ታንዛናያዊ ጋዜጠኛ 'ናይ ሓሶት ዜና' ኣቃሊሕኻ ተባሂሉ ተኣሲሩ

ጆሴፍ ጋንድየ
መግለጺ ስእሊ, ጆሴፍ ጋንድየ

ታንዛናያዊ ጋዜጠኛ፡ 'ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ሕጊ ዘለዉ ሰባት ኣጋፊዑ' ኢሉ ብዝሓተሞ 'ናይ ሕሶት ዜና እዩ' ብዝብል ተኣሲሩ።

ጆሴፍ ጋንድየ ብጥምረት ተኸላኸልቲ ሰብኣዊ መሰላት ታንዛንያ ኣብ ዝተጣየሸ መደበር ቴሌቭዥን ዋተተዚ ጋዜጠኛ ኮይኑ'ዩ ዝሰርሕ።

እቲ ጥምረት ማእሰርቲ ጆሴፍ ተቓዊሙ መግለጺ ዘውጽአ ኾይኑ፡ ፈለማ እቲ ጸብጻብ ኣሰናዲኢሉ ናብ ዝነበረ ከባቢ ከምዝተወሰደ ኣብ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ።

ኣብ ማእኸላይ ታንዛንያ ዝርከብ ኢሪንጋ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስፍራ፡ እቲ ጋዜጠኛ ብዛዕባ ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ እሱራት እቲ መደብር ፖሊስ ዝጸሓፈሉ ከባቢ እዩ።

እቲ ጸብጻብ ምስተቓልሐ ሽዑ ንሽዑ ፖሊስ ታንዛንያ፡ ንሓይልታት ጸጥታን መንግስትን ታንዛንያ ዘነኣእስ ጸብጻብ ንዘቃልሓ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓቕሊ ከምዘይብሉ ምላሽ ሂቡ ምንባሩ እቲ መደበር ቴሌቭዥን ገሊጹ።

ኣዛዚ ፖሊስ ክልል ኢሪንጋ፡ ዝተዋቕዐ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ዘቃልሑ ሰባት ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ትእዛዝ ሂቡ ምንባሩ እውን እቲ ቴሌቭዥን ኣቃሊሑ።

ኣብታ ሃገር ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምርመራዊ ሰነዳት ብምቕራብ ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ኢሪክ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ እዩ።

ንሱ ክሳብ ሕዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ታንዛንያ ዝመደብሮም ኤምባሲታት ኣሜሪካን ኢንግሊዝን ኣብ ኣግባብ ኣተሓሕዝኡ ሕቶ ኣልዒሎም።

ፕሬዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጋፉሊ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንነዘ ናጽነት ሚድያ እናጸበበ ከምዝመጽአን ብርክት ዝበላ ጋዜጣታትን መደብራት ራድዮን ከምዝተኣገዳ ይፍለጥ።

እቲ ፕሬዚደንት ኣንጻር መንግስቲ ዕላማ ገይሮም ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ዘቃልሑ መራኸብቲ ሓፋሻት መጠንቐቕታ ክህብ ልሙድ ተግባር ኮይኑ ኣሎ።