ኣብ ታንዛንያ 'ምስጢራዊ ሕማም' ከምዝተራእየ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ታንዛንያ፡ ዘይተፈልጠ ሕማም ከምዝተራእየ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቓሊሓን።
እቶም ዝሓመሙ ሰባት ደም የምልሱ ከምዘለው'ውን ተገሊጹ።
ሰብመዚ ጥዕና ናይቲ ከባቢ ከምዝሓበሮዎ፡ ገለ ካብቶም ሕሙማት ኣብ ውሽጡ ሰዓታት ከምዝሞቱ ኣመልኪቶም።
ሚኒስትሪ እታ ሃገር፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እትምርምር ጉጅለ ክኢላታት ናብቲ ቦታ ተላኢኾም ከምዘለው ገሊጹ'ሎ። ለበዳ ክኽውን ይኽእል'ዩ ንዝበሉ ጸብጻባት ግን ኒጽግዎም'ሎ።
ሚኒስተር ጥዕና ዶርሲ ግዋጂማ፡ ሕማም ከምዘሎ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንዝሓበረ ሓኪም ካብ መዝነቱ ኣባሪራቶ'ላ።
እቲ ሚኒስትሪ፡ ከምዚ ዓነይነት ምልክታት ሕማም ካብ 2018 ጀሚሩ ይረኣ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ እቲ መርማሪ ጉጅለ ብዛዕባ'ቲ ሕማም ዘድሊ ሓበሬታ ክሳዕ ዘቕርብ፡ ህዝቢ ሃዲኡ ክጸንሕ ተማሕጺኑ።
ታንዛንያ፡ ንሓደገኛነት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክትሰትር ብምፍታና ክትክሰስ ጸኒሓ።
መንግስቲ እታ ሃገር፡ ሰባት ናይ ምክልኻል ዓቕሞሞ ክሕይሉ ባህላዊ ፈውስታት ክወስዱ ክምዕድ ጸኒሑ። እንተኾነ፡ እዞም ባህለዊ ይኹኑ ኤርባዊ ፈውሲ ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝከላኸሉ ዝኾነ መርትዖ የለን።
ኣብዚ ሰሙን ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ዝንጅብል፣ ሽጉርቲ፣ ለሚንን ጉዕን ብሓባር ጥሒንካ ምስታይ መድሃኒት'ዩ ዝብል ብተግባር ዝተደገፈ ግን ድማ ብሳይንስ ዘይተረጋገጸ ጉዳይ ንህዝቢ ኣቓሊሓ።
ንኣዋርሕ መንግስቲ ታንዛኒያ፡ እታ ሃገር ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናጻ ከም ዝኾነትን ክታበት ንምዕዳግ መደብ ከም ዘይብላን ክገልጽ ጸኒሑ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓቀኛ ምስሊ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ። ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ዓው ኢሎም ድምጾም ዘስምዑ ሰባት'ው ኣዝዮም ውሑዳት ከምዝኾኑ ይግለጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







