ቻይናዊ ሚኒስተር ‘ማስክ’ ብዘይምግባሩ፡ ብፕረዚደንት ታንዛንያ ተመስጊኑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ ናብ ሃገሩ ክበጽሕ ዝመጸ ቻይናዊ ሚኒስተር: መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይምግባሩ: ኣብ’ታ ሃገር ኮሮናቫይረስ ከምዘየለ ዘረጋግጽ ምዃኑ ብምግላጽ ኣመስጊንዎ።
“ንሚኒስተር ዋንግ ዪ ከመስግኖ እፎቱ፤ ኣብ’ዚ ኣብ ታንዛንያ ኮሮና ከምዘይብልና ይፈልጥ እዩ፡ ንዕኡ እዩ ኸኣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገበረ። የመስግነካ ሚስተር ዋንግ ዪ ... ምስጋናይ ንምግላጽ ድማ፡ ብሓባር ምግቢ ክንበልዕ ክንከይድ ከለና ኢዱ ክጭብጦ እየ” ኢሉ ፕረዚደንት ማጉፉሊ።
እቲ ቻይናዊ ሚኒስተር፡ ካብ ኩሎም እቶም ምስኡ ዝመጹ ልኡኻት ተፈልዩ፡ ንሱ በይኑ እዩ መሸፈንን ኣፍን ኣፍንጫን ከይገበረ ዝረኣይ።
ፕረዚደንት ማጉፉሊ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ብጽቡቕ ኣይኣለዮን ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ብትካል ጥዕና ዓለም ንዝወጸ መምርሒታት ማሕበራዊ ምፍንታትን ካልእን ነጺጉ እዩ።
ታንዛንያ፡ ኣብ’ታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ዘይትዝርግሕ ነዊሕ ገይራ’ላ።
ቻይናዊ ሚኒስተር ዋንግ ዪ ናብ ሓሙሽተ ሃገራት እዩ ምብጻሕ ዝገብር ዘሎ፡ ናብ ናይጄርያ፣ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ቦትስዋና፣ ታንዛንያን ሲሸልስን።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







