ፕረዚደንት ታንዛንያ ተምሃሮ 'ክህረሙ ኣለዎም' ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ ንሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ 'ሓዊ ኣእትየምሉ' ንዝተብሃሉ ተምሃሮ ዝቐትቐጠ ላዕለዋይ ሓላፊ ሞጒሱ።
እዚ ካብ ፕረዚደንት ናእዳ ዝረኸበ ሓላፊ፡ ኣልበርት ቻላሚላ ዝተብሃለ ኮይኑ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስቲ'ዩ።
ንሱ ደው ኢሉ እናርኣየ፡ ተምሃሮ ብኣፍልቦም ደቂሶም ብበትሪ እናተሃረሙ እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ድሕሪ ምዝርግሑ ኣዘራራቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ተምሃሮ ክቕጽዑን ክህረሙን ኣለዎም ብዝብል መርገጺኡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ተምሃራይ ምስ ዝርብሽ ወይ ምስዝብድል፡ መምሃራን ክሳብ ዝኣክሎ ክሃርምዎ ዘፍቕድ ሕጊ ክተኣታታቶ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።
እዚ ፕረዚደንት እቲ ተምሃራይ ምዓስ እዩ ክህረም ዘለዎ ዝብል ሕጊ ተኣልዩ፡ መምሃራን በዲሉ ኣብ ዝበልሉ ንተምሃረይ ክቀጽዑ እዩ ዝጽውዕ ዘሎ።
ኣብዚ ሐጂ እዋን ዋላ ርእሰ መምህር ንተማሃራይ ከይሃርም ዝኽልክል ሕጊ'ዩ ዘሎ፡ ተምሃሮ እቲ ዝዓበየ በደል ምስ ዝፍጽሙ እውን ካብ ኣርባዕተ ግዜ ንላዕሊ ክቅጽዑ ከም ዘይብሎም'ዩ እቲ ዘሎ ሕጊ ዝድንግግ።
ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ፡ ቅድሚ ሕጂ 'ተማሃራይ ምህራም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት'ዩ' ብዝብል ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ሰጒጕ'ዩ።
ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ፡"ንኣላሚላን ኣዘራሪበዮ እየ፡ 'ጽቡቕ ገይርካ' ኢለ ናእዳይ ገሊጸሉ" ኢሉ።
ብምስዓብ "ልቦም ክሳብ ዝጠፍኦም በልዎም፡ እቶም እዚ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት እዩ ዝበሉ ከኣ፡ ዋጋ ናይዚ ተቃጺሉ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ክኸፍሉ ኣለዎም፡ እዚ ቤት ትምህርቲ ድኻ ስድራቤታት ኣዋጺኦም ዘስርሕዎ እዩ" ኢሉ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



