ርዋንዳዊ ጥርጡር ዓሌታዊ ምፅናት 'ካብ ዴንማርክ ናብ ሃገሩ ተረኪቡ'

ነቲ ዓሌታዊ ምፅናት ዝዝክሩ ሽክናታት ርእሲ ግደያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሩዋንዳ ኣስታት 800 ተጠርጠርቲ ዓሌታዊ ምፅናት ንምቕያድ ዓለም-ለኻዊ ደብዳበ ትእዛዝ ማእሰርቲ ዘርጊሓ እያ

ዴንማርክ ኣብ ሃገራ ንዝፀንሐ ተጠርጣሪ ዓሌታዊ ምፅናት ኣሕሊፋ ከም ዝሃበት ሰብ መዚ ሩዋንዳ ኣፍሊጦም።

ሰብ ሞያ ሕጊ ሩዋንዳ፡ ወዲ 50 ዓመት ዋንሴስላስ፡ ኣብቲ ብ1994 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝተፈፀመ ዓሌታዊ ምፅናት፡ ዓመፅ የላዓዕል ምንባሩ ይገልፁ።

ኣብ ሰሜን-ምዕራብ እታ ሃገር ንዝነበሩ ደገፍቲ ሁቱ ዝኾኑ ሚሊሻታት ይመርሕ ከም ዝነበረ ዘመልክት ክሱ፡ ኣብቲ ን100 መዓልቲ ዝፀንሐ ዓሌታዊ ምፅናት፡ ንዓሌት ቱትሲ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ክፍፀም ከም ዝገበረ የረድእ።

ካብ 2001 ጀሚሩ ናብርኡ ኣብ ዴንማርክ ገይሩ ፀኒሑ። ዴንማርክ ኣሕሊፋ ንከይተረክቦ ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ እናቐረበ ይሟገት ነይሩ።

ንመንግስቲ ዝድግፍ ጋዜጣ እታ ሃገር 'ዘ ኒውስ ታይም' ከም ዝፀብፀቦ፡ ዋንሴስላስ ዴንማርክ ንሩዋንዳ ኣሕሊፋ ዝሃበቶ ካልኣይ ሩዋንዳዊ ኮይኑ'ሎ።

እቲ ቀዳማይ፡ ኢማኑኤል ባሩሺማና ዝበሃል ኮይኑ፡ ኣብ 2017 ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ።

ሩዋንዳ፡ ሃገራት ዓለም ጥርጡራት ዓሌታዊ ምፅናት ኣሕሊፈን ንኽህበኣ ብዝብል፡ ብ2007 ፍርዲ ሞት ክተልዕል ኪኢላ'ያ። ኣስታት 800 ተጠርጠርቲ ዓሌታዊ ምፅናት ንምቕያድ ድማ ዓለም-ለኻዊ ደብዳበ ትእዛዝ ማእሰርቲ ዘርጊሓ።

ኣስታት 800,000 ዓሌት ቱትሲን ሞንጎኛ ዝነበሩ ሁቱን ኣብቲ ዓመፅ ተቐቲሎም።