ውሕስና ዘይብለንን ረብሻ ድምፂ ዝፈጥራን 700 ኣብያተ ክርስትያን ርዋንዳ ተዓፅየን

ምንጪ ስእሊ, AFP
እተን ኣብያተ-ክርስትያን መብዛሕትኤን ኣናኣሽቱ ናይ ጴንጤኮስታል ክኾና ከለዋ ሓንቲ መስጊድ'ውን ትርከበን።
ሰበስልጣን እታ ሃገር ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ ካብ ሞንጎ'ተን ዝተዓፀዋ ልዕሊ 700 ኣብያተ-ቤተክርስትያን ገሊኤን ብድሕር'ቲ ብተቖፃፀርቲ ኣካላት ዝተገበረ መርመራ ተኸፊተን እየን።
ዝኾነ ሰባኺ ቅድሚ ቤተ-ክርስትያን ምኽፋቱ ስልጠና መንፈሳዊ ትምህርቲ ስነ-መለኮት ክወስድ ከምዘለዎ ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ርዋንዳ ይድንግግ።
ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ተኣምራት ንፍፅም ኢና ብዝብሉ ሰበኽቲ ዝኽፈታ ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ መብዛሕቲኡ ክፋላት ኣፍሪካ ቁፅረን እናወሰኸ መፂኡ እዩ። ገለ ካብኣተን ኣናኣሽቱን ሕጋዊ ፍቓድ ዘይረኸባን እየን።
መራሕተን'ውን ቁፅሪ ሰዓብቲ ንምውሳኽ ብዝብል ዕላማ ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ድምፂ ከጋውሓ ብምፅንሐን ነቐፌታታት ይበፅሐን ነይሩ።
በዓልስልጣን መንግስቲ ርዋንዳ ጀስተስ ካንግዋግዬ እተን ኣብያተ ክርስትያን "ማእኸላይ ዝበሃል ደረጃ" ድምፂ ክጥቀማ ከምዘለወን ንቢቢሲ ፕሮፕራም ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







