላዊ ጉዳያት ከምዝተቐትለ ዘመልክት ናይ ድምጺን ምስሊን መርትዖ ከምዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ።

ፖሊስ ድማ ሬሳ ናይ ኻሾጂ ተደርብይሉ ዝብሃል ኣብ ከባቢ ኢስታንቡል ዝርከብ ጫካ ቤልግራድ ዳህሲሶም ኣለዉ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ድማ ኩነታት ናይ`ቲ ጠፊኡ ዘሎ ሬሳ ዝፍለጠሉ እዋን `ነዊሕ ከምዘይከውን` ተተስፍዩ።

እቲ ቤት ጽሕፈትን መንበሪ ናይ`ቲ ሓላፊኡን ድማ ተፈቲሾም ኣለዉ።

ሚስተር ኻሾጂ ጨዊኻ ንሱዕዲ ንምውሳዱ ዝተገብረ ፈተነ ድሕሪ ምፍሻሉ ተዓፊኑ ከምዝተቐትለ ሓደ ሱዕዳዊ በዓል ስልጣን ከምዝነገሮ ማኦከን ዜና ሮይተርስ ብሰንበት ጸብጺቡ።

ሬስኡ ድማ ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ንኽጓሓፍ ንሓደ `ተሓባባሪ` ወዲ ዓዲ [ቱርካዊ] ተዋሂብዎ።

ሓደ ኣባል ስርሒታት ሱዕዲ ክዳውንቲ ናይ ኻሾጂ ተኺዲኑ ካብ`ቲ ቤት ጽሕፈት ክወጽእ እንከሎ ከምዝረአ ተገይሩ ድማ ይበሃል።

ብምኽንያት `ኣብ`ቲ እዋን ካብ ውሽጢ ዝወጹ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት` መግለጺታት ሱዕዲ ዓረብ ተቐያይሮም ኢሉ`ቲ በዓል ስልጣን።