“ዲሞክራስን ነፃነትን ገደብ ኣለዎ”፡ ጆን ማጉፉሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዝደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ ነፃነትን ዲሞክራስን ገደብ ኣለዎ እዩ ክብል ምዝራቡ፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ፀብፂቡ።
ንሱ እቲ ሓድሽ ባይቶ እንክፅምብል ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “ዕላማ ነፃነትን ዲሞክራስን ዕብየት ንምምፃእ ደኣ እምበር፡ ዕግርግር ንምምፃእ ኣይኮነን፡ ነፃነት፣ መሰልን ዲሞክራስን ምስ ሓላፍነት እዮም ዝኸዱ፤ ገደብ ድማ ኣለዎ። ተስፋ እገብር ብግቡእ እየ ተረዲአዮ” ኢሉ።
እቲ ፕረዝደንት ኣብ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ መረፃ፡ 84 ምኢታዊት ድምፂ ብምርካብ ድሕሪ ምዕዋቱ'ዩ፡ ነዚ ርኢቶ ሂቡ ዘሎ።
ውድቡ ሲሲኤም’ውን፡ ዳርጋ ኩሎም መናብር ናይ'ቲ ባይቶ ከምዝተዓወተሉ እዩ ዝግለፅ።
እንተኾነ፤ ተቓዋሚ ውድብ እታ ሃገር፡ ኣብ'ቲ መረፃ ምትላል ከምዝተፈፀመ ብምግላፅ፡ ነቲ ውፅኢት ነፂግዎ እዩ።
ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ግና፡ ኣብ'ቲ መረፃ ምትላል ነይሩ ንዝብል ክሲ ነፂግዎ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







