ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝጉዓዙ ዓሰርተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም

ገለ ካብቶም ኢትዮጵያውያን

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኣትዉ ዝፈተኑ ዓሰርተ ኢትዮጵያውያን ዛምብያ ምስ በጽሑ ኣብ ቁጽጽር ውዒሎም።

እቶም ስደተኛታት፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቦም ነፍሲ ወከፎም 300 ዶላር ክኸፍሉ እንተዘይክኢሎም ግን ከምዝእሰሩ ቤት ፍርዲ ዛምብያ ከም ዝበየነሎም፡ ኣስተርጓሚት እቲ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያዊት ብርቱካን ገረመው ንቢቢሲ ሓቢራ።

ግዳይት ኣብ ክሊ ዕድመ 18ን 38ን ዓመት ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ብርቱካን ከም ዝሓበረቶ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብታ ምስ ታንዛንያ እተዳውብ ካብ ርእሰ ከተማ ሉሳካ 750 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ቺንሳሊ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ዝተረኸቡ ክኸውን እንከሎ፡ ክዳውንቶም ተቐዳዲዱን ብሕማምን ጥምየትን ተዳኺሞም ኣብ ሕማቕ ኣካላዊ ኩነታት ከም ዝነበሩ እዩ።

"ኣብ ኮንተይነር ተዳጉኖም ካብ ኬንያ ናብ ታንዛንያ፡ ስዒቡ ድማ ናብ ዛምብያ ምስ ኣተው እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም" ዝበለት ብርቱካን፡ ኣስዒባ ኣብ መንገዲ ፖሊስ ምስ ረኸብዎም እቲ መራሕ መኪና ሃዲሙ ናብ ጫካ ብምእታው ገንዘብ ከም ዝሓተተቶም'ውን ገሊጻ።

ብርቱካን ምስ'ቲ ጉዳይ ዘተሓሕዝ ነገር ከም ዘይብላን ኣብ'ቲ ከባቢ እትነብር ኢትዮጵያዊት ብምዃና ብምትረጓም ክትትሓጋገዞም ብሓለቓኣ ከም ዝተኣዘዘት ሓቢራ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝስዕብ 14 መዓልታት ዝተበየነሎም ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ምስዘይከፍሉ ኣብ ጽኑዕ ማእሰርቲ ክኣትው ምዃኖም ቤት ፍርዲ ኣጥቢቑ ገሊጹሎም።

ኣዝማድ ንገለ ካብቶም ግዳያት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስለዝረኸበት፡ ዝተበየነሎም መቕጻዕቲ ክኸፍልሎም ከምዝተዘራረበትን እቶም ፍቓደኛታት ኣዝማድ ዝረኸቡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኽፍትሑ ብዝከኣላ ዓቕሚ ትጓየ ከምዘላ'ውን ተዛሪባ።