ታንዛንያ፡ ኣብ ምፍናው ሬሳ ፕረዚደንት ማጉፉሊ ብዝተፈጠረ ምጽቅቓጥ ሕጻናት ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ሞይቶም

People entered the airport to bid farewell to Magufuli

ትማሊ ኣብ ፋንዋ ሬሳ ፕረዚደንት ታንዛንያ ነበር ጆን ማጉፉሊ ብዝተፈጠረ ምጽቅቓት ኣደ ምስ ኣርባዕተ ደቃ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ታንዛንያ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ገለ ጸብጻባት ቁጽሪ ምውታት 40 ከምዝብጽሕ እኳ እንተሓበሩ እዚ ግን ብሰብ-መዚ ታንዛንያ ኣይተረጋገጸን።

ኣብቲ ኣብ ስታድዮም ዳረሳላም ዝተገበረ ምፍናው ሬሳ እቲ ፕረዚደንት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከምዝተረኸቡ ተገሊጹ።

እቲ 'ቡልዶዘር' ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ታንዛንያ ነበር ጆን ማጉፉሉ በቲ ዝኽተሎ ፍሉይ መርሓ ብብዙሓት ታንዛንያውያን ተፈታውነት ኣትሪፉ እዩ።

እንተኾነ ገለ ነቐፍቱ እቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ሕጊ ናብ ውልቀ ምልኪ ዝዘንበለ'ዩ እዩ ብምባል ይነቕፍዎ።

እቲ ፕረዚደንት ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምንእኣሱን ንውድብ ጥዕና ዓለም ጸብጻብ የቕርብ ብዘይምንባሩን ኣብታ ሃገር ቁጽሪ መልከፍትን ሞትን ንኽውስኽ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾነ ዝገልጽዎ'ውን ብዙሓት'ዮም።

ተቓወምቲ ውድባት፡ እቲ ፕረዚደንት ብኮቪድ-19 ከምዝሞተ እዮም ዝገልጽዎ፡ እዚ ግን ብሸነኽ መንግስቲ እታ ሃገር ኣይተረጋገጸን።

ቱር ጓሂ

ደኒስ ምትዋ በቲ ዝተፈጠረ ጽቕጥቕጥ ክልተ ደቁ፡ ብዓልቲ ቤቱ፡ ወዲ ሓፍቱን ወደ ሓዉን ዝሞትዎ እዩ።

ንሱ፡ "እዘን ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣዝየን ከበድተ እየን ነይረን፡ መጀመርታ በቶም ከጸናኑዑኒ ከቢቦሙኒ ዝነበሩ ሰባት ይጸናናዕ ነይረ፡ ምሸት ኩሉ ገገዲፉኒ ነናብ ቤቱ ምስ ኸደ ግን እቲ ሓዝን ምረቱ ተረዲኡኒ፡ ኣብ ክቱር ጓሂ'የ ዘለኹ" ክብል ንቢቢሲ ሓዘኑ ኣካፊሉ።

ሬሳ ጆን ማጉፊሉ ንምፍው ዝተኣከቡ ደገፍቱ

ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ላዛሮ ሞምባሳ ብዛዕባ እቲ እቲ ሞት ሰባት ዝስዓበ ጽቅጥቅጥ ኣመልኪቱ ሎሚ መግለጺ ከምዝህብ ገሊጹ ኣሎ።

ሬሳ ጆን ማጉፉሊ ዝተሸኸመት መኪና

ትማሊ ኣሽሓት ታንዛንያውያን ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣብ ርእሰ ኸተማ እታ ሃገር ዝኾነት ከተማ ዶዶማ ሃገራዊ ፋንዋ ሬሳ እቲ ፕረዚደንት ተኻይዱ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፋንዋ ሬሳ ዝተረኸቡ መራሕቲ ሃገራት ፕረዚደንት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፕረዚደንት ፍሊክስ ትሺሰከዲ ኮይኑ፡ ንሱ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብሞት 'ሰውራዊ' ጆን ማጉፉሊ ሓዝን ከምዝተሰማዓ ገሊጹ።

ካብ 2015 ጀሚሩ ንታንዛንያ ክመርሓ ዝጸንሐ ጆን ማጉፊሊ ኣብ መበል 61 ዓመቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሕማም ልቢ ከምዝሞተ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

ድሕሪ ሞት ጆን ማጉፊሊ ስልጣን ፕረዚደንትነት ዝተረኸበት ምኽትሉ ነበር ፕረዚደንት ሳምያ ሱሉሁ ሓሳን ንጆን ማጉፉሉ ጸግዒ ድኻታትን ሃይማኖታውን ምንባሩ መስኪራ።

ፕረዚደንት ሳምያ፡ "ንሱ መራሒና ጥራይ ኣይኮነን ነይሩ፡ ዋሕስን ኣቦ ብዙሓት ስድራን እዩ ነይሩ፤ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ቅኑዕ ነይሩ" ኢላ።

እቶም ነቲ ስነ-ስርዓት ፋንዋ ሬሳ እቲ ፕረዚደንት ዝተሳተፉ ሰብ መዚ ታንዛንያን እቶም ኣብኡ ዝተረኸቡ ኣሽሓት ታንዛንያውያንን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይገበሩ'ዮም ኣብቲ እቲ ሬሳ ዝተፋነወሉ ኣብ ዶዶማ ዝርከብ ስታድዮም ተረኺቦም።

እንተኾነ፡ እቶም ነቲ ሬሳ ክፋነዉ ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ መራሕቲ ካልኦት ሃገራት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሮም ነይሮም'ዮም።

ፕረዚደንት ታንዛንያ ነበር ጆን ማጉፉሊ ኣብታ መበቆል ዓዱ ዝኾነት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ታንዛንያ ትርከብ ቻቶ እትብሃል ከተማ ዓርቢ ሓመድ ኣዳም ክለብስ እዩ።

ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃኸ እንታይ ኢሎም?

ፕረዚደንት ሞዛምቢክ ፍሊፕ ንዩሲ ጆን ማጉፉሊ ኣብ ልቢ ብዙሓት ክህሉ እዩ ኢሉ።

ፕረዚደንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክወረ ብወገኑ ጆን ማጉፉሉ ዝሃቦ ኣግልግሎት ቦክሪ ውላድ ኣፍሪቃ ዝስምዩ'ዩ ኢሉ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሰሪል ራማፎዛ ብወገኑ ጆን ማጉፊሊ ሕቡን ኣፍሪቃዊ ምንባሩ ብምግላጽ 'እቲ ሓቀኛ ኣማኒ ፓን ኣፍሪካን' እዩ ድሕሪ ምባል ጆን ማጉፉሉ በቲ ኣንጻር ብልሽውና ዝግበሮ ዝነበረ ቃልሲ ወዲስዎ።

ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ፡ ጆን ማጉፊሊ ቋንቋ ስዋህሊ ንኽምዕብል ዘይሕለል ጻዕሪ ይገብር ምንባሩ ብመሕባር "ቋንቋ ስዋሂሊ ሳላ ጻዕሪ ጆን ማጉፉሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ኣትዩ ይውሃብ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ንዘልኣለም ንዝኽሪ ጆን ማጉፉሊ ኮይኑ ክቅጽል እዩ" ኢሉ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ቦትስዋና ሞከግወቲ ማሰሰ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታ'ውን ተረኺቦም ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ዘለዎም ናእዳን ዝኽርን ኣካፊሎም።

መግለጺ ቪድዮ, ምህዞ ታንዛንያ ኣብ ምድንፋዕ ማእቶት ሕርሻ