ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ንሰሙናት ምስዋሩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ

ጆን ማጉፉሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ታንዛንያውያን ንፕረዚደንት ሃገሮም ጆን ማጉፉሊ ካብ ዝርእይዎ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ሓሊፉ'ሎ።

"ቤተ ክርስትያን ብዘይምቁራጽ ዝኸይድ፡ ኣብ ቴለቪዥን ብቐጻሊ ዝርአን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ንጡፍ" ምንባሩ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ዳረሰላም ኣቱማን ምቱልያ ይገልጽ።

ካብ 27 ለካቲት ንደሓር ግና ኣይተርኣየን።

ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ፡ እቲ ፕረዚደንት ብኮቪድ-19 ድሕሪ ምልካፉ፡ ብጽኑዕ ሓሚሙ ከም ዘሎ እዮም ዝዛረቡ።

ፕረዚደንት ማጉፉሊ፡ እቲ ለበዳ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ንዝፈጠሮ ጽልዋ ከነኣእስ እዩ ጸኒሑ።

ብዙሓት ሰበስልጣን እታ ሃገር ግና: እቲ ፕረዚደንት "ኣብ ጽቡቕ ኩነታት" ከም ዘሎ እዮም ክዛረቡ ዝስምዑ።

ነቲ ብዛዕባ ምሕማሙ ዝናፈስ ወረ'ውን "ቤላቤለው" ክብሉ ይነጽግዎ።

እንተኾነ ግና ዛጊት፡ ድሓን ከምዘሎ ዝገልጽ ዝኾነ ጭብጢ ኣይተርኣየን።

ኩነታት ኮቪድ-19 ኣብ ታንዛንያ

መንግስቲ ታንዛንያ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእቲይዎ ከምዝነበረ ክገልጽ ጸኒሑ።

እንተኾነ ግና፡ ኣብታ ሃገር ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ ሕማም ይሞቱ ምህላዎም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ታንዛንያ፡ ንሓደገኛነት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብቐጻሊ ክትሰትር ብምፍታና ክትክሰስ ጸኒሓ'ያ።

መንግስቲ እታ ሃገር፡ ሰባት ናይ ምክልኻል ዓቕሞሞ ከሐይሉ ባህላዊ ፈውስታት ክወስዱ ብተደጋጋሚ ክምዕድ ተሰሚዑ።

እንተኾነ፡ እዞም ባህላዊ መድሃኒታት ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝከላኸሉ ዝኾነ መርትዖ የለን።

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ጅንጅብል፣ ሽጉርቲ፣ ለሚንን ጉዕን ብሓባር ጥሒንካ ምስታይ መድሃኒት'ዩ ዝብል ብተግባር ዝተደገፈ ግን ድማ ብሰነፍልጠት (ሳይንስ) ዘይተረጋገጸ ጉዳይ ንህዝቢ ኣቃሊሑ ምንባሩ ይፍለጥ።

ንኣዋርሕ መንግስቲ ታንዛኒያ፡ እታ ሃገር ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናጻ ከም ዝኾነትን ክታበት ንምዕዳግ መደብ ከም ዘይብላን ክገልጽ ጸኒሑ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓቀኛ ምስሊ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ። ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ዓው ኢሎም ድምጾም ዘስምዑ ሰባት'ው ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።