ስዑዲ ዓረብ ምስ ካናዳ ዘለዋ ናይ ንግዲ ርክብ ጠጠው ኣቢላ፡ ንልኡኻ ድማ ፀዊዓ

ሳማር ባዳዊ ምስ ሚሼል ኦባማን ሂላሪ ክሊንተንን ኣብ 2012፡ ሽልማት ተባዕ ጓል ኣንስተይቲ ምስወሰደት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሳማር ባዳዊ ምስ ሚሼል ኦባማን ሂላሪ ክሊንተንን ኣብ 2012፡ ሽልማት ተባዕ ጓል ኣንስተይቲ ምስወሰደት

ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተይ ጣልቃ ኣትያ ብምባል፡ ስዑዲ ዓረብ ምስ ካናዳ ዘለዋ ሓድሽ ናይ ንግድን ኢንቨስትመንትን ርክባት ጠጠው ከምዘበለት ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ትዊተር ንኣምባሳደር ካናዳ ከምዝሰጉግን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ልኡኹ ድማ ይፅውዕ ከምዘሎን ኣፍሊጡ'ሎ።

ካናዳ ማእሰርቲ ብዙሓት ተሓለቕቲ መሰላት ኣዝዩ ከምዘሻቐላ ምስገለፀት እያ ስዑዲ ዓረብ ነዚ ስጉምቲ ወሲዳ።

ካብ መንጎ እተን ዝተኣሰራ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ስዑዳዊት-ኣመሪካዊት ሳሚር ባዳዊ ሓንቲ እያ።

ሳሚር ባዳዊ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ መጉዚትነት ክህልዎም ዝገብር ስርዓት፡ ከብቅዕ ክትጉስጉስ ፀኒሓ'ያ።

ስዑዲ ዓረብ እንታይ በለት?

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር "ዝኾነ ዓይነት ጣልቃ ምእታው ተቐባልነት የብሉን" ኢሉ።

ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ካናዳ፡ ሪያድ ንተሓለቕቲ መሰላት ደቂኣንስትዮ "ብህፁፅ ክትፈትሕ" ዘተሓሳሰቦ ብምጥቃስ፡ እዚ ንስዑዲ ዓረብ "መጥቃዕቲ" እዩ ክብል ገሊፅዎ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡

  • ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሓድሽ ንግዳውን ወፍራውን ምልውዋጥ ጠጠው ከብል
  • ኣምባሳደር ካናዳ ኣብ 24 ሰዓታት ነታ ሃገር ለቒቑ ክወፅእ
  • ንልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ካናዳ ክፅውዕ
  • ተወሳኺ ስጉምትታትን ክወስድ

ከምዝኾነ ኣፍሊጡ'ሎ።

መንግስቲ ካናዳ ዛጊድ ኣብቲ ስዑዲ ዓረብ ወሲዳቶ ዘላ ዲፕሎማሲያዊ ስጉምቲ ዕላዊ ርኢቶ ኣይሃበን።